Proverbs (7/31)  

1. ወደየ፡ ንቓላተይ ሓልዎ፡ ንትእዛዛተይውን ኣባኻ ዕቐሮ።
2. ንትእዛዛተይውን ሐልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ ንሕገይውን ከም መርዓት ዓይንኻ ሐልዎ።
3. ናብ ኣጻብዕካ እሰሮ፡ ኣብ ሰሌዳ ልብኻውን ጽሐፎ።
4. ኣብ ሰበይቲ እማትካ፡ ካብታ ልዙብ ቃላት እትዛረብ ጓና ሰበይቲ ምእንቲ ኽባህላካስ፡ ንጥበብ፡ ሓብተይ ኢኺ፡ በላ። ነእምሮ ኸአ ኣማኒተይ ኢልካ ስመያ።
5. ኣብ ሰበይቲ እማትካ፡ ካብታ ልዙብ ቃላት እትዛረብ ጓና ሰበይቲ ምእንቲ ኽባህላካስ፡ ንጥበብ፡ ሓብተይ ኢኺ፡ በላ። ነእምሮ ኸአ ኣማኒተይ ኢልካ ስመያ።
6. ኣብ ማእከል እቶም ዓያሱ ተመልከትኩ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቶም መንእሰይ ልቢ ዜብሉ ጎበዝ ርኤኹ።
7. ንሱ በደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መገዲ ሐሊፉ፡ ናብታ ናብ ቤታ እትወስድ መገዲ ኣበለ።
8. ንሱ በደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መገዲ ሐሊፉ፡ ናብታ ናብ ቤታ እትወስድ መገዲ ኣበለ።
9. ምድሪ መስዩ ጽልግልግታ ኾይኑ፡ ጸሊም ለይቲ ድቕድቕ ጸልማት ነበረ።
10. እንሆ ኸአ፡ ሰበይቲ ኽትቅበሎ ወጸት፡ ክሳን ምንዝርና እተኽድነት፡ ልባ ተንኮለኛ፡
11. ንሳ ህውከተኛን ቀላልን እያ፡ ኣእጋራ ኣብ ቤታ ኣይዐርፋን።
12. ሓንሳእ ኣብ ኣደባባይ፡ ሓንሳእ ኣብ ዕዳጋ፡ ሓንሳእ ከአ ኣብ ቀራና መገዲ ኣድብያ ትጸንሕ።
13. ሐዘቶ ሰዐመቶውን፡ ዓይኑ ዓይኑ እናጠመተት ከአ በለቶ፡
14. መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባጺዔ ነይረ እየ እሞ፡ ሎሚ መብጽዓይ ፈጸምኩ፡
15. ስለዚ ኸአ ክቕበለካን ገጽካ ክደልን መጻእኩ እሞ ረኸብኩኻ።
16. ኣብ ልዕሊ ዓራተይ ፍራሽ፡ ብፈትሊ ግብጺ እተጠልፈ ዝንጉርጉር ምንጻፍ ኣንጺፈሉ አሎኹ።
17. ነቲ ምድቃሰይ ከርበ፡ ዓልወ፡ ቀርፋ ነጺገሉ አሎኹ።
18. ሰብኣየይ ከረጺት ገንዘብ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ነዊሕ መገሻ ኸይዱ እዩ፡ ኣብ ገዛ የሎን። ወርሒፍጹም ብርሃን ምስ ኮነት እዩ ንገዛኡ ዚምለስ እሞ፡ ንዓ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ብፍትወት ንርወ፡ ብናይ ፍትወት ምትሕቑቛፍ ባህ ይበለና።
19. ሰብኣየይ ከረጺት ገንዘብ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ነዊሕ መገሻ ኸይዱ እዩ፡ ኣብ ገዛ የሎን። ወርሒፍጹም ብርሃን ምስ ኮነት እዩ ንገዛኡ ዚምለስ እሞ፡ ንዓ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ብፍትወት ንርወ፡ ብናይ ፍትወት ምትሕቑቛፍ ባህ ይበለና።
20. ሰብኣየይ ከረጺት ገንዘብ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ነዊሕ መገሻ ኸይዱ እዩ፡ ኣብ ገዛ የሎን። ወርሒፍጹም ብርሃን ምስ ኮነት እዩ ንገዛኡ ዚምለስ እሞ፡ ንዓ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ብፍትወት ንርወ፡ ብናይ ፍትወት ምትሕቑቛፍ ባህ ይበለና።
21. ብብዙሕ ጥበራ ኣስሐተቶ፡ ብልዙብ ከናፍራ ሰሐበቶ።
22. ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኹብኩብ ብዕራይ፡ ከምቲ ዓሻ፡ ፍላጻ ንኸብዱ ኽሳዕ ዚስንጥቖ፡ ብቕጽዓት ዚእሰር፡ ከምቲ ንጥፍኣት ነፍሱ ምዃኑ ኸይፈለጠ፡ ናብ መጻወድያ ዚሽብብ ዑፍ ኮይኑ ብኡብኡ ሰዐባ።
23. ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኹብኩብ ብዕራይ፡ ከምቲ ዓሻ፡ ፍላጻ ንኸብዱ ኽሳዕ ዚስንጥቖ፡ ብቕጽዓት ዚእሰር፡ ከምቲ ንጥፍኣት ነፍሱ ምዃኑ ኸይፈለጠ፡ ናብ መጻወድያ ዚሽብብ ዑፍ ኮይኑ ብኡብኡ ሰዐባ።
24. እምበኣርሲ ደቀየ፡ ስምዑኒ፡ ናብ ዘረባ ኣፈይ ከአ ኣቕልቡ።
25. ንሳ ንብዙሓት ወጊኣ ኣውዲቓቶም፡ ዝቐተለቶም ከአ መሊኦም እዮም፡ ቤታ ናብ ወሽጠ ሞት ዜውርድ፡ መገዲ ሲኦል እዩ እሞ፡ ንልብኻ ናብ ጎደናኣ ኣቢልካ ኣይተዘምብሎ፡ ብመገዳ ኣይትስሓት።
26. ንሳ ንብዙሓት ወጊኣ ኣውዲቓቶም፡ ዝቐተለቶም ከአ መሊኦም እዮም፡ ቤታ ናብ ወሽጠ ሞት ዜውርድ፡ መገዲ ሲኦል እዩ እሞ፡ ንልብኻ ናብ ጎደናኣ ኣቢልካ ኣይተዘምብሎ፡ ብመገዳ ኣይትስሓት።

  Proverbs (7/31)