Proverbs (4/31)  

1. ኣቱም ቆልዑ፡ ተግሳጽ ወላዲ ስምዑ፡ ልቦና ኽትፈልጡ ኸአ ኣቕልቡ።
2. ጽቡቕ ትምህርቲ እህበኩም አሎኹ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትሕደግዎ።
3. ኣነውን ነቦይ ውሉድ፡ ንወላዲተይ ከአ ሕጻንን ሓደ ጥራይን ነበርኩ።
4. ሽዑ ኣስተምሀረኒ በለኒውን፡ ልብኻ ንቓላተይ ኣጽኒዑ ይሐዞ። ንትእዛዛተይ ሐልዎ እሞ፡ ብህይወት ክትነበር ኢኻ።
5. ንጥበብ ኣጥርያ፡ ንምስትውዓል ኣጥርያ፡ ንቓል ኣፈይ ኣይትረስዓዮ፡ ካብኡውን ኣይትዘምብል።
6. ኣይትሕደጋ፡ ንሳ ኸአ ክትሕልወካ፡ ኣፍቅራ፡ ንሳውን ከተዕቁበካ እያ።
7. ጥበብ ኣውራ ነገር እያ እሞ፡ ንጥበብ ኣጥርያ፡ እወ፡ ብኹሉ ጥሪትካ ክብ ከተብለካ እያ። እንተ ሐቖፍካያ፡ ክትህበካ እያ።
8. ልዕል ኣብላ፡ ንሳውን ክብ ከተብለካ እያ። እንተ ሓቖፍካያ፡ ከትኽብረካ እያ።
9. ኣብ ርእስኻ ዘውዲ ጸጋ ኽትደፍኣልካ፡ ዝጸበቐ ኣኽሊል ከአ ክትህበካ እያ።
10. ወደየ፡ ስማዕ፡ ቃለይ ድማ ተቐበል፡ ዓመታት ዕድሜኻውን ኪበዝሕ እዩ።
11. ብጎደና ጥበብ መሀርኩኻ፡ ብመገዲ ቕንዕናመራሕኩኻ።
12. ክትከይድ ከሎኻ፡ ስጉምትኻ ኣይኪሐጽርን፡ እንተ ጎየኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ።
13. ህይወትካ እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ሐዛ፡ ኣይትሕደጋ፡ ሐልዋውን።
14. ናብ መገዲ ረሲኣን ኣይትእቶ፡ ብጎደና እቶም እኩያት ከአ ኣይትኺድ።
15. ካብኣ ርሓቕ፡ ብእኣ ኣይትሕለፍ፡ ብጎደና እቶም እኩያት ከአ ኣይትኺድ።
16. እንጌራ ረሲእነት ይበልዑ፡ ወይኒ ዓመጻ ድማ ይሰትዩ፡ እከይ ከይገብሩ ኸአ ኣይድቅሱን እዮም እሞ፡ ገለ እንተ ዘየውደቑስ፡ ድቃስ ካብኦም ይበርር።
17. እንጌራ ረሲእነት ይበልዑ፡ ወይኒ ዓመጻ ድማ ይሰትዩ፡ እከይ ከይገብሩ ኸአ ኣይድቅሱን እዮም እሞ፡ ገለ እንተ ዘየውደቑስ፡ ድቃስ ካብኦም ይበርር።
18. መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከአ፡ እናወሰኸት ትበርህ።
19. መገዲ ረሲኣን ግና ጸልማት እያ፡ እንታይ ከም ዘኦንቅፎም ኣይፈልጡን።
20. ወደየ፡ ናብ ቃላተይ ኣቕልብ፡ እዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን።
21. ንዝረኸበን ሀይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸአ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይትርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቖረን።
22. ንዝረኸበን ሀይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸአ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይትርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቖረን።
23. ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ፡ ልዕሊ ኹሉ ንልብኻ ሐልዎ።
24. ንለግመኛ ኣፍ ካባኻ ደርብዮ፡ ንውስልትና ኸናፍር ከአ ካባኻ ኣርሕቆ።
25. ኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርአያ፡ ቁላሕታኽውን ንቕድሚት ይጠምታ።
26. ንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ፡ ኩሉ ጎደናኻ ምዱብ ይኹን።
27. ንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስ፡ ንእግርኻ ኻብ እከይ ኣርሕቆ።

  Proverbs (4/31)