Proverbs (6/31)  

1. ወደየ፡ ንብጻይካ እንተ ተውሐስካ፡ ስለ ጓና ኸአ ኢድ እንተ ጠቓዕካ፡
2. ብቓላት ኣፍካ ተትሐዝካ፡ ብቓላት ኣፍካ ተፈንጠርካ።
3. ወደየ፡ ኣብ ኢድ ብጻይካ ኻብ ወደቕካስ፡ ምእንቲ ኽትግርነ፡ ከምዚ ግበር፡ ኪድ እሞ ተደፊእካ ንብጻይካ ነዝንዞ፡
4. ንዓይንኻ ድቃስ፡ ንቕርኒብካ ትኽስታ ኣይትሀብ፡
5. ከምቲ ሜዳቑ ካብ ኢድ ሃዳኒ ዑፍውን ካብ ኢድ ኣፈንጣሪ ዜምልጣ፡ ንርእስኻ ኣድሕን።
6. ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፡ መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን።
7. ወይ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ ወይ ገዛኢ የብሉን፡
8. ግናኸ ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ፡ ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ።
9. ኣታ ሃካይ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ በጥ እትብል፡ መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትንስእ፡
10. ሓንሳእ ምድቃስ፡ ሓንሳእ ከአ ምትኻስ፡ ሓንሳእ ምእንቲ ኸትዐርፍውን ኣእዳውካ ምምስቓል፡
11. ድሕርዚ ኸአ ድኽነትካ ኸም ፈጣን መንገደኛ፡ ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዐጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።
12. ሕሱም ሰብ፡ ዓመጸኛ ሰብ፡ ብወስላታ ኣፍ ይመላለስ።
13. ብዓይኑ ይጠኣስ፡ ብእግሩ ይዛረብ፡ ብጻብዑ የመልክት።
14. ተንኮል ኣብ ልቡ እዩ፡ ኩሉ ጊዜ እከይ ይፍሕስ፡ ባእሲ ድማ ይዘርእ።
15. ስለዚ ጥፍኣቱ ብድንገት ይመጽእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ይጭፍለቕ፡ ፈውሲውን ከቶ የብሉን።
16. እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹዱሽተ ነገር እየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡
17. ትዕቢተኛ ዓይኒ፡ ሓሳዊት መልሓስ፡ ንጹህ ደም ዜፍስስ ኣእዳው፡
18. እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር፡
19. ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእዚ ዚዘርእ።
20. ወደየ፡ ንትእዛዝ ኣቦኻ ሓልዎ፡ ንሕጊ ወላዲትካ ኸአ ኣይትሕደጎ፡
21. ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብኻ እሰሮ፡ ኣብ ክሳድካውን ኣጥቢቕካ ሐዞ።
22. ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባሃልካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸአ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ ይዛርበካ።
23. ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባሃልካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸአ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ ይዛርበካ።
24. ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባሃልካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸአ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ ይዛርበካ።
25. ብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከአ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቑላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ።
26. ብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከአ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቑላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ።
27. ሰብዶ ሓዊ ሓቑፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ፡
28. ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ኸይዱኸ፡ ኣእጋሩዶ ኣይሐርርን እዩ፡
29. ናብ ሰበይቲ ብጻዩ ዚአቱ ኸአ ከምኡ እዩ፡ ዚትንክያ ኸይተቐጽዔ ከቶ ኣይተርፍን።
30. ሰራቒ ጠምዩ ኺዕንገል ኢሉ እንተ ሰረቐ፡ ሰብ ኣይንዕቆን እዩ።
31. እንተ ተታሕዘ ኸአ፡ ሾብዓተ ኢድ ይዐዲ፡ ኣብ ቤቱ ዘሎ ኹሉውን ይህብ።
32. እቲ ምስ ሰበይቲ ዝምንዝር ግና ልቢ የብሉን፡ ንነፍሱ ኼጥፍኣ ዚደሊ እዩ ኸምዚ ዚገብር።
33. ቁስልን ነውርን ይረኽቦ፡ ጸርፉ ከቶ ኣይድምሰስን።
34. ቅንኢ ንሰብኣይ ብቑጥዓ የንድዶ እዩ እሞ፡ ብመዓልቲ ሕነ ኣይድንግጽን እዩ።
35. ግዲ ኻሕሳ የብሉን፡ ኣብዚሕካ ውህበት እንተ ኣቕረብካሉ እኳ፡ ኣይቅበልን እዩ።

  Proverbs (6/31)