Proverbs (8/31)  

1. ጥበብ ኣይትጭድርንዶ እያ ዘላ፡ ኣእምሮውን ድምጻዶ ኣይተስምዕን እያ።
2. ኣብ ጫፍ በረኸትን ኣብ ቀራናታትን መገድን ደው ኢላ፡
3. ኣብ ጥቓ ደጌታት፡ ኣብ መእተው ከተማ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት ትጭድር፡
4. ኣቱም ሰባት፡ ናእኻትኩም እጽውዓኩም አሎኹ፡ ንደቂ ሰብ እየ ዘድህዮም ዘሎኹ።
5. ኣቱም ዓያሱ፡ ኣእምሮ ተምሀሩ፡ ኣቱም ደናቑርቲ ኸአ፡ ለብሙ።
6. ክቡር ነገር ክዛረብ እየ፡ ከናፍረይ ከአ ቅኑዕ ዘበለ ንምዝራብ ክኽፍት እየ፡ ኣፈይ ሓቂ ኺዛረብ እዩ፡ ንኸናፍረይ ከአ ረሲእነትሲ ጽያፈን እዩ እሞ፡ ስምዑ።
7. ክቡር ነገር ክዛረብ እየ፡ ከናፍረይ ከአ ቅኑዕ ዘበለ ንምዝራብ ክኽፍት እየ፡ ኣፈይ ሓቂ ኺዛረብ እዩ፡ ንኸናፍረይ ከአ ረሲእነትሲ ጽያፈን እዩ እሞ፡ ስምዑ።
8. ኩለን ቃላት ኣፈይ ብጽድቂ እየን፡ ኣብኤን ጠዋይነትን ልግምን ኣይርከብን።
9. ነዚ ኣስተውዓሊ ኩለን ትኽ ዝበላ እየን፡ ነቶም ፍልጠት ዝረኸቡ ኸአ ቕኑዓት እየን።
10. ጥበብ ካብ ኣዕናቑ ትበልጽ እያ፡ ክቡር ዘበለ ኹሉውን ኣይመዓራረያን እዩ እሞ፡ ካብ ብሩርሲ ተግሳጸይ፡ ንፍልጠትውን ካብ ሕሩይ ወርቂ ኣብሊጽኩም ተቐበልዎ።
11. ጥበብ ካብ ኣዕናቑ ትበልጽ እያ፡ ክቡር ዘበለ ኹሉውን ኣይመዓራረያን እዩ እሞ፡ ካብ ብሩርሲ ተግሳጸይ፡ ንፍልጠትውን ካብ ሕሩይ ወርቂ ኣብሊጽኩም ተቐበልዎ።
12. ኣነ ጥበብ ኣብ ልቦና እነብር፡ ሓሳብ ፍልጠት ድማ እረክብ።
13. ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ፡ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣኻይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ እየ።
14. ምኽርን ምስላጥን ናተይ እዩ፡ ኣእምሮ ኣነ እየ፡ ስልጣን ናተይ እዩ።
15. ነገስታት ብኣይ ይነግሱ፡ መኣፍንቲ ብኣይ ገይሮም ጽድቂ ይሕግጉ።
16. ገዛእትን ከበርቴን ብዘለው መኳንንቲ ምድርን ብኣይ ይገዝኡ።
17. ኣነ ነቶም ዜፍቅሩኒ ኤፍቅሮም፡ እቶም ኣንጊሆም ዚደልዩኒ ኸአ ይረኽቡኒ።
18. ሃብትን ክብረትን ነባሪ ጥሪትን ጽድቅን ኣባይ አሎ።
19. ፍረይ ካብ ወርቂ ኤረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ደኣ፡ ረብሓይ ከአ ካብ ሕሩይ ብሩር ይበልጽ።
20. ነቶም ዜፍቅሩኒ ሃብቲ ኽውርሶም፡ መዝገቦም ከአ ምእንቲ ኽመልኣሎምሲ፡ ብጎደና ጽድቂ፡ ብማእከል ቅንዕቲ መገዲ እየ ዝመላለስ።
21. ነቶም ዜፍቅሩኒ ሃብቲ ኽውርሶም፡ መዝገቦም ከአ ምእንቲ ኽመልኣሎምሲ፡ ብጎደና ጽድቂ፡ ብማእከል ቅንዕቲ መገዲ እየ ዝመላለስ።
22. እግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱ፡ ቅድሚ እቲ ጥንታዊ ግብሩ ተገንዘበኒ።
23. ካብ ዘለአለም ካብ መጀመርያ፡ ምድሪ ኸይኮነት ቆምኩ።
24. ገና መዓሙቕ ከኮነ፡ ዓይኒ ማያት ከይወሐዘ፡ ኣነ ተወለድኩ።
25. ኣኽራን ከይተሰረተ፡ ቅድሚ ኾረቢት ኣነ ተወለድኩ።
26. ንምድርን ንጎልጎልን ነቲ መጀመርያ መሬት ዓለምን ከየገበሮ።
27. ንሰማያት ኬቖሞ ኸሎ፡ ኣብኡ ነበርኩ። ንጠፈር ኣብ ልዕሊ መዓሙቑ ኪዘርግሖ ኸሎ፡
28. ንደበና ናብ ላዕሊ ኬቖሞ ኸሎ፡ ንምንጭታት መዓሙቕ ኬበርትዖ ኸሎ፡
29. ማያት ካብ ትእዛዙ ኸይትሐልፍሲ፡ ንባሕሪ ኺውስኖ ኸሎ፡ መሰረታት ምድሪ ኼመልክት ከሎ፡
30. ሽዑ ሰራሕተኛ ኾይነ ምስኡ ነበርኩ፡ ብየዕለቱ ኤሕጎሶ፡ ኩሉ ጊዜ ኸአ ኣብ ቅድሚኡ እሕጎስ ነበርኩ።
31. ኣብ ምድሪ ብዚነብር እሕጎስ ነበርኩ፡ ተድላይ ከአ ብደቂ ሰብ ነበረ።
32. ሕጂ ድማ ደቀየ፡ መገደይ ዚሕልው ብጹኣን እዮም እሞ፡ ስምዕኒ።
33. ጠቢባን ኮኑ፡ ተግሳጸይ ስምዑ፡ ኣይትእበይዎ።
34. እቲ ኣብ ልዳት ደጌታተይ እናተጸበየ ብዕለቱ ደገይ እናጸንዔ፡ ዚሰምዓኒ ሰብ ብጹእ እዩ።
35. እቲ ዚረኸበንስ ህይወት ይረክብ እዩ እሞ፡ ካብ እግዚኣብሄር ጸጋ ይቕበል።
36. እቲ ኣብ ልዕለይ ዚእብስ ግና ንነፍሱ ይጎድአ፡ እቶም ዚጸልኡኒ ኾሎምሲ ሞት ይፈትው።

  Proverbs (8/31)