| ← Proverbs (27/31) → |
| 1. | መዓልቲ እትወልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ብጽባሕ ኣይትመካሕ። |
| 2. | ካልእ ይንኣድካ ኣፍካ ኣይኰነን፡ ጓና እምበር፡ ከናፍርካ ኣይኰነን። |
| 3. | እምኒ ኸቢድ እዩ፡ ሑጻ ኸኣ ረዚን እዩ፡ ካብ ክልቲኡ ግና እንጽርጽሮት ዓሻ ይኸብድ። |
| 4. | ቊጥዓ ጨካን እዩ፡ ኲራውን ውሒዝ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቕንኢ ግና መን ደው ይብል |
| 5. | ካብ ሕቡእ ፍቕሪ ግሉጽ ተግሳጽ ይሐይሽ። |
| 6. | ናይ ፈታዊ ምቚሳል እሙን እዩ፡ ጸላኢ ግና ኣብዚሑ ይስዕም። |
| 7. | ዝጸገበት ነፍስስ ወለላ መዓር ትረግጽ፡ ንዝጠመየት ነፍሲ ግና ኲሉ መሪር እኳ ጥዑም እዩ። |
| 8. | ካብ ቤቱ ወጺኡ ዚዂብልል ሰብ፡ ቤታ ሓዲጋ ኸም እትዂብልል ዑፍ እዩ። |
| 9. | ቅብኣን ዕጣንን ንልቢ የሐጒሶ፡ ጣዕሚ ፈታዊ ምስናይ ምኽሪ ነፍሱ ኸኣ ከምኡ እዩ። |
| 10. | ፈታዊኻን ፈታው ኣቦኻን ኣይትሕደግ፡ ብመዓልቲ ጸበባኻ ናብ ቤት ሓውካ ኣይትኺድ፡ ካብ ርሑቕ ዘሎ ሓውስ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጐረቤት ይሐይሽ። |
| 11. | ወደየ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃብ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሐጒሶ። |
| 12. | ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ንቕድሚት ይኸዱ እሞ ብእኡ ይጒድኡ። |
| 13. | ነቲ ንጓና እተዋሕሰ ኽዳኑ ውሰደሉ፡ ኣብ ክንዲ እታ ጓና ኻብኡ ታሕዚ ውሰድ። |
| 14. | እቲ ኣንጊሁ ዓው ኢሉ ንብጻዩ ዚምርቖ፡ ከም ዚረግም ዚቚጸር። |
| 15. | ብመዓልቲ ጥሚቕ ከየቛረጸ ዚነጥብ ቤትን ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም። |
| 16. | ንእኣ ምዕጋትሲ ንንፋስ ምዕጋትን ብየማነይትኻ ዘይቲ ምዕማዂን እዩ። |
| 17. | ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ። |
| 18. | ንበለስ ዚከናኸን፡ ፍሬኡ ይበልዕ፡ ንጐይታኡ ዚከናኸን ከኣ ይኸብር። |
| 19. | ከምቲ ገጽ ንገጽ ኣብ ማይ ዚርእዮ፡ ከምኡ ኸኣ ልቢ ሰብ ንሰብ ይርእዮ። |
| 20. | ሲኦልን መዓሙቚን ከቶ ኣይጸግቡን፡ ከምኡውን ኣዒንቲ ሰብ ኣይጸግባን እየን። |
| 21. | መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ንወርቂ እዩ፡ ሰብ በቲ ዚነኣዶ ይፍለጥ። |
| 22. | ንዓሻ ኣብ ሞጒእ ምስ ጒርዲ ብንኢ እንተ ትጐድኦ እኳ፡ እቲ ዕሽነቱ ኣይምሐደጎን። |
| 23. | ሃብቲ ንሓዋሩ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ሃለዋት ኣባጊዕካ ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ንልብኻ ኣብ መጓሴኻ ኣንብሮ። |
| 24. | ሃብቲ ንሓዋሩ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ሃለዋት ኣባጊዕካ ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ንልብኻ ኣብ መጓሴኻ ኣንብሮ። |
| 25. | ዕላም ሐሊፉ ለቅሚ በቚሉ፡ ኣብ ኣኽራን ድማ መኸል ተኣኪቡ። |
| 26. | ዕያውቲ ንኽዳንካ፡ ድቤላውን መዓደግ ግራት ኣሎካ፡ |
| 27. | ጸባ ኣጣል ድማ ንምግብኻን ንምግቢ ስድራኻን ንቐለብ ኣግራድካን ኪኣክል እዩ። |
| ← Proverbs (27/31) → |