Proverbs (5/31)  

1. ወደየ ምኽሪ ኽተጽንዕ፡ ከናፍርካውን ፍልጠት ምእንቲ ኽሕዛስ፡ ናብ ጥበበይ ኣቕልብ፡ ናብ ምስትውዓለይውን እዝንኻ ኣድንን።
2. ወደየ ምኽሪ ኽተጽንዕ፡ ከናፍርካውን ፍልጠት ምእንቲ ኽሕዛስ፡ ናብ ጥበበይ ኣቕልብ፡ ናብ ምስትውዓለይውን እዝንኻ ኣድንን።
3. ከናፍር ኣመንዝራ ሰበይትስ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፡ ኣፋ ኸአ ካብ ዘይቲ ይልስልስ።
4. መወዳእታኣ ግና ከም ዕረ መሪር፡ ክልተ ኣፋ ከም ዘለዎ ሴፍ ከአ በሊሕ እዩ።
5. ኣእጋራ ናብ ሞት ይወርዳ፡ ስጉምታ ናብ ሲኦል ይበጽሕ።
6. ንመገዲ ህይወት ከይትረኽባስ፡ በኻይዳኣ ኾብላሊት እያ እሞ፡ ኣይትፈልጥን እያ።
7. ኣቱም ደቀይ፡ እምበኣርሲ ሕጂ ስምዑኒ፡ ካብ ቃላት ኣፈይ ከአ ኣይትርሐቑ።
8. መገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ፡ ናብ ደገ ቤታ ኣይትቕረብ።
9. ክብርኻ ንኻልእ፡ ዕድሜኻውን ንጨካን ከይትህብ።
10. ብጥሪትካ ኻልኦት ከይጸግቡ፡ ፍረ ድኻምካውን ናብ ቤት ካልእ ከይሐልፍ።
11. ኣብ መጠረስታ ነፍስ ስጋኻ ምስ ተወድኤ፡ ከይተልቅስ እሞ፡
12. ከመይከ ንተግሳጽ ጸላእክዎ፡ ልበይሲ ንዘለፋ ነዐቖ፡ ስለምንታይከ ድምጺ መምህራነይ ዘይሰማዕኩ፡ ናብቶም ዜስተምህሩንስ ኣእዛነይ ዘየድነንኩ፡ ኣብ ማእከል ማሕበርን ጉባኤን ናብ ክፉእ ዘበለ ኹሉ ንምብጻሕ ቅሩብ ተሪፉኒ ነይሩ፡ ከይትብልሲ፡ መገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ።
13. ከመይከ ንተግሳጽ ጸላእክዎ፡ ልበይሲ ንዘለፋ ነዐቖ፡ ስለምንታይከ ድምጺ መምህራነይ ዘይሰማዕኩ፡ ናብቶም ዜስተምህሩንስ ኣእዛነይ ዘየድነንኩ፡ ኣብ ማእከል ማሕበርን ጉባኤን ናብ ክፉእ ዘበለ ኹሉ ንምብጻሕ ቅሩብ ተሪፉኒ ነይሩ፡ ከይትብልሲ፡ መገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ።
14. ከመይከ ንተግሳጽ ጸላእክዎ፡ ልበይሲ ንዘለፋ ነዐቖ፡ ስለምንታይከ ድምጺ መምህራነይ ዘይሰማዕኩ፡ ናብቶም ዜስተምህሩንስ ኣእዛነይ ዘየድነንኩ፡ ኣብ ማእከል ማሕበርን ጉባኤን ናብ ክፉእ ዘበለ ኹሉ ንምብጻሕ ቅሩብ ተሪፉኒ ነይሩ፡ ከይትብልሲ፡ መገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ።
15. ማይሲ ኻብ ዔላኻ ደአ፡ ካብቲ ዝፍልፍል ምንጭኻ ደአ ስተ።
16. ምንጭኻ ንወጻኢ፡ ርባታትካስ ናብ ኣደባያትዶ ይፈስስ አሎ እዩ፡
17. ንኣኻ ጥራይ ይኹን፡ ጓኖት ኣይካፈሉኻ።
18. ምንጭኻ ይባረኽ በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ።
19. ፍትውቲ ዋላ፡ ጽብቕቲ ሜዳቑ ትኹነልካ፡ እቲ ኣጥባታ ኹሉ ጊዜ የዕግብካ፡ ብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ።
20. ኣታ ወደይ፡ ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እማትካስ እትሐቁፍ፡
21. እምበኣርሲ መገሲ ነፍስ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ፡ ነኻይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ።
22. እቲ ረሲእ ብአበሳኡ ይሕንኮል፡ በግማድ ሓጢኣቱ ኸአ ይእሰር።
23. ንሱ ሰኣን ተግሳጽ ይመውት፡ በቲ ዓብዩ ድንቁርናኡ ኸኣ ይጋገ።

  Proverbs (5/31)