| ← Proverbs (3/31) → |
| 1. | ወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታትን ህይወትን ሰላምን ኪውሰኻልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን። |
| 2. | ወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታትን ህይወትን ሰላምን ኪውሰኻልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን። |
| 3. | ሓያውነት ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላትልብኻውን ጽሓፈን። |
| 4. | ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞጎስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ። |
| 5. | ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ |
| 6. | ኣብ ኩሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸአ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ። |
| 7. | ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህ፡ ካብ ክፉእ ከአ ርሐቕ። |
| 8. | እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ፡ ነዕጽምትኻውን ኣንጉዕ ኪኾነካ እዩ። |
| 9. | ብጥሪትካን ብኹሉ በኹሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ። |
| 10. | ሽዑ ቑፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእ፡ መጽመቑኻ ኸአ ብኹልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡ |
| 11. | ወደየ፡ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉድ ዚቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣአ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ አይተመረር። |
| 12. | ወደየ፡ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉድ ዚቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣአ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ አይተመረር። |
| 13. | እቲ ጥበብ ዚረክብ፡ ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ። |
| 14. | ከመይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ፡ እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ። |
| 15. | ካብ ዕንቁ ትኸብር፡ ኩሉ እቲ ሃረር እትብሎ ነገር እኳ ኣይመዐራረያን። |
| 16. | ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፡ ኣብ ጸጋኣ ኸአ ሃብትን ክብረትን አለዋ። |
| 17. | ጎደናኣ ጎደና ሐጎስ፡ ብዘሎ መገዳ ኸአ ሰላም እዩ፡ |
| 18. | ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፡ ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸአ ብጹእ እዩ። |
| 19. | እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ፡ ንሰማያት ከአ ብምስትውዓል ኣጽንዖ። |
| 20. | ብፍልጠቱ መዓሙቑ ይኸፍት፡ ደበናታትውን ኣውሊ የንጠብጥብ። |
| 21. | ወደየ፡ ነዚኤን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየን፡ ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን። |
| 22. | ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት፡ ንኽሳድካ ኸአ ስልማት ኪኾናኻ እየን። |
| 23. | ሽዑ ሀዲእካ መገድኻ ኽትከይድ፡ እግርኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ። |
| 24. | እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ። |
| 25. | እግዚኣብሄር እምንቶኻ ኪኸውን፡ ኣእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸአ ኪሕልወን እዩ እሞ፡ ካብቲ ናይ ድንገት ስምባድ፡ ካብቲ ንረሲኣን ዚመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበር። |
| 26. | እግዚኣብሄር እምንቶኻ ኪኸውን፡ ኣእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸአ ኪሕልወን እዩ እሞ፡ ካብቲ ናይ ድንገት ስምባድ፡ ካብቲ ንረሲኣን ዚመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበር። |
| 27. | ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ኾይኑስ፡ ነቲ ዝግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ። |
| 28. | ዚወሀብ ከሎካስ፡ ንብጻይካ፡ ኪድ እሞ ተመለስ፡ ጽባሕ ክህበካ እየ ኣይትበሎ። |
| 29. | ንብጻይካ፡ ኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ ኣይትተናኹለሉ። |
| 30. | ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ ኣይትበኣስ። |
| 31. | ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ፡ መገዲ ዝበለ ኹሉ ኣይትምረጽ። |
| 32. | እግዚኣብሄር ነቲ ቐናን ይፍንፍኖ፡ ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ። |
| 33. | መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ረሲእ እዩ፡ ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ። |
| 34. | ንሱ መላገጽቲ የላግጸሎም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። |
| 35. | ጠቢባን ክብሪ ኽወርሱ እዮም፡ ዓያሱ ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ። |
| ← Proverbs (3/31) → |