Psalms (101/150)  

1. ብዛዕባ ጸጋን ፍርድን ክዝምር፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ምስጋና ኽዝምረልካ እየ።
2. ብፍጽምቲ መገዲ እጣበብ ኣሎኹ፡ መኣዝ ክትመጸኒ ኢኻ? ኣብ ውሽጢ ቤተይ ብፍጹም ልበይ እመላለስ ኣሎኹ።
3. ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን፡ ንግብሪ ብልያል እጸልኦ ኣሎኹ፡ ኣይኪጠብቀንን እዩ።
4. ቄናን ልቢ ኻባይ ይርሐቕ፡ ንኽፉእ ክፈልጦ ኣይደልን።
5. ነቲ ንብጻዩ ብሕቡእ ዚሐሚ ኤጥፍኦ፡ ነቲ ዕቡይ ዓይንን ኲሩዕ ልብን ዘለዎ ኣይዕገሶን እየ፡
6. ምሳይ ኪነብሩስ፡ ኣዒንተይ ኣብቶም ናይ ሃገር እሙናት እየን፡ እቲ ብፍጽምቲ መገዲ ዚመላለስ ኬገልግለኒ እዩ።
7. ተንኰል ዚገብር ኣብ ውሽጢ ቤተይ ኣይነብርን፡ ሓሶት ዚዛረብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይጸንዕን እዩ።
8. ንዓመጸኛታት ካብ ከተማ እግዚኣብሄር ከጽንትሲ፡ ንዂሎም ረሲኣን ምድሪ ንግሆ ንግሆ ኸጥፍኦም እየ።

  Psalms (101/150)