| ← Proverbs (21/31) → |
| 1. | ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ፡ ንሱ ናብ ዝደለዮ ይመልሶ። |
| 2. | ሰብሲ ዂሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕኑዕ ይመስሎ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር እዩ ልቢ ዚመዝን። |
| 3. | እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ ጽድቅን ቅንዕናን ምግባር እዩ ዚፈቱ። |
| 4. | ኲሩዓት ኣዒንትን ንፉሕ ልብን ሓጢኣት እዩ፡ ንሱ ኸኣ መብራህቲ ረሲኣን እዩ። |
| 5. | ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ፡ እቲ ዚህወኽ ዘበለ ግና ናብ ስእነት ጥራይ ይህወኽ። |
| 6. | እቲ ብሓሳዊት መልሓስ እተኣከበ መዝገብ በኒኑ ይጠፍእ፡ ናብ ወጽመድ ሞት ከኣ የውድቕ። |
| 7. | ቅንዕና ምግባር ኣብዮም እዮም እሞ፡ ነቶም ረሲኣንሲ ግፎኦም ጥፍኣቶም እዩ። |
| 8. | መገዲ እቲ በደለኛ ጥውጥዋይ እያ፡ ንጹህ ሰብ ግና ግብሩ ቕኑዕ እዩ። |
| 9. | ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ። |
| 10. | ነፍሲ ረሲእ ንእከይ ትምነዮ፡ ብጻዩውን ኣብ ቅድሚኡ ምሕረት ኣይረክብን። |
| 11. | ንመላገጺ እንተ ቐጻዕካዮ፡ እቲ ገርሂ ጠቢብ ይኸውን፡ ንጥበበኛ እኝተ መሀርካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት ይቕበል። |
| 12. | እቲ ጻድቕ ንቤት ረሲእ ይምልከቶ፡ ነቶም ረሲኣን ከኣ ናብ መከራ የጽድፎም። |
| 13. | እቲ ንጥርዓን ድኻ ኸይሰማዕ ኢሉ እዝኑ ዚዐጹ፡ ንሱውን ይጠርዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን። |
| 14. | ብስውር ዝኣተወ ገጽ በረኸት ኲራ የህድእ፡ ሕቡእ ውህበትውን ንብርቱዕ ቊጥዓ የዝሕሎ። |
| 15. | ቅኑዕ ምግባር ንጻድቕ ሓጐስ እዩ፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና ረዓድ እዩ። |
| 16. | እቲ ኻብ መገዲ ልቦና ዚዝምብል ሰብ ኣብ ኣኼባ ምውታት ይነብር። |
| 17. | ጣዕሚ ንብረት ዚፈቱ ይደኪ፡ ወይንን ዘይትን ዚፈቱ ኸኣ ኣይህብትምን። |
| 18. | ረሲእ በጃ ጻድቕ እዩ፡ ኣብ ክንዲ ቕኑዕ ድማ ጠላሚ ይሐልፍ። |
| 19. | ካብ ምስ ናግራም መሰቀቒትን ሰበይቲስ ኣብ በረኻ ምቕማጥ ይሐይሽ። |
| 20. | ኣብ ቤት ጥበበኛ ኽቡር መዝገብን ዘይትን ኣሎ፡ ዓሻ ግና ይውሕጦ። |
| 21. | እቲ ንጽድቅን በጒነትን ዚስዕበን፡ ህይወትን ጽድቅን ክብረትን ይረክብ። |
| 22. | ጥበበኛ ሰብ ናብ ከተማ ሓያላት ይድይብ፡ ንሓይሉ እምንቶኣ ኸኣ የፍርሶ። |
| 23. | እቲ ኣፉን መልሓሱን ዚሕሉ ሰብ ንነፍሱ ኻብ ጸበባ ይሕልዋ። |
| 24. | ዕቡይን ኲሩዕን ሰብ መላገጹ እዩ ስሙ፡ ንሱ ብናይ ትዕቢት ቊጥዓ ይገብር። |
| 25. | ሃካይ፡ ኣእዳው ምዕያይ ይኣብያ እየን እሞ፡ ትምኒቱ ይቐትሎ። |
| 26. | ምሉእ መዓልቲ ብህርፋን ዚምነ ኣሎ፡ ጻድቕ ግና ይህብ ኣይከልእን ከኣ። |
| 27. | መስዋእቲ እቶም ረሲኣን ፍንፋን እዩ፡ ምናዳ እኳ ብእኩይ ሓሳብ እንተ ኣቕረቦ። |
| 28. | ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፡ ዚሰምዕ ሰብ ግና ኲሉ ጊዜ ኺዛረብ ይፍቀደሉ። |
| 29. | ረሲእ ሰብ ገጽ ድርቅና የርኢ፡ ጻድቕ ግና መገዱ የጽንዕ። |
| 30. | ጥበብ ወይስ ኣእምሮ ወይስ ምኽሪ፡ ንእግዚኣብሄር ዚቃወሞ የልቦን። |
| ← Proverbs (21/31) → |