| ← Psalms (104/150) → |
| 1. | ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡ ግርማን ክብርን ለበስካ። |
| 2. | ንብርሃን ከም ልብሲ ለበስካዮ፡ ንሰማያት ከም መጋረጃ ዘርጋሕካዮ፡ |
| 3. | ንርሻንካ ኣብ ማያት ሀነጽካዮ፡ ንደበናስ ሰረገላኻ ገበርካ፡ ኣብ ኣኽናፍ ንፋስ ኴንካ ኸድካ። |
| 4. | ንንፋሳት ልኡኻትካ፡ ንሃልሃልታ ሓዊ ኣገልገልትኻ ገበርካዮም። |
| 5. | ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ፡ ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ። |
| 6. | ከም ብልብሲ ብመዓመቚ ኣልበስካያ፡ ማያት ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ቈሙ። |
| 7. | ብመግናሕትኻ ሀደሙ፡ ብድምጺ ነጐድጓድካ ቐልጢፎም ከዱ። |
| 8. | ኣብቲ ዝመደብካሎም ቦታ ኣኽራን ልዕል በሉ፡ ለሴታትውን ለጠቕ በሉ። |
| 9. | ተመሊሶም ንምድሪ ኸይከድንዋስ፡ ዘይሐልፍዎ ደረት ወሰንካሎም። |
| 10. | ኣብ ሽንጭሮታት ዓይኒ ማያት ኣንታዕካ፡ ኣብ መንጎ ኣኽራን ይውሕዛ። |
| 11. | ንዂሉ እንስሳ መሮር የስትያኦ፡ ኣእዱግ በረኻ ይረውዩለን። |
| 12. | ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጥቓኤን ይነብራ፡ ካብ ማእከል ጨናፍር ከኣ ድምጸን የስምዓ። |
| 13. | ነኽራን ካብ ርወናትካ ተስትዮ፡ ምድሪ ብፍረ ተግባርካ ትጸግብ። |
| 14. | ወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሕጒሶ፡ ዘይቲ ንገጹ ኼብርሆ፡ እንጌራውን ንልቢ ሰብ ኬጽንዖስ፡ ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ንእንስሳስ ሳዕሪ፡ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ። |
| 15. | ወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሕጒሶ፡ ዘይቲ ንገጹ ኼብርሆ፡ እንጌራውን ንልቢ ሰብ ኬጽንዖስ፡ ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ንእንስሳስ ሳዕሪ፡ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ። |
| 16. | ኣእዋም እግዚኣብሄርን እተን ዝተኸልካየን ጽሕድታት ሊባኖስን ጸገባ። |
| 17. | ኣዕዋፍ ኣብኡ እንዳኤን ይሰርሓ፡ ጽሕድታት ንራዛ ማሕደሪኡ እየን። |
| 18. | ነዋሕቲ ኣኽራን ንሰሰውሕ፡ ኣኻውሕ ድማ መዕቈቢ ጊሔታት እዩ። |
| 19. | ወርሒ ንመመደብ ግዝያት ገበረ፡ ጸሓይ ንምዕራባ ትፈልጥ። |
| 20. | ጸልማት ትገብር፡ ለይትውን ይኸውን፡ ብእኡ ዂሎም እንስሳ ዱር ይዛወሩ። |
| 21. | ሽደናት ኣንበሳ ንምዝራፍ ይጓዝሙ፡ ቀለቦም ከኣ ካብ ኣምላኽ ይደልዩ። |
| 22. | ጸሓይ ትበርቕ፡ ይምለሱ፡ ኣብ ጒድጓዶም ድማ ይድቅሱ። |
| 23. | ሰብ ናብ ተግባሩን ናብ ዕዮኡን ክሳዕ ምሸት ይወጽእ። |
| 24. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ፡ ንዂሉ ብጥበብ ገበርካዮ፡ ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ ኣላ። |
| 25. | እታ ዓባይን ገፋሕን ባሕሪ እዚኣ እያ፡ ቊጽሪ ዜብሎም ዓበይትን ናእሽቱን እንስሳ ኣብኣ ይዋሳወሱ ኣለዉ። |
| 26. | ኣብኣ መራኽብ ይኸዳ፡ እቲ ዝፈጠርካዮ ሌዋታን ኣብኣ ይጻወት። |
| 27. | እዚኣቶም ኲሎም ምግቦም በብጊዜኡ ኽትህቦምሲ፡ ንኣኻ ይጽበዩ ኣለዉ። |
| 28. | ንስኻ ትህቦም፡ ይኣክቡ፡ ንስኻ ኢድካ ትዝርግሕ፡ ብጸጋውን ይጸግቡ ኣለዉ። |
| 29. | ንስኻ ገጽካ ትኽውል፡ ይስምብዱ፡ ትንፋሶም ተውጽእ፡ ይሞቱ፡ ኣብ መሬቶምውን ይምለሱ። |
| 30. | ትንፋስካ ትልእኽ፡ ይፍጠሩ፡ ንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ። |
| 31. | ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይንበር፡ እግዚኣብሄር ብተግባሩ ይተሐጐስ። |
| 32. | ኣብ ምድሪ ይጥምት፡ ንሳ ኸኣ ተንቀጥቅጥ፡ ነኽራን ይትንክዮም እሞ ይተኩ። |
| 33. | ብህይወተይ ከሎኹ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር፡ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ኤመስግን። |
| 34. | ቃላተይ ባህ የብሎ፡ ብእግዚኣብሄር እሕጐስ እየ። |
| 35. | ሓጥኣን ካብ ምድሪ ይጥፍኡ፡ ረሲኣንውን ደጊም ኣይሀልዉ፡ ነፍሰየ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዮ። |
| ← Psalms (104/150) → |