Proverbs (30/31)  

1. እዚኣ ናይ ኣጉር ወዲ ያቄ ቃላትን ንግራትን እያ። እቲ ሰብኣይ እቲ ንኢቲኣኢአል፡ ንኢታኤልን ንኡካልን ከምዚ ይብል፡
2. ብርግጽ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣነ ደንቈሮ እየ፡ ኣእምሮ ሰብ የብለይን።
3. ጥበብ ኣይተምሀርኩን፡ ፍልጠት እቲ ቅዱስ የብለይን።
4. ናብ ሰማይ ዝደየበ እሞ ዝወረደ መን እዩ ንንፋስ ኣብ ዕምኩ ዝኣከቦ መን እዩ ንማያት ኣብ ክዳኑ ዝቘጸሮ መን እዩ ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ዘጽንዔስ መን እዩ እንታይ እዩ ስሙ ስም ወዱኸ እንታይ እዩ እዚዶ ትፈልጥ ኢኻ
5. ቃል ኣምላኽ ብዘሎ ዂሉዕ እዩ፡ ንሱ ነቶም ናብኡ ዚዕቈቡ ዋልታኦም እዩ።
6. ከይዘልፈካ፡ ሓሳዊ ዄንካ ኸኣ ከይትርከብሲ፡ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ።
7. ኣነ ኽልተ ነገር እየ ዝልምነካ፡ ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ንእኤን ኣይትኽልኣኒ።
8. ጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፡ እግዚኣብሄር መን እዩ ከይብል፡ ወይ ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየቃልልሲ፡ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሀበኒ፡ ግናኸ በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒ፡ ከንቱነትን ሓሶትን ኣርሕቐለይ።
9. ጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፡ እግዚኣብሄር መን እዩ ከይብል፡ ወይ ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየቃልልሲ፡ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሀበኒ፡ ግናኸ በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒ፡ ከንቱነትን ሓሶትን ኣርሕቐለይ።
10. ምእንቲ ኸይረግመካ፡ በዳሊ ኸኣ ከይትኸውንሲ፡ ንግልያ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ኣይትሕመዮ።
11. ነቦኡ ዚረግም፡ ነዲኡ ኸኣ ዘይምርቕ ወለዶ ኣሎ፡
12. ርኽሰቱ ዘይተሐጽበስ፡ ኣነ ንጹህ እየ፡ ዚብል ወለዶ ኣሎ።
13. ዕቡይ ዝዓይኑ፡ ኲሩዕ ዝቘላሕታኡ ወለዶ ኣሎ።
14. ንመሳኪን ካብ ምድሪ፡ ንድኻታት ካብ ማእከል ደቂ ሰብ ምእንቲ ኺውሕጦምሲ፡ ሰይፊ ዝስኑ፡ ካራታት ዝዂርምቱ ወለዶ ኣሎ።
15. ዓለቕትስ፡ ሀበኒ፡ ሀበኒ፡ ዚብላ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኦ። ዘይጸግቡ ሰለስተ እዮም፡ ኤረ ይኣክል ዘይብሉስ ኣርባዕተ እዮም፡
16. ሲኦልን ዘይትወልድ ማሕጸንን ማይ ዘይጸግብ መሬትን ይኣኽለኒ ዘብይል ሓውን እዮም
17. እቲ ነቦኡ ዜባጭዎ ነዲኡ ኸኣ ከይእዘዛ ዚንዕቃ፡ ንዓይኑ ኳዃት ርባ ኺጒጥጒጥዋ፡ ጨጫዊት ንስሪ ኸኣ ኺበልዕዋ እዮም።
18. ኣዝዩ ዚገርመኒ ሰለስተ ነገር ኣሎ፡ ኤረ ዘይፈልቶስ ኣርባዕተ እዩ፡
19. መገዲ ንስሪ ኣብ ሰማይ፡ መገዲ ተመን ኣብ ከውሒ፡ መገዲ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪ፡ መገዲ ሰብኣይ ምስ ቆንጆ።
20. ኣመንዝራ ሰበይቲውን መገዳ ኸምኡ እዩ፡ በሊዓ ኣፋ ሕብስ ኣቢላ፡ ገለ እከይ እኳ ኣይገበርኩን፡ ትብል።
21. ምድሪ ብሰለስተ ነገር ተንቀጥቅጥ፡ ኤረ ኽትጾሮ ዘይትኽእልሲ ኣርባዕተ እዩ፡
22. ባርያ እንተ ነገሰ፡ ዓሻ እንጌራ እንተ ጸገበ፡
23. እተጸልኤት ሰበይቲ ሰብኣይ እንተ ረኸበት፡ ገረድ ከኣ ንእምበይታ እንተ ወረሰታ።
24. ኣብ ምድሪ ኣርባዕተ ደቀቕቲ ኣለው፡ ግናኸ ኣዝዮም ጥበበኛታት እዮም፡
25. ጻጸ ሓይሊ ዜብሉ ህዝቢ እዩ፡ ግናኸ ምግቡ ብሓጋይ የዳሉ።
26. ጊሔታት ሓይሊ ዜብለን ህዝቢ እየን፡ ግናኸ ኣባይተን ኣብ ኣኻውሕ ይገብራ።
27. ኣንበጣ ንጉስ የብሉን፡ ግናኸ በገባብ ሐቢሩ ይጒዐዝ።
28. ጠበቕ ብኢድካ ምሓዙ ዚከኣል እዩ፡ ግናኸ ኣብ ኣደራሽ ነገስታት ይርከብ።
29. ሰለስተ ብጽቡቕ ኣኻይዳ ይስጒሙ፡ ኤረ ግሩም ገይሮም ዚራመዱስ ኣርባዕተ እዮም፡
30. ካብ ኲሉ እንስሳ ዚብርትዕ፡ ብገለ እኳ ድሕር ዘይብል ኣንበሳ፡
31. ናብ ውግእ ዚነቅል ፈረስ፡ ድቤላ፡ ቀቅድሚ ሰራዊቱ ዚኸይድ ንጉስ።
32. ርጒኦ እንተ ተሐቚነ፡ ልኻይ የውጽእ። ኣፍንጫ እንተ ተወቕዔ፡ ደም የውጽእ፡ ከምኡ ኸኣ ኲራ ዚቕስቅስ ባእሲ የልዕል እዩ እሞ፡ ርእስኻ ልዕል ኣቢልካ ዕሽነት እንተ ገበርካ፡ ወይስ እከይ እንተ ሐሰብካ፡ ኣፍካ ብኢድካ ዕበስ።
33. ርጒኦ እንተ ተሐቚነ፡ ልኻይ የውጽእ። ኣፍንጫ እንተ ተወቕዔ፡ ደም የውጽእ፡ ከምኡ ኸኣ ኲራ ዚቕስቅስ ባእሲ የልዕል እዩ እሞ፡ ርእስኻ ልዕል ኣቢልካ ዕሽነት እንተ ገበርካ፡ ወይስ እከይ እንተ ሐሰብካ፡ ኣፍካ ብኢድካ ዕበስ።

  Proverbs (30/31)