| ← Proverbs (29/31) → |
| 1. | እቲ ብዙሕ ተገሲጹስ ክሳዱ ዜትርር ሰብ ብድንገት ይጭፍለቕ፡ መድሃኒትውን የብሉን። |
| 2. | ጻድቃን እንተ ዐመሩ፡ ህዝቢ ይሕጐስ፡ ረሲእ እንተ ሰልጠነ ግና፡ህዝቢ የስቈርቊር። |
| 3. | ጥበብ ዚፈቱ ሰብ ነቦኡ የሐጒሶ፡ ምስ ኣመናዝር ዚመሐዞ ግና ገንዘቡ ይውድእ። |
| 4. | ንጉስ ንሃገር ብፍርዲ የጽንዓ፡ ፈታው መማለጃ ግና የጥፍኣ። |
| 5. | እቲ ንብጻዩ ዜቀባጥረሉ ነእጋሩ መጻወድያ ይገብረሉ። |
| 6. | ኣብ ገበን እኩይ ሰብ መፈንጠራ ኣሎ፡ ጻድቕ ግና እልል ይብል ይሕጐስውን። |
| 7. | ጻድቕ ንገበን ድኻታት የስተውዕሎ፡ ረሲእ ግና ምስትውዓል ኣይፈልትን። |
| 8. | መላገጽቲ ሰብ ከተማ የንድዱ፡ ጠቢባን ግና ኲራ ይመልሱ። |
| 9. | ጠቢብ ምስ ዓሻ እንተ ተማጐተ፡ ወይ ይዂሪ ወይ ከኣ ይስሕቕ፡ ዕረፍቲ የብሉን። |
| 10. | እቶም መፍሰስቲ ደም ንፍጹም ሰብ ይጸልእዎ፡ ቅኑዓት ግና ነፍሱ ይደልዩ። |
| 11. | ዓሻ ንዂሉ ዂራኡ ይድርጒሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን። |
| 12. | እቲ ንሓሶት ጽን ዚብል መኰንን፡ ኲሎም ገላውኡ ረሲኣን እዮም። |
| 13. | ድኻን ጠቓዕን ይራኸቡ፡ ነዒንቲ ኽልቲኦም ዜብርህ እግዚኣብሄር እዩ። |
| 14. | እቲ ንመሳኪን ብቕንዕና ዚፈርዶም ንጉስ፡ ዝፋኑ ንሓዋሩ ይጸንዕ። |
| 15. | ሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍራ። |
| 16. | ረሲኣን እንተ በዝሑ፡ ገበን ይበዝሕ፡ ጻድቃን ግና ውድቀቶም ይርእዩ። |
| 17. | ንውሉድካ ቕጽዓዮ እሞ ኬዕርፈካ፡ ንነፍስኻውን ተድላ ኪዀና እዩ። |
| 18. | ራእይ ዜልቦ እንተ ዀነ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፡ ሕጊ ዚሕሉ ግና ብጹእ እዩ። |
| 19. | ባርያ፡ ምንም እኳ እንተ ኣስተውዐለ፡ ኣይእዘዝን እዩ እሞ፡ ብዘረባ ኣይቅጻዕን። |
| 20. | ተሀዊኹ ዚዛረብ ሰብዶ ርኢኻ ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ ኣሎ። |
| 21. | እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብሕንቃቐ ዝዐበየ ባርያ ኣብ መወዳእታ ውሉድ ይኸውን። |
| 22. | ቊጡዕ ሰብ ባእሲ የልዕል፡ ተነቃፊ ሰብ ሓጢኣት የብዝሕ። |
| 23. | ንሰብ ትዕቢቱ የዋርዶ፡ ብመንፈሱ ትሑት ዝዀነ ግና ክብረት ይረክብ። |
| 24. | እቲ ምስ ሰራቒ ዚሐብር ንነፍሱ ይጸልኣ፡ ንሱ መርገም ይሰምዕ ገለ ኸኣ ኣይገልጽን። |
| 25. | ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ፡ ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር። |
| 26. | ብዙሓት ሰብ ሞገስ ገዛኢ ይደልዩ፡ ፍርዲ ነፍሲ ወከፍ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ። |
| 27. | ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ጻድቃን ፍንፋን እዩ፡ እቲ ብቕኑዕ መገዲ ዚመላለስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ረሲኣን ፍንፋን እዩ። |
| ← Proverbs (29/31) → |