Proverbs (21/31)  

1. ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ፡ ንሱ ናብ ዝደለዮ ይመልሶ።
2. ሰብሲ ዂሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕኑዕ ይመስሎ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር እዩ ልቢ ዚመዝን።
3. እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ ጽድቅን ቅንዕናን ምግባር እዩ ዚፈቱ።
4. ኲሩዓት ኣዒንትን ንፉሕ ልብን ሓጢኣት እዩ፡ ንሱ ኸኣ መብራህቲ ረሲኣን እዩ።
5. ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ፡ እቲ ዚህወኽ ዘበለ ግና ናብ ስእነት ጥራይ ይህወኽ።
6. እቲ ብሓሳዊት መልሓስ እተኣከበ መዝገብ በኒኑ ይጠፍእ፡ ናብ ወጽመድ ሞት ከኣ የውድቕ።
7. ቅንዕና ምግባር ኣብዮም እዮም እሞ፡ ነቶም ረሲኣንሲ ግፎኦም ጥፍኣቶም እዩ።
8. መገዲ እቲ በደለኛ ጥውጥዋይ እያ፡ ንጹህ ሰብ ግና ግብሩ ቕኑዕ እዩ።
9. ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ።
10. ነፍሲ ረሲእ ንእከይ ትምነዮ፡ ብጻዩውን ኣብ ቅድሚኡ ምሕረት ኣይረክብን።
11. ንመላገጺ እንተ ቐጻዕካዮ፡ እቲ ገርሂ ጠቢብ ይኸውን፡ ንጥበበኛ እኝተ መሀርካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት ይቕበል።
12. እቲ ጻድቕ ንቤት ረሲእ ይምልከቶ፡ ነቶም ረሲኣን ከኣ ናብ መከራ የጽድፎም።
13. እቲ ንጥርዓን ድኻ ኸይሰማዕ ኢሉ እዝኑ ዚዐጹ፡ ንሱውን ይጠርዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን።
14. ብስውር ዝኣተወ ገጽ በረኸት ኲራ የህድእ፡ ሕቡእ ውህበትውን ንብርቱዕ ቊጥዓ የዝሕሎ።
15. ቅኑዕ ምግባር ንጻድቕ ሓጐስ እዩ፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና ረዓድ እዩ።
16. እቲ ኻብ መገዲ ልቦና ዚዝምብል ሰብ ኣብ ኣኼባ ምውታት ይነብር።
17. ጣዕሚ ንብረት ዚፈቱ ይደኪ፡ ወይንን ዘይትን ዚፈቱ ኸኣ ኣይህብትምን።
18. ረሲእ በጃ ጻድቕ እዩ፡ ኣብ ክንዲ ቕኑዕ ድማ ጠላሚ ይሐልፍ።
19. ካብ ምስ ናግራም መሰቀቒትን ሰበይቲስ ኣብ በረኻ ምቕማጥ ይሐይሽ።
20. ኣብ ቤት ጥበበኛ ኽቡር መዝገብን ዘይትን ኣሎ፡ ዓሻ ግና ይውሕጦ።
21. እቲ ንጽድቅን በጒነትን ዚስዕበን፡ ህይወትን ጽድቅን ክብረትን ይረክብ።
22. ጥበበኛ ሰብ ናብ ከተማ ሓያላት ይድይብ፡ ንሓይሉ እምንቶኣ ኸኣ የፍርሶ።
23. እቲ ኣፉን መልሓሱን ዚሕሉ ሰብ ንነፍሱ ኻብ ጸበባ ይሕልዋ።
24. ዕቡይን ኲሩዕን ሰብ መላገጹ እዩ ስሙ፡ ንሱ ብናይ ትዕቢት ቊጥዓ ይገብር።
25. ሃካይ፡ ኣእዳው ምዕያይ ይኣብያ እየን እሞ፡ ትምኒቱ ይቐትሎ።
26. ምሉእ መዓልቲ ብህርፋን ዚምነ ኣሎ፡ ጻድቕ ግና ይህብ ኣይከልእን ከኣ።
27. መስዋእቲ እቶም ረሲኣን ፍንፋን እዩ፡ ምናዳ እኳ ብእኩይ ሓሳብ እንተ ኣቕረቦ።
28. ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፡ ዚሰምዕ ሰብ ግና ኲሉ ጊዜ ኺዛረብ ይፍቀደሉ።
29. ረሲእ ሰብ ገጽ ድርቅና የርኢ፡ ጻድቕ ግና መገዱ የጽንዕ።
30. ጥበብ ወይስ ኣእምሮ ወይስ ምኽሪ፡ ንእግዚኣብሄር ዚቃወሞ የልቦን።

  Proverbs (21/31)