Proverbs (24/31)  

1. ልቦም ግፍዒ እዩ ዚሐስብ፡ ከናፍሮም ድማ ክፍኣት እየን ዚዛረባ እሞ፡ በቶም እኩያት ኣይትቕናእ፡ ምሳታቶም ክትነብርውን ኣይትድለ።
2. ልቦም ግፍዒ እዩ ዚሐስብ፡ ከናፍሮም ድማ ክፍኣት እየን ዚዛረባ እሞ፡ በቶም እኩያት ኣይትቕናእ፡ ምሳታቶም ክትነብርውን ኣይትድለ።
3. ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ።
4. ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዂሉ ጥሪት ዚመልእ።
5. ጥበበኛ ሰብ ብርቱዕ እዩ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ኸኣ ሓይሉ የጽንዕ።
6. እምበኣርሲ ብጥበብ ተመሪሕካ ተዋጋእ፡ ደሓን ከኣ ብምብዛሕ መኸርቲ እዩ።
7. ጥበብ ነቲ ዓሻ ኣዝያ ላዕሊ እያ፡ ኣፋ ኣብ ደገ ኣይትከፍትን።
8. እከይ ኪገብር ዚሐስብ ሰብሲ፡ ስራሕ ነገር እዩ ዚበሀል።
9. ምህዞ ዓሻ ሓጢኣት እዩ፡ መላገጺ ኸኣ ብሰብ ፍንፋን እዩ።
10. ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ።
11. ነቶም ናብ ሞት ዚጒተቱ ኣናግፎም፡ ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም።
12. እንሆ፡ እዝስ ኣይፈለጥናን፡ እንተ በልካ፡ እቲ ልቢ ዚመዝንዶ ኣየስተብህሎን እዩ እቲ ንነፍስኻ ዚጥንቀቐላስ ኣይፈልጦን ድዩ ንሱ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።
13. ወደየ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ መዓር ብላዕ፡ ወለላ መዓር ንትንሓግካ ጥዑም እዩ።
14. ከምኡውን ንነፍስኻ ጥበብ ተመሀር፡ እንተ ረኸብካያስ ጻማ ኣሎ፡ ትጽቢትካውን ኣይኪቚረጽን እዩ።
15. ኣታ ረሲእ፡ ንቤት ጻድቕ ኣይተድብየላ፡ ነታ መዕረፊኡ ኣይትሀውካ።
16. እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ፡ ረሲአን ግና ናብ መከራ ይጸድፉ።
17. እግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጒሂ እሞ ዂራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲ፡ ጻላኢኻ እንተ ወደቐ፡ ኣይትተሐጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ።
18. እግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጒሂ እሞ ዂራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲ፡ ጻላኢኻ እንተ ወደቐ፡ ኣይትተሐጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ።
19. እኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን፡ ቀንደሌ ረሲኣን ከኣ ይጠፍእ እዩ እሞ፡ በቶም እከይ ዚገብሩ ኣይተንጸርጽር፡ በቶም ረሲኣን ኣይትቕናእ።
20. እኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን፡ ቀንደሌ ረሲኣን ከኣ ይጠፍእ እዩ እሞ፡ በቶም እከይ ዚገብሩ ኣይተንጸርጽር፡ በቶም ረሲኣን ኣይትቕናእ።
21. ወደየ፡ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን ፍርሃዮም፡ ምስ ዓለወኛታት ኣይትጸምበር።
22. ብድንገት መዓት ኪወርዶም እዩ እሞ፡ ንጥፍኣት ክልቲኦም መን እዩ ዚፈልጦ
23. እዚውን ካብ ጠቢባን እዩ፡ ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ሰናይ ኣይኰነን።
24. ነቲ በደለኛስ፡ ጻድቕ ኢኻ ዚብሎ፡ ህዝብታት ኪረግምዎ፡ ኣህዛብውን ኪፍንፍንዎ እዮም።
25. እቶም ዚግስጽዎ ግና ደሓን ኪዀኑ እዮም፡ ኣብ ልዕሊኦም በረኸትን ጽቡቕ ዕድልን ኪወርድ እዩ።
26. ቅኑዕ ምላሽ ዚህብ፡ ከናፍር ይስዕም።
27. ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ፡ ደሓር ቤትካ ስራሕ።
28. ንብጻይካ ብዘይ ምኽንያት መስኪርካ ኣይትጒዳዮ፡ ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠበር።
29. ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ፡ ንሰብ ከም ግብሩ ኽፈድዮ እየ፡ ኣይትበል።
30. ኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሐለፍኩ፡
31. እንሆ ድማ፡ ኣብ ኲሉ ተዀርባ በቚልዎ፡ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ።
32. ልበይ ኣውዲቐ ኣብኡ ተመልከትኩ፡ ንእኡ ርእየ ድማ ትምህርቲ ረኸብኩ፡
33. ቅሩብ ድቃስ፡ ቅሩብ ትኽስታ፡ ምእንቲ ኽትዐርፍ ቅሩብ ኣእዳውካ ምምስቓል፡
34. ሽዑ ድኽነትካ ገስጊሱ፡ ንዴትካ ኸኣ ከም እተሰለፈ ሰብኣይ ይመጸካ።

  Proverbs (24/31)