Psalms (104/150)  

1. ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡ ግርማን ክብርን ለበስካ።
2. ንብርሃን ከም ልብሲ ለበስካዮ፡ ንሰማያት ከም መጋረጃ ዘርጋሕካዮ፡
3. ንርሻንካ ኣብ ማያት ሀነጽካዮ፡ ንደበናስ ሰረገላኻ ገበርካ፡ ኣብ ኣኽናፍ ንፋስ ኴንካ ኸድካ።
4. ንንፋሳት ልኡኻትካ፡ ንሃልሃልታ ሓዊ ኣገልገልትኻ ገበርካዮም።
5. ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ፡ ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ።
6. ከም ብልብሲ ብመዓመቚ ኣልበስካያ፡ ማያት ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ቈሙ።
7. ብመግናሕትኻ ሀደሙ፡ ብድምጺ ነጐድጓድካ ቐልጢፎም ከዱ።
8. ኣብቲ ዝመደብካሎም ቦታ ኣኽራን ልዕል በሉ፡ ለሴታትውን ለጠቕ በሉ።
9. ተመሊሶም ንምድሪ ኸይከድንዋስ፡ ዘይሐልፍዎ ደረት ወሰንካሎም።
10. ኣብ ሽንጭሮታት ዓይኒ ማያት ኣንታዕካ፡ ኣብ መንጎ ኣኽራን ይውሕዛ።
11. ንዂሉ እንስሳ መሮር የስትያኦ፡ ኣእዱግ በረኻ ይረውዩለን።
12. ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጥቓኤን ይነብራ፡ ካብ ማእከል ጨናፍር ከኣ ድምጸን የስምዓ።
13. ነኽራን ካብ ርወናትካ ተስትዮ፡ ምድሪ ብፍረ ተግባርካ ትጸግብ።
14. ወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሕጒሶ፡ ዘይቲ ንገጹ ኼብርሆ፡ እንጌራውን ንልቢ ሰብ ኬጽንዖስ፡ ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ንእንስሳስ ሳዕሪ፡ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ።
15. ወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሕጒሶ፡ ዘይቲ ንገጹ ኼብርሆ፡ እንጌራውን ንልቢ ሰብ ኬጽንዖስ፡ ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ንእንስሳስ ሳዕሪ፡ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ።
16. ኣእዋም እግዚኣብሄርን እተን ዝተኸልካየን ጽሕድታት ሊባኖስን ጸገባ።
17. ኣዕዋፍ ኣብኡ እንዳኤን ይሰርሓ፡ ጽሕድታት ንራዛ ማሕደሪኡ እየን።
18. ነዋሕቲ ኣኽራን ንሰሰውሕ፡ ኣኻውሕ ድማ መዕቈቢ ጊሔታት እዩ።
19. ወርሒ ንመመደብ ግዝያት ገበረ፡ ጸሓይ ንምዕራባ ትፈልጥ።
20. ጸልማት ትገብር፡ ለይትውን ይኸውን፡ ብእኡ ዂሎም እንስሳ ዱር ይዛወሩ።
21. ሽደናት ኣንበሳ ንምዝራፍ ይጓዝሙ፡ ቀለቦም ከኣ ካብ ኣምላኽ ይደልዩ።
22. ጸሓይ ትበርቕ፡ ይምለሱ፡ ኣብ ጒድጓዶም ድማ ይድቅሱ።
23. ሰብ ናብ ተግባሩን ናብ ዕዮኡን ክሳዕ ምሸት ይወጽእ።
24. ዎ እግዚኣብሄር፡ ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ፡ ንዂሉ ብጥበብ ገበርካዮ፡ ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ ኣላ።
25. እታ ዓባይን ገፋሕን ባሕሪ እዚኣ እያ፡ ቊጽሪ ዜብሎም ዓበይትን ናእሽቱን እንስሳ ኣብኣ ይዋሳወሱ ኣለዉ።
26. ኣብኣ መራኽብ ይኸዳ፡ እቲ ዝፈጠርካዮ ሌዋታን ኣብኣ ይጻወት።
27. እዚኣቶም ኲሎም ምግቦም በብጊዜኡ ኽትህቦምሲ፡ ንኣኻ ይጽበዩ ኣለዉ።
28. ንስኻ ትህቦም፡ ይኣክቡ፡ ንስኻ ኢድካ ትዝርግሕ፡ ብጸጋውን ይጸግቡ ኣለዉ።
29. ንስኻ ገጽካ ትኽውል፡ ይስምብዱ፡ ትንፋሶም ተውጽእ፡ ይሞቱ፡ ኣብ መሬቶምውን ይምለሱ።
30. ትንፋስካ ትልእኽ፡ ይፍጠሩ፡ ንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ።
31. ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይንበር፡ እግዚኣብሄር ብተግባሩ ይተሐጐስ።
32. ኣብ ምድሪ ይጥምት፡ ንሳ ኸኣ ተንቀጥቅጥ፡ ነኽራን ይትንክዮም እሞ ይተኩ።
33. ብህይወተይ ከሎኹ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር፡ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ኤመስግን።
34. ቃላተይ ባህ የብሎ፡ ብእግዚኣብሄር እሕጐስ እየ።
35. ሓጥኣን ካብ ምድሪ ይጥፍኡ፡ ረሲኣንውን ደጊም ኣይሀልዉ፡ ነፍሰየ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዮ።

  Psalms (104/150)