| ← Proverbs (8/31) → | 
| 1. | ጥበብ ኣይትጭድርንዶ እያ ዘላ፡ ኣእምሮውን ድምጻዶ ኣይተስምዕን እያ። | 
| 2. | ኣብ ጫፍ በረኸትን ኣብ ቀራናታትን መገድን ደው ኢላ፡ | 
| 3. | ኣብ ጥቓ ደጌታት፡ ኣብ መእተው ከተማ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት ትጭድር፡ | 
| 4. | ኣቱም ሰባት፡ ናእኻትኩም እጽውዓኩም አሎኹ፡ ንደቂ ሰብ እየ ዘድህዮም ዘሎኹ። | 
| 5. | ኣቱም ዓያሱ፡ ኣእምሮ ተምሀሩ፡ ኣቱም ደናቑርቲ ኸአ፡ ለብሙ። | 
| 6. | ክቡር ነገር ክዛረብ እየ፡ ከናፍረይ ከአ ቅኑዕ ዘበለ ንምዝራብ ክኽፍት እየ፡ ኣፈይ ሓቂ ኺዛረብ እዩ፡ ንኸናፍረይ ከአ ረሲእነትሲ ጽያፈን እዩ እሞ፡ ስምዑ። | 
| 7. | ክቡር ነገር ክዛረብ እየ፡ ከናፍረይ ከአ ቅኑዕ ዘበለ ንምዝራብ ክኽፍት እየ፡ ኣፈይ ሓቂ ኺዛረብ እዩ፡ ንኸናፍረይ ከአ ረሲእነትሲ ጽያፈን እዩ እሞ፡ ስምዑ። | 
| 8. | ኩለን ቃላት ኣፈይ ብጽድቂ እየን፡ ኣብኤን ጠዋይነትን ልግምን ኣይርከብን። | 
| 9. | ነዚ ኣስተውዓሊ ኩለን ትኽ ዝበላ እየን፡ ነቶም ፍልጠት ዝረኸቡ ኸአ ቕኑዓት እየን። | 
| 10. | ጥበብ ካብ ኣዕናቑ ትበልጽ እያ፡ ክቡር ዘበለ ኹሉውን ኣይመዓራረያን እዩ እሞ፡ ካብ ብሩርሲ ተግሳጸይ፡ ንፍልጠትውን ካብ ሕሩይ ወርቂ ኣብሊጽኩም ተቐበልዎ። | 
| 11. | ጥበብ ካብ ኣዕናቑ ትበልጽ እያ፡ ክቡር ዘበለ ኹሉውን ኣይመዓራረያን እዩ እሞ፡ ካብ ብሩርሲ ተግሳጸይ፡ ንፍልጠትውን ካብ ሕሩይ ወርቂ ኣብሊጽኩም ተቐበልዎ። | 
| 12. | ኣነ ጥበብ ኣብ ልቦና እነብር፡ ሓሳብ ፍልጠት ድማ እረክብ። | 
| 13. | ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ፡ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣኻይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ እየ። | 
| 14. | ምኽርን ምስላጥን ናተይ እዩ፡ ኣእምሮ ኣነ እየ፡ ስልጣን ናተይ እዩ። | 
| 15. | ነገስታት ብኣይ ይነግሱ፡ መኣፍንቲ ብኣይ ገይሮም ጽድቂ ይሕግጉ። | 
| 16. | ገዛእትን ከበርቴን ብዘለው መኳንንቲ ምድርን ብኣይ ይገዝኡ። | 
| 17. | ኣነ ነቶም ዜፍቅሩኒ ኤፍቅሮም፡ እቶም ኣንጊሆም ዚደልዩኒ ኸአ ይረኽቡኒ። | 
| 18. | ሃብትን ክብረትን ነባሪ ጥሪትን ጽድቅን ኣባይ አሎ። | 
| 19. | ፍረይ ካብ ወርቂ ኤረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ደኣ፡ ረብሓይ ከአ ካብ ሕሩይ ብሩር ይበልጽ። | 
| 20. | ነቶም ዜፍቅሩኒ ሃብቲ ኽውርሶም፡ መዝገቦም ከአ ምእንቲ ኽመልኣሎምሲ፡ ብጎደና ጽድቂ፡ ብማእከል ቅንዕቲ መገዲ እየ ዝመላለስ። | 
| 21. | ነቶም ዜፍቅሩኒ ሃብቲ ኽውርሶም፡ መዝገቦም ከአ ምእንቲ ኽመልኣሎምሲ፡ ብጎደና ጽድቂ፡ ብማእከል ቅንዕቲ መገዲ እየ ዝመላለስ። | 
| 22. | እግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱ፡ ቅድሚ እቲ ጥንታዊ ግብሩ ተገንዘበኒ። | 
| 23. | ካብ ዘለአለም ካብ መጀመርያ፡ ምድሪ ኸይኮነት ቆምኩ። | 
| 24. | ገና መዓሙቕ ከኮነ፡ ዓይኒ ማያት ከይወሐዘ፡ ኣነ ተወለድኩ። | 
| 25. | ኣኽራን ከይተሰረተ፡ ቅድሚ ኾረቢት ኣነ ተወለድኩ። | 
| 26. | ንምድርን ንጎልጎልን ነቲ መጀመርያ መሬት ዓለምን ከየገበሮ። | 
| 27. | ንሰማያት ኬቖሞ ኸሎ፡ ኣብኡ ነበርኩ። ንጠፈር ኣብ ልዕሊ መዓሙቑ ኪዘርግሖ ኸሎ፡ | 
| 28. | ንደበና ናብ ላዕሊ ኬቖሞ ኸሎ፡ ንምንጭታት መዓሙቕ ኬበርትዖ ኸሎ፡ | 
| 29. | ማያት ካብ ትእዛዙ ኸይትሐልፍሲ፡ ንባሕሪ ኺውስኖ ኸሎ፡ መሰረታት ምድሪ ኼመልክት ከሎ፡ | 
| 30. | ሽዑ ሰራሕተኛ ኾይነ ምስኡ ነበርኩ፡ ብየዕለቱ ኤሕጎሶ፡ ኩሉ ጊዜ ኸአ ኣብ ቅድሚኡ እሕጎስ ነበርኩ። | 
| 31. | ኣብ ምድሪ ብዚነብር እሕጎስ ነበርኩ፡ ተድላይ ከአ ብደቂ ሰብ ነበረ። | 
| 32. | ሕጂ ድማ ደቀየ፡ መገደይ ዚሕልው ብጹኣን እዮም እሞ፡ ስምዕኒ። | 
| 33. | ጠቢባን ኮኑ፡ ተግሳጸይ ስምዑ፡ ኣይትእበይዎ። | 
| 34. | እቲ ኣብ ልዳት ደጌታተይ እናተጸበየ ብዕለቱ ደገይ እናጸንዔ፡ ዚሰምዓኒ ሰብ ብጹእ እዩ። | 
| 35. | እቲ ዚረኸበንስ ህይወት ይረክብ እዩ እሞ፡ ካብ እግዚኣብሄር ጸጋ ይቕበል። | 
| 36. | እቲ ኣብ ልዕለይ ዚእብስ ግና ንነፍሱ ይጎድአ፡ እቶም ዚጸልኡኒ ኾሎምሲ ሞት ይፈትው። | 
| ← Proverbs (8/31) → |