Proverbs (28/31)  

1. ረሲኣን ዚሰጎም ዜብሎም ይሀፍሙ፡ ጻድቃን ግና ከም ሽደን ኣንበሳ ይተብዑ።
2. ብሰሪ ኣበሳ ሃገርሲ ሓለቓታት ይበዝሑ፡ ብሳላ ኣስተውዓልን ጥበበኛን ሰብ ግና ህልዋታ ይነውሕ።
3. ንመስኪን ዜጨንቕ ድኻስ፡ ከምቲ ደምሲሱ እንጌራ ዚኸልእ ዝናም እዩ።
4. መፍረስቲ ሕጊ ንረሲኣን ይንእድዎም፡ ሓለውቲ ሕጊ ግና ይዋግእዎም።
5. እኩያት ሰባትሲ ቅንዕና ኣየስተውዕሉን፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ኲሉ የስተውዕሉ።
6. ካብቲ ብጠዋይ መገዲ ዚኸይድ ሃብታምሲ፡ ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሐይሽ።
7. ንሕጊ ዚሕልዎስ ኣስተውዓሊ ውሉድ እዩ፡ ምስ ሓሻሻት ዚመሐዞ ግና ነቦኡ የሕፍሮ።
8. እቲ ብዘይ ግባእ ረብሓን ሓረጣን ገንዘብ ዜብዝሕ፡ ነቲ ንመሳኺን ዚርሕርሓሎም ይእክበሉ።
9. እቲ ሕጊ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚመልሽ፡ ጸሎቱ እኳ ፍንፋን እዩ።
10. እቲ ንቕኑዓት ኣጋግዩ ናብ እኩይ መገዱ ዜእትዎም፡ ባዕሉ ኣብ ጒድጓድ ይወድቕ፡ እቶም ግጹማት ግና ሰናይ ኪወርሱ እዮም።
11. ሃብታም ሰብ ጥበበኛ ዝዀነ ይመስሎ፡ ግናኸ ኣእምሮ ዘለዎ ድኻ ይዕዘቦ።
12. ጻድቃን እንተ ተዐወቱ፡ ዓብዪ ኽብሪ ይኸውን፡ ረሲኣን ልዕል እንተ በሉ ግና፡ ሰብ ይሕባእ።
13. ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።
14. ኲሉ ጊዜ ዚፈርህ ሰብ ብጹእ እዩ፡ ልቡ ዜትርር ግና ኣብ መከራ ይወድቕ።
15. ኣብ ድኻ ህዝቢ ዚገዝእ ረሲእ ከም ዚጓዝም ኣንበሳን ከም ጥሙይ ድብን እዩ።
16. ኣእምሮ ዜብሉ መስፍን ብዙሕ ይገፍዕ፡ ንፍገት ዚጸልእ ግና መዓልትታቱ የንውሕ።
17. ደም ነፍሲ ዝኸበዶ ሰብ ክሳዕ መቓብር ይሀድም፡ ሓደ እኳ ኣይዕገቶ።
18. ብዘይ መንቅብ ዚመላለስ ይድሕን፡ ብጦዋይ መገዲ ዚኸይድ ግና ብኡብኡ ይወድቕ።
19. ግራቱ ዚከናኸን እንጌራ ይጸግብ፡ ደድሕሪ ምናምን ዚስዕብ ግና ሽጋር ይጸግብ።
20. እሙን ሰብ ኣዝዩ ይባረኽ፡ እቲ ኺህብትም ኢሉ ዚህወኽ ግና ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።
21. ኣድልዎ ሰናይ ኣይኰነን፡ ሰብ ምእንቲ ቚራስ እንጌራ ይብድል።
22. ክፋእ ዝዓይኑ ሰብ ኪህብትም ይቕልጥፍ፡ ሽጋር ከም ዚወርዶ ኸኣ ኣይፈልጥን።
23. ካብቲ ብልዙብ ልሳን ዜቀባጥርሲ፡ እቲ ንሰብ ዚግስጾ ደሓር ዝበለጸ ሞገስ ይረክብ።
24. እቲ ኻብ ኣቦኡን ኣዲኡን ዚሰርቕ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይኰነን፡ ዚብል፡ ንሱ መሓዛ መጣፍኢ እዩ።
25. ረብሓ ዚሀርፍ ሰብ ባእሲ የልዕል። ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ይጸግብ።
26. ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ፡ ብጥበብ ዚመላለስ ግና የምልጥ።
27. ንድኻ ዚህብ ገለ ኣይጐድሎን፡ ነቲ ኣዕንቱ ዚዕምቶ ግና ብዙሕ መርገም ይወርዶ።
28. ረሲኣን ልዕል እንተ በሉ፡ ሰብ ይሕባእ፡ እንተ ጠፍኡ ግና፡ ጻድቃን ይዕምሩ።

  Proverbs (28/31)