| ← Proverbs (22/31) → |
| 1. | ጽቡቕ ምስ ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ፡ ሞገስ ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ። |
| 2. | ሃብታምን ድኻን ይራኸቡ፡ ንዂላቶም ዝገበሮም እግዚኣብሄር እዩ። |
| 3. | ኣስተውዓሊ ስብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ህሩጒ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጒድኡ። |
| 4. | ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ። |
| 5. | እሾዂን መፈንጠራን ኣብ መገዲ እቲ ቔናን እዩ፡ እቲ ንነፍሱ ዚሕልዋ ኸኣ ካብኡ ይርሕቕ። |
| 6. | ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ። |
| 7. | ንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ። |
| 8. | እቲ ኣበሳ ዚዘርእ መከራ ይዐጽድ፡ ብሸቦጥ ቊጥዓኡ ይጠፍእ። |
| 9. | እቲ ርሕሩሕ ቈላሕታ ዘለዎ፡ ንድኻ ኻብ እንጌራኡ ይህቦ እሞ፡ ይባረኽ። |
| 10. | ንመላገጺ ስጐጎ እሞ፡ ቈየቛ ኺወጽእ እዩ፡ ባእስን ጸርፍን ከኣ ኪውዳእ እዩ። |
| 11. | እቲ ንጽህና ልቢ ዚፈቱ እሞ ጸጋ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ፡ ፈታዊኡ ንጉስ እዩ። |
| 12. | ኣዕንቲ እግዚኣብሄር ንጥበብ ይከናኸናኣ፡ ንሱ ግና ንቓላት እቲ ጠላሚ ይግልብጦ። |
| 13. | ሃካይ፡ ኣብ ወጻኢ ኣንበሳ ኣሎ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ እቕተል እኸውን እየ፡ ይብል። |
| 14. | ኣፍ ኣመንዝራ ሰበይቲ ዓሚቚ ጒድጓድ እዩ፡ እግዚኣብሄር እተቘጥዖ ሰብ ኣብኣ ይወድቕ። |
| 15. | ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ ኣሎ፡ ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ። |
| 16. | ንድኻ ዜጥቅዖ የሀብትሞ፡ ንሃብታም ዚህቦ ኣብ ስእነት ጥራይ የብጽሖ። |
| 17. | ኣብ ውሽጥኻ እንተ ኣርነብካየን፡ ኲላተን ኣብ ከናፍርካ እንተ ኣለዋስ፡ ጥዑም እዩ እሞ፡ እዝንኻ ጽሎ፡ ቃላት ጠቢባን ከኣ ስማዕ፡ ብልብኻ ናብ ፍልጠተይ ኣቕልብ። |
| 18. | ኣብ ውሽጥኻ እንተ ኣርነብካየን፡ ኲላተን ኣብ ከናፍርካ እንተ ኣለዋስ፡ ጥዑም እዩ እሞ፡ እዝንኻ ጽሎ፡ ቃላት ጠቢባን ከኣ ስማዕ፡ ብልብኻ ናብ ፍልጠተይ ኣቕልብ። |
| 19. | እምንቶኻ ብእግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ኣነ ሎም ንኣኻ፡ እወ ንኣኻ ምሂረካ። |
| 20. | ነቶም ዚልእኩኻ ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኽትመልስ፡ ርግጽ ነገርን ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኸፍልጠካ ኢለስ፡ ድሮዶ ናይ ምኽርን ናይ ፍልጠትን ብሉጽ ነገር ኣይጸሐፍኩልካን እየ |
| 21. | ነቶም ዚልእኩኻ ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኽትመልስ፡ ርግጽ ነገርን ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኸፍልጠካ ኢለስ፡ ድሮዶ ናይ ምኽርን ናይ ፍልጠትን ብሉጽ ነገር ኣይጸሐፍኩልካን እየ |
| 22. | እግዚኣብሄር ኪማጐተሎም፡ ነቶም ገፈፍቶም ከኣ ህይወቶም ኪገፎም እዩ እሞ፡ ነቲ ድኻስ ድኻ ስለ ዝዀነ፡ ኣይትግፈፎ፡ ንሽጉር ድማ ኣብ ደገ ኣይትጥቅዓዮ። |
| 23. | እግዚኣብሄር ኪማጐተሎም፡ ነቶም ገፈፍቶም ከኣ ህይወቶም ኪገፎም እዩ እሞ፡ ነቲ ድኻስ ድኻ ስለ ዝዀነ፡ ኣይትግፈፎ፡ ንሽጉር ድማ ኣብ ደገ ኣይትጥቅዓዮ። |
| 24. | መገዱ ምእንቲ ኸይትምሀር እሞ፡ ንነፍስኻ ኸይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ። |
| 25. | መገዱ ምእንቲ ኸይትምሀር እሞ፡ ንነፍስኻ ኸይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ። |
| 26. | ካብቶም ኢዶም ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ንዕዳ ዚወሐሱ ኣይትኹን። |
| 27. | ምፍዳይ እንተ ሰኣንካስ፡ ስለምንታይ እዩ መንጸፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዚውሰድ |
| 28. | ኣቦታትካ ዘቘምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል። |
| 29. | ኣብ ዕዮኡ ፈጣን ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዚቐውም፡ ኣብ ቅድሚ ታሕቶት ሰባይ ኣይቀውምን። |
| ← Proverbs (22/31) → |