Psalms (10/150)  

1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ስለምንታይ ደኣ እትርሕቕ፣ ብዘመናት ደበባስ እትኽወል፣
2. ረሲእ ብትምኒት ልቡ ይጀሀር፣ ንገፋዒ ይምርቖ፣ ንእግዚኣብሄር ይንዕቆ አሎ እሞ፣ ጥቑዕሲ ብትዕቢት ረሲእ ይስቀ አሎ፣ በቲ ዝሐሰብዎ ውዲት ይተሐንኰሉ።
3. ረሲእ ብትምኒት ልቡ ይጀሀር፣ ንገፋዒ ይምርቖ፣ ንእግዚኣብሄር ይንዕቆ አሎ እሞ፣ ጥቑዕሲ ብትዕቢት ረሲእ ይስቀ አሎ፣ በቲ ዝሐሰብዎ ውዲት ይተሐንኰሉ።
4. ኵሉ ሓሳባት እቲ ረሲእ፣ ኣምላኽ የልቦን እዩ፣ ብትዕቢቱ ኸኣ፣ ኣይምርምርን እዩ፣ ይብል አሎ።
5. መገድታቱ ዅሉ ጊዜ ይፍድፍዳ፣ ፍርድታትካ ንእኡስ ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እዩ። ንዅላቶም ተቓወምቱ ጺቕ ይብለሎም።
6. ብልቡ፣ ከቶ ኣይክናወጽን፣ ካብ ወለዶ ንወለዶ ኽፉእ ኣይመጸንን እዩ፣ ይብል አሎ።
7. ኣፉስ መርገምን ጥልመትን ዓመጻን መሊኡ እዩ፣ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እከይን ጥፍኣትን አሎ።
8. ኣብ ናይ ዓድታት ሸጓሽጕ የድቢ፣ ኣብ ሕቡእ ስፍራ ንንጹህ ይቐትሎ፣ ኣዒንቱ ንመስኪን ይስልያኦ።
9. ከም ኣንበሳ ኣብ ዱሩ ኣብ መሕቢኡኡ ይጻናቶ፣ ንመስኪን ኪዕምጥሮ የድቢ፣ ንመስኪን ብመጻወድያኡ ስሒቡ ይዕምጥሮ።
10. ጕብጥ ኢሉ ይደንን፣ መሳኪን ከኣ ኣብ መንጐ ኣጽፋሩ ይወድቁ።
11. ንሱ ብልቡ፣ ኣምላኽ ረሲዑ ገጹ ኸዊሉ፣ ከቶ ኣይኪርእዮን እዩ፣ ይብል።
12. ዎ እግዚኣብሄር፣ ተንስእ፣
13. ስለምንታይ ረሲእ ንኣምላኽ ዚንዕቆ፣ ብልቡ ኸኣ፣ ኣይክትምርምርን ኢኻ፣ ዚብሎ፣
14. ንስኻ ርኢኻዮ፣ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ኽትሕዞስ፣ ንጻዕርን ሓዘንን ተቕልበሉ ኢኻ እሞ፣ መስኪን ንነገሩ ናባኻ ይወፍዮ፣ ረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ።
15. ንቕልጽም ረሲእ ስበሮ፣ ንእኩይ፣ ረሲእነቱ ኽሳዕ ዘይትረኽባ፣ ኣጥፋኣዮ።
16. እግዚኣብሄር ንዘለኣለመ ኣለም ንጉስ እዩ። ኣህዛብ ካብ ምድሩ ጸኒቶም እዮም።
17. ዎ እግዚኣብሄር፣ መሬታዊ ሰብ ንምግፋዕ ከይቕጽል፣ ንዘኽታምን ንጥቑዕን ክትብይነሎምሲ፣ ነእዛንካ ተድንነን፣ ንሃረርታ ትሑታት ትሰምዖ፣ ንልቦም ተበርትዖ ኢኻ።
18. ዎ እግዚኣብሄር፣ መሬታዊ ሰብ ንምግፋዕ ከይቕጽል፣ ንዘኽታምን ንጥቑዕን ክትብይነሎምሲ፣ ነእዛንካ ተድንነን፣ ንሃረርታ ትሑታት ትሰምዖ፣ ንልቦም ተበርትዖ ኢኻ።

  Psalms (10/150)