| ← Proverbs (9/31) → | 
| 1. | ጥበብ ቤታ ሀነጸት፡ ሾብዓተ ኣዕኑዳ ጸረበት። | 
| 2. | ሰባብሕታ ሐረደት፡ ወይና ዘለለት፡ መአዳውን ኣሰናደወት | 
| 3. | ኣግራዳ ለኣኸት፡ ኣብቲ ኣዝዩ ዝበረኸ ስፍራ ኸተማ ዀይና ትጽውዕ ኣላ፡ | 
| 4. | ዘይለበመ እንተሎ፡ ናብዚ ይምጻእ። ነቶም ኣእምሮ ዜብሎምውን ከምዚ ትብሎም ኣላ፡ | 
| 5. | ንዑ፡ እንጌራ ብልዑ፡ ዝዘለልክዎ ወይነይ ስተዩ። | 
| 6. | ብህይወት ክትነቡሩስ ዕሽነት ሕደጉ፡ ብመገዲ ምስትውዓል ከኣ ተመላለሱ። | 
| 7. | ንመላገጺ ዚምዕድ ንርእሱ ጸርፊ ይቕበል፡ ንረሲእ ዚግስጽ ከኣ ነውሪ ይመጾ። | 
| 8. | ምእንቲ ኸይጸልኣካስ፡ ንመላገጺ ኣይትገስጾ፡ ንጠቢብ ገስጾ እሞ ኬፍቅረካ እዩ። | 
| 9. | ንጠቢብ ትምህርቲ ሀቦ እሞ ወሲኹ ኺጠብብ፡ ንጻድቕ ምሀሮ እሞ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ። | 
| 10. | መጀመርያ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራእ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ። | 
| 11. | ዕለታትካ ብኣይ እየን ዚበዝሓ፡ ዓመታት ዕድሜኻውን ኪውስኻልካ እየን እሞ፡ | 
| 12. | ጥበበኛ እንተ ዀንካ፡ ንርእስኻ ትጠብብ፡ መላገጺ እንተ ዀንካ፡ በይንኻ ኢኻ እትስከሞ። | 
| 13. | ዓሻ ሰበይቲ ህውከተኛ እያ። ዘይለባም፡ ገለ እኳ ዘይትፈልጥ እያ። | 
| 14. | ነቶም ኣቕኒዖም ዚኸዱ ሓለፍቲ መገዲ፡ ዘይለባም እንተሎ ናብዚ የግልስ፡ ኢላ ኽትጽውዖምሲ፡ ኣብ ደገ ቤታን ኣብ በረኽ ስፍራ ኸተማን ኣብ መንበር ትቕመጥ። ነቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኸኣ፡ | 
| 15. | ነቶም ኣቕኒዖም ዚኸዱ ሓለፍቲ መገዲ፡ ዘይለባም እንተሎ ናብዚ የግልስ፡ ኢላ ኽትጽውዖምሲ፡ ኣብ ደገ ቤታን ኣብ በረኽ ስፍራ ኸተማን ኣብ መንበር ትቕመጥ። ነቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኸኣ፡ | 
| 16. | ነቶም ኣቕኒዖም ዚኸዱ ሓለፍቲ መገዲ፡ ዘይለባም እንተሎ ናብዚ የግልስ፡ ኢላ ኽትጽውዖምሲ፡ ኣብ ደገ ቤታን ኣብ በረኽ ስፍራ ኸተማን ኣብ መንበር ትቕመጥ። ነቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኸኣ፡ | 
| 17. | ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ፡ ብሕቡእ ዚብላዕ እንጌራ ኸኣ ባህ የብል እዩ፡ ትብሎ። | 
| 18. | ንሱ ግና ምውታት ኣብኡ ኸም ዘለው ዕዱማታውን ኣብ መዓሙቚ ሲኦል ከም ዘለው ኣይፈልጥን እዩ። | 
| ← Proverbs (9/31) → |