Proverbs (22/31)  

1. ጽቡቕ ምስ ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ፡ ሞገስ ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ።
2. ሃብታምን ድኻን ይራኸቡ፡ ንዂላቶም ዝገበሮም እግዚኣብሄር እዩ።
3. ኣስተውዓሊ ስብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ህሩጒ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጒድኡ።
4. ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ።
5. እሾዂን መፈንጠራን ኣብ መገዲ እቲ ቔናን እዩ፡ እቲ ንነፍሱ ዚሕልዋ ኸኣ ካብኡ ይርሕቕ።
6. ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ።
7. ንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።
8. እቲ ኣበሳ ዚዘርእ መከራ ይዐጽድ፡ ብሸቦጥ ቊጥዓኡ ይጠፍእ።
9. እቲ ርሕሩሕ ቈላሕታ ዘለዎ፡ ንድኻ ኻብ እንጌራኡ ይህቦ እሞ፡ ይባረኽ።
10. ንመላገጺ ስጐጎ እሞ፡ ቈየቛ ኺወጽእ እዩ፡ ባእስን ጸርፍን ከኣ ኪውዳእ እዩ።
11. እቲ ንጽህና ልቢ ዚፈቱ እሞ ጸጋ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ፡ ፈታዊኡ ንጉስ እዩ።
12. ኣዕንቲ እግዚኣብሄር ንጥበብ ይከናኸናኣ፡ ንሱ ግና ንቓላት እቲ ጠላሚ ይግልብጦ።
13. ሃካይ፡ ኣብ ወጻኢ ኣንበሳ ኣሎ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ እቕተል እኸውን እየ፡ ይብል።
14. ኣፍ ኣመንዝራ ሰበይቲ ዓሚቚ ጒድጓድ እዩ፡ እግዚኣብሄር እተቘጥዖ ሰብ ኣብኣ ይወድቕ።
15. ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ ኣሎ፡ ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ።
16. ንድኻ ዜጥቅዖ የሀብትሞ፡ ንሃብታም ዚህቦ ኣብ ስእነት ጥራይ የብጽሖ።
17. ኣብ ውሽጥኻ እንተ ኣርነብካየን፡ ኲላተን ኣብ ከናፍርካ እንተ ኣለዋስ፡ ጥዑም እዩ እሞ፡ እዝንኻ ጽሎ፡ ቃላት ጠቢባን ከኣ ስማዕ፡ ብልብኻ ናብ ፍልጠተይ ኣቕልብ።
18. ኣብ ውሽጥኻ እንተ ኣርነብካየን፡ ኲላተን ኣብ ከናፍርካ እንተ ኣለዋስ፡ ጥዑም እዩ እሞ፡ እዝንኻ ጽሎ፡ ቃላት ጠቢባን ከኣ ስማዕ፡ ብልብኻ ናብ ፍልጠተይ ኣቕልብ።
19. እምንቶኻ ብእግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ኣነ ሎም ንኣኻ፡ እወ ንኣኻ ምሂረካ።
20. ነቶም ዚልእኩኻ ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኽትመልስ፡ ርግጽ ነገርን ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኸፍልጠካ ኢለስ፡ ድሮዶ ናይ ምኽርን ናይ ፍልጠትን ብሉጽ ነገር ኣይጸሐፍኩልካን እየ
21. ነቶም ዚልእኩኻ ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኽትመልስ፡ ርግጽ ነገርን ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኸፍልጠካ ኢለስ፡ ድሮዶ ናይ ምኽርን ናይ ፍልጠትን ብሉጽ ነገር ኣይጸሐፍኩልካን እየ
22. እግዚኣብሄር ኪማጐተሎም፡ ነቶም ገፈፍቶም ከኣ ህይወቶም ኪገፎም እዩ እሞ፡ ነቲ ድኻስ ድኻ ስለ ዝዀነ፡ ኣይትግፈፎ፡ ንሽጉር ድማ ኣብ ደገ ኣይትጥቅዓዮ።
23. እግዚኣብሄር ኪማጐተሎም፡ ነቶም ገፈፍቶም ከኣ ህይወቶም ኪገፎም እዩ እሞ፡ ነቲ ድኻስ ድኻ ስለ ዝዀነ፡ ኣይትግፈፎ፡ ንሽጉር ድማ ኣብ ደገ ኣይትጥቅዓዮ።
24. መገዱ ምእንቲ ኸይትምሀር እሞ፡ ንነፍስኻ ኸይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ።
25. መገዱ ምእንቲ ኸይትምሀር እሞ፡ ንነፍስኻ ኸይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ።
26. ካብቶም ኢዶም ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ንዕዳ ዚወሐሱ ኣይትኹን።
27. ምፍዳይ እንተ ሰኣንካስ፡ ስለምንታይ እዩ መንጸፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዚውሰድ
28. ኣቦታትካ ዘቘምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል።
29. ኣብ ዕዮኡ ፈጣን ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዚቐውም፡ ኣብ ቅድሚ ታሕቶት ሰባይ ኣይቀውምን።

  Proverbs (22/31)