| ← Proverbs (31/31) | 
| 1. | ቃላት ንጉስ ልሙኤል፡ ኣዲኡ ዝመሀረቶ ንግራት፡ | 
| 2. | ኣየ፡ ኣታ ወደየ፡ እንታይ | 
| 3. | ሓይልኻ ነንስቲ፡ መገድኻ ኸኣ ነተን መጥፋእቲ ነገስታት ኣይትሀብ። | 
| 4. | ልሙኤለየ፡ ሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ እሞ፡ ፍርዲ ዂሎም ግፋዓት ከይልውጡስ፡ እዚ ኣይንነገስታትን እዩ፡ ነገስታት ወይኒ ኺሰትዩ፡ መሳፍንቲ፡ ዜስክር መስተ ኣበይ ኣሎ ኪብሉ ኣይግባእን። | 
| 5. | ልሙኤለየ፡ ሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ እሞ፡ ፍርዲ ዂሎም ግፋዓት ከይልውጡስ፡ እዚ ኣይንነገስታትን እዩ፡ ነገስታት ወይኒ ኺሰትዩ፡ መሳፍንቲ፡ ዜስክር መስተ ኣበይ ኣሎ ኪብሉ ኣይግባእን። | 
| 6. | ብርቱዕ መስተስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፡ ወይኒ ኸኣ ነቶም ነፍሶም እተመረረት ሰባት ደኣ ሀቡ። | 
| 7. | ይስተ እሞ ድኽነቱ ይረስዕ፡ መከራኡ ኸኣ ኣይዘክር። | 
| 8. | ኣብ ክንዲ ዓባስ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ጸግዒ ዜብሎም ኣፍካ ኽፈት። | 
| 9. | ኣፍካ ክፈት፡ ብቕንዕና ፍረድ፡ ንሽጉርን ንመስኪንን ብይን ኣውጽኣሎም። | 
| 10. | ደገኛ ሰበይትስ መን ይረኽባ፡ ዋጋኣ ኻብ ክቡር ዕንቊ ኣዝዩ ይኸብር። | 
| 11. | ልቢ ሰብኣይ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን። | 
| 12. | ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፋእ ኣይትገብሮን። | 
| 13. | ጽጒርን ልሕጺ እንጣጢዕን ትደሊ፡ ተሐጒሳ ኸኣ ብኢዳ ትዐዪ። | 
| 14. | ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ። | 
| 15. | ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራቤታ ምግቦም ትህቦም፡ ነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን። | 
| 16. | ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፡ ብፍረ ኣእዳዋ ኸኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክል። | 
| 17. | ሕቚኣ ብሓይሉ ትዕጠቕ፡ ቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ። | 
| 18. | ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ትርኢ፡ መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን። | 
| 19. | ኣእዳዋ መፍተል የልዕላ፡ ኣጻብዓውን ቊኒን ይሕዛ። | 
| 20. | ንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎም፡ ንጽጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም። | 
| 21. | ኲሎም ስድራኣ ሰብ ድርብ ክዳን እዮም እሞ፡ ስለ ስድራኣ ብውርጪ ኣይትፈርህን። | 
| 22. | ንርእሳ ምንጻፋት ትገብር፡ ክዳውንታውን በፍታን ጁዂን እዩ። | 
| 23. | ሰብኣያ ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዚቕመጥ ምርኡይ እዩ። | 
| 24. | ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሽይጥ፡ መቐነት ንነጋዳይ ትህቦ። | 
| 25. | ሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆ። | 
| 26. | ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፡ ትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ። | 
| 27. | ንብረት ቤታ ትሕሉ፡ እንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕን። | 
| 28. | ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዂላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ። | 
| 29. | ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዂላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ። | 
| 30. | ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ። | 
| 31. | ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን | 
| ← Proverbs (31/31) |