| ← Psalms (101/150) → |
| 1. | ብዛዕባ ጸጋን ፍርድን ክዝምር፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ምስጋና ኽዝምረልካ እየ። |
| 2. | ብፍጽምቲ መገዲ እጣበብ ኣሎኹ፡ መኣዝ ክትመጸኒ ኢኻ? ኣብ ውሽጢ ቤተይ ብፍጹም ልበይ እመላለስ ኣሎኹ። |
| 3. | ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን፡ ንግብሪ ብልያል እጸልኦ ኣሎኹ፡ ኣይኪጠብቀንን እዩ። |
| 4. | ቄናን ልቢ ኻባይ ይርሐቕ፡ ንኽፉእ ክፈልጦ ኣይደልን። |
| 5. | ነቲ ንብጻዩ ብሕቡእ ዚሐሚ ኤጥፍኦ፡ ነቲ ዕቡይ ዓይንን ኲሩዕ ልብን ዘለዎ ኣይዕገሶን እየ፡ |
| 6. | ምሳይ ኪነብሩስ፡ ኣዒንተይ ኣብቶም ናይ ሃገር እሙናት እየን፡ እቲ ብፍጽምቲ መገዲ ዚመላለስ ኬገልግለኒ እዩ። |
| 7. | ተንኰል ዚገብር ኣብ ውሽጢ ቤተይ ኣይነብርን፡ ሓሶት ዚዛረብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይጸንዕን እዩ። |
| 8. | ንዓመጸኛታት ካብ ከተማ እግዚኣብሄር ከጽንትሲ፡ ንዂሎም ረሲኣን ምድሪ ንግሆ ንግሆ ኸጥፍኦም እየ። |
| ← Psalms (101/150) → |