Psalms (100/150)  

1. ኲሉኺ ምድሪ፡ ንእግዚኣብሄር እልል በልሉ።
2. ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ።
3. እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፡ ንሱ ገበረና፡ ባዕላትና ኣይኰንናን፡ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዑ መጓሴኡ ኢና።
4. ኣብ ደጌታቱ ብምስጋና፡ ኣብ ኣጸዱውን ብውዳሴ እተዉ፡ ኣመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ።
5. እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፡ ጸጋኡ ንዘለኣለም፡ እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።

  Psalms (100/150)