Psalms (102/150)  

1. ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡ ኣውያተይውን ኣባኻ ይብጻሕ።
2. ብመዓልቲ ጸበባይ ገጽካ ኣይትኸውለለይ፡ እዝንኻ ኣድንነለይ፡ በታ ዘእውየላ መዓልቲ ቐልጢፍካ ምለሰለይ።
3. መዓልትታተይ ከም ትኪ ይበና ኣለዋ እሞ፡ ኣዕጽምተይ ከኣ ከም እይድ ይነድድ ኣሎ።
4. ምብላዕ እንጌራይ ረሲዔዮ እየ እሞ፡ ልበይ ከም ሳዕሪ ጸምለወን ነቐጸን።
5. ካብ ድምጺ ገዓረይ እተላዕለ ኣዕጽምተይ ኣብ ስጋይ ተጣበቐ።
6. ኣባ ጉምባሕ በረኻ መሰልኩ፡ ከም ጉንጓ ዑናታት ኰንኩ።
7. ተጋሀኩ፡ ከምቲ እቲ ናሕሲ በይኑ ዘሎ ዑፍ ከኣ እየ።
8. ምሉእ መዓልቲ ጸላእተይ የላግጹለይ፡ ተጻረርተይ ብስመይ ይረግሙ ኣለዉ።
9. ንሓመዂስቲ ኸም እንጌራ እበልዖ ኣሎኹ እሞ፡ ንመስተይ ምስ ንብዓት እሕውሶ ኣሎኹ።
10. ብምኽንያት ኲራኻን ቊጥዓኻን ኣልዒልካ ደርቢኻኒ ኢኻ እሞ፡
11. መዓልትታተይ ከም ዚነውሕ ጽላሎት እየን፡ ኣነውን ከም ሳዕሪ እነቅጽ ኣሎኹ።
12. ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ትነብር፡ መዘከርታኻውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።
13. ጊዜ ምሕረታ እዩ፡ እቲ ምዱብ ጊዜ በጺሑ፡ ባሮትካ ነእማና ኣፍቂሮም፡ ብሓመዳ ኸኣ ጒህዮም እዮም እሞ፡ ክትትንስእ ንጽዮንውን ክትርሕርሓላ ኢኻ።
14. ጊዜ ምሕረታ እዩ፡ እቲ ምዱብ ጊዜ በጺሑ፡ ባሮትካ ነእማና ኣፍቂሮም፡ ብሓመዳ ኸኣ ጒህዮም እዮም እሞ፡ ክትትንስእ ንጽዮንውን ክትርሕርሓላ ኢኻ።
15. ኣህዛብ ከኣ ንስም እግዚኣብሄር፡ ኲሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ንኽብርኻ ኺፈርሁ እዮም።
16. እግዚኣብሄር ንጽዮን ኪሀንጻ፡ ብኽብሩ ኺግለጽ እዩ።
17. ኣብ ጸሎት ሽጉራት ኬቕልብ፡ ንጸሎቶምውን ኣይኪንዕቕን እዩ እሞ፡
18. እዚ ነቲ ዚመጽእ ወለዶ ኺጽሐፍ፡ እቲ ዚፍጠር ህዝቢውን ንእግዚኣብሄር ኬመስግኖ እዩ።
19. ኲሎም ኣህዛብን መንግስትታትን ኣብ ጽዮን ንስም እግዚኣብሄር ኣብ የሩስሌም ድማ ንምስጋናኡ ኺነግሩ ኢሎም፡ ንእግዚኣብሄር ኬገልግልዎ ምስ ተኣከቡ፡ እግዚኣብሄር ንብኽያት እሱራት ኪሰምዕ፡ ነቶም ንሞት እተመደቡ ምእንቲ ኺፈትሖም ካብ ልዕልና መቕደሱ ረኣየ፡ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣንቈልቊሉ ጠመተ።
20. ኲሎም ኣህዛብን መንግስትታትን ኣብ ጽዮን ንስም እግዚኣብሄር ኣብ የሩስሌም ድማ ንምስጋናኡ ኺነግሩ ኢሎም፡ ንእግዚኣብሄር ኬገልግልዎ ምስ ተኣከቡ፡ እግዚኣብሄር ንብኽያት እሱራት ኪሰምዕ፡ ነቶም ንሞት እተመደቡ ምእንቲ ኺፈትሖም ካብ ልዕልና መቕደሱ ረኣየ፡ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣንቈልቊሉ ጠመተ።
21. ኲሎም ኣህዛብን መንግስትታትን ኣብ ጽዮን ንስም እግዚኣብሄር ኣብ የሩስሌም ድማ ንምስጋናኡ ኺነግሩ ኢሎም፡ ንእግዚኣብሄር ኬገልግልዎ ምስ ተኣከቡ፡ እግዚኣብሄር ንብኽያት እሱራት ኪሰምዕ፡ ነቶም ንሞት እተመደቡ ምእንቲ ኺፈትሖም ካብ ልዕልና መቕደሱ ረኣየ፡ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣንቈልቊሉ ጠመተ።
22. ኲሎም ኣህዛብን መንግስትታትን ኣብ ጽዮን ንስም እግዚኣብሄር ኣብ የሩስሌም ድማ ንምስጋናኡ ኺነግሩ ኢሎም፡ ንእግዚኣብሄር ኬገልግልዎ ምስ ተኣከቡ፡ እግዚኣብሄር ንብኽያት እሱራት ኪሰምዕ፡ ነቶም ንሞት እተመደቡ ምእንቲ ኺፈትሖም ካብ ልዕልና መቕደሱ ረኣየ፡ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣንቈልቊሉ ጠመተ።
23. ንሓይለይ ኣብ መገዲ ኣድከሞ፡ ንመዓልትታተይ ኣሕጸረን።
24. ኣምላኸየ፡ ኣብ ፍርቂ መዓልትታተይ ኣይትውሰደኒ፡ በልኩ። ዓመታትካ ንውሉድ ወለዶ እዩ
25. ካብ ጥንቲ ንምድሪ ሰረትካያ፡ ሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
26. ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ትነብር፡ ኲላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፡ ከም ልብሲ ኽትልውጦም ኢኻ፡ ኪልወጡውን እዮም።
27. ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳእን።
28. ውሉድ ባሮትካ ኺነብሩ፡ ዘርኦም ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ኺጸንዕ እዩ።

  Psalms (102/150)