| ← Psalms (103/150) → |
| 1. | ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዂሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ። |
| 2. | ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኲሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፡ |
| 3. | ንሱ ንዂሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፡ ንዂሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፡ |
| 4. | ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋ፡ ብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ፡ |
| 5. | ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፡ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ። |
| 6. | እግዚኣብሄርስ ንዂሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ። |
| 7. | መገድታቱ ንሙሴ፡ ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ። |
| 8. | እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፡ ንዂራ ደንጓዩ፡ ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። |
| 9. | ኲሉ ጊዜ ኣይገንሕን፡ ንዘለኣለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ። |
| 10. | ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፡ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ። |
| 11. | ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፡ ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን። |
| 12. | ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሐቖ። |
| 13. | ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። |
| 14. | ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ። |
| 15. | ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፡ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ። |
| 16. | ንፋስ ኣብ ልዕሊኣ ይሓልፍ እሞ፡ ከቶ ኣይትርከብን እያ፡ ቦታኣውን ኣይፈልጣን እዩ። |
| 17. | ምሕረት እግዚኣብሄር ግና ኣብቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ትነብር። |
| 18. | ጽድቁ ኸኣ ነቶም ኪዳኑ ዚሕልዉ፡ ንትእዛዛቱ ምእንቲ ኺገብርዎ ዚዝክርዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ። |
| 19. | እግዚኣብሄር ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቘመ፡ መንግስቱውን ኣብ ልዕሊ ዂሉ ትገዝእ ኣላ። |
| 20. | ኣቱም መላእኽቱ፡ ንድምጺ ቓሉ እትእዝዙ፡ ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። |
| 21. | ኣቱም ሰራዊቱ ዂሉኹም፡ ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። |
| 22. | ኲሉ ግብርታቱ ኣብ ኲሉ ስፍራ ግዝኣቱ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኹ። ነፍሰየ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ። |
| ← Psalms (103/150) → |