← Proverbs (24/31) → |
1. | ልቦም ግፍዒ እዩ ዚሐስብ፡ ከናፍሮም ድማ ክፍኣት እየን ዚዛረባ እሞ፡ በቶም እኩያት ኣይትቕናእ፡ ምሳታቶም ክትነብርውን ኣይትድለ። |
2. | ልቦም ግፍዒ እዩ ዚሐስብ፡ ከናፍሮም ድማ ክፍኣት እየን ዚዛረባ እሞ፡ በቶም እኩያት ኣይትቕናእ፡ ምሳታቶም ክትነብርውን ኣይትድለ። |
3. | ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ። |
4. | ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዂሉ ጥሪት ዚመልእ። |
5. | ጥበበኛ ሰብ ብርቱዕ እዩ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ኸኣ ሓይሉ የጽንዕ። |
6. | እምበኣርሲ ብጥበብ ተመሪሕካ ተዋጋእ፡ ደሓን ከኣ ብምብዛሕ መኸርቲ እዩ። |
7. | ጥበብ ነቲ ዓሻ ኣዝያ ላዕሊ እያ፡ ኣፋ ኣብ ደገ ኣይትከፍትን። |
8. | እከይ ኪገብር ዚሐስብ ሰብሲ፡ ስራሕ ነገር እዩ ዚበሀል። |
9. | ምህዞ ዓሻ ሓጢኣት እዩ፡ መላገጺ ኸኣ ብሰብ ፍንፋን እዩ። |
10. | ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ። |
11. | ነቶም ናብ ሞት ዚጒተቱ ኣናግፎም፡ ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም። |
12. | እንሆ፡ እዝስ ኣይፈለጥናን፡ እንተ በልካ፡ እቲ ልቢ ዚመዝንዶ ኣየስተብህሎን እዩ እቲ ንነፍስኻ ዚጥንቀቐላስ ኣይፈልጦን ድዩ ንሱ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። |
13. | ወደየ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ መዓር ብላዕ፡ ወለላ መዓር ንትንሓግካ ጥዑም እዩ። |
14. | ከምኡውን ንነፍስኻ ጥበብ ተመሀር፡ እንተ ረኸብካያስ ጻማ ኣሎ፡ ትጽቢትካውን ኣይኪቚረጽን እዩ። |
15. | ኣታ ረሲእ፡ ንቤት ጻድቕ ኣይተድብየላ፡ ነታ መዕረፊኡ ኣይትሀውካ። |
16. | እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ፡ ረሲአን ግና ናብ መከራ ይጸድፉ። |
17. | እግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጒሂ እሞ ዂራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲ፡ ጻላኢኻ እንተ ወደቐ፡ ኣይትተሐጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ። |
18. | እግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጒሂ እሞ ዂራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲ፡ ጻላኢኻ እንተ ወደቐ፡ ኣይትተሐጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ። |
19. | እኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን፡ ቀንደሌ ረሲኣን ከኣ ይጠፍእ እዩ እሞ፡ በቶም እከይ ዚገብሩ ኣይተንጸርጽር፡ በቶም ረሲኣን ኣይትቕናእ። |
20. | እኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን፡ ቀንደሌ ረሲኣን ከኣ ይጠፍእ እዩ እሞ፡ በቶም እከይ ዚገብሩ ኣይተንጸርጽር፡ በቶም ረሲኣን ኣይትቕናእ። |
21. | ወደየ፡ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን ፍርሃዮም፡ ምስ ዓለወኛታት ኣይትጸምበር። |
22. | ብድንገት መዓት ኪወርዶም እዩ እሞ፡ ንጥፍኣት ክልቲኦም መን እዩ ዚፈልጦ |
23. | እዚውን ካብ ጠቢባን እዩ፡ ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ሰናይ ኣይኰነን። |
24. | ነቲ በደለኛስ፡ ጻድቕ ኢኻ ዚብሎ፡ ህዝብታት ኪረግምዎ፡ ኣህዛብውን ኪፍንፍንዎ እዮም። |
25. | እቶም ዚግስጽዎ ግና ደሓን ኪዀኑ እዮም፡ ኣብ ልዕሊኦም በረኸትን ጽቡቕ ዕድልን ኪወርድ እዩ። |
26. | ቅኑዕ ምላሽ ዚህብ፡ ከናፍር ይስዕም። |
27. | ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ፡ ደሓር ቤትካ ስራሕ። |
28. | ንብጻይካ ብዘይ ምኽንያት መስኪርካ ኣይትጒዳዮ፡ ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠበር። |
29. | ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ፡ ንሰብ ከም ግብሩ ኽፈድዮ እየ፡ ኣይትበል። |
30. | ኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሐለፍኩ፡ |
31. | እንሆ ድማ፡ ኣብ ኲሉ ተዀርባ በቚልዎ፡ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ። |
32. | ልበይ ኣውዲቐ ኣብኡ ተመልከትኩ፡ ንእኡ ርእየ ድማ ትምህርቲ ረኸብኩ፡ |
33. | ቅሩብ ድቃስ፡ ቅሩብ ትኽስታ፡ ምእንቲ ኽትዐርፍ ቅሩብ ኣእዳውካ ምምስቓል፡ |
34. | ሽዑ ድኽነትካ ገስጊሱ፡ ንዴትካ ኸኣ ከም እተሰለፈ ሰብኣይ ይመጸካ። |
← Proverbs (24/31) → |