Proverbs (20/31)  

1. ወይኒ መላገጺ እዩ፡ ዜስክር መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፡ በዚ ሰንከልከል ዚብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን።
2. ንጉስ ከም ምጒዛም ኣንበሳ እዩ ዜሰምብድ፡ እቲ ዜዀርዮ ንህይወቱ ይብድላ።
3. ንሰብ ካብ ቈየቛ ምርሓቕ ክብረቱ እዩ፡ ዓሻ ግና ዘሊሉ ይኣትዎ።
4. ሃካይ ብምኽንያት ቊሪ ኣይሐርስን፡ ብጊዜ ቐውዒ ይልምን እሞ፡ ገለ እኳ ኣይረክብን።
5. ምኽሪ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ጥልቂ ማይ እዩ፡ ብዓል ኣእምሮ ግና ይቐድሖ።
6. ርሕራሔኦም ዜውርዩ ብዙሓት እዮም፡ ግናኸ ንእሙን ሰብ መን ይረኽቦ
7. ብንጽህናኡ ዚመላለስ ጻድቕሲ፡ ብድሕሪኡ ውሉዱ ብሩኻት እዮም።ፕ
8. ኣብ ዝፋን ፍርዲ እተቐመተ ንጉስ እከይ ንዘበለ ዂሉ በዒንቱ ይብትኖ።
9. ንልበይ ኣጽርየዮ፡ ካብ ሓጢኣተይ ነጺሄ፡ ኪብል ዚኽእል መን እዩ
10. ክልተ ዓይነት ሚዛን፡ ክልተ ዓይነት መስፈሪ፡ እዚኣተን ክልቲኤን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋናት እየን።
11. ቈልዓ እኳ ዕዮኡ ቕኑዕን ንጹህን እንተ ዀነ፡ ብግብሩ የፍልጥ።
12. ነታ ሰማዒት እዝንን ነታ ረኣዪት ዓይንንሲ፡ ንኽልቲኤን እግዚኣብሄር እዩ ዝገበረን።
13. ድኻ ምእንቲ ኸይትኸውን፡ ድቃስ ኣይትፍቶ፡ ነዒንትኻ ቋሕ ኣብለን፡ ሽዑ እንጌራ ኽትጸግብ ኢኻ።
14. ዓዳጊ፡ ሕማቕ እዩ፡ ሕማቕ እዩ፡ ይብል፡ መገዱ ምስ ከደ ግና ይሕበን።
15. ወርቅን ብዙሕ ዕንቊን ኣሎ፡ ፈላጣት ከናፍር ግና ክቡር ኣቕሓ እየን።
16. ነቲ ንጓና እተዋሕሰ ኽዳኑ ውሰደሉ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ጓኖትሲ ታሕዚ ኻብኡ ውሰድ።
17. እንጌራ ጥበራ ንሰብ ጥዑም እዩ፡ ደሓር ግና ኣፉ ጸጸር ይመልእ።
18. ሃቐና ብምኽሪ ይጸንዕ፡ ብጥበብ ተመሪሕካ ተዋጋእ።
19. እቲ እናዞረ ዚሐሚ፡ ምስጢራት ይቐልዕ፡ ስለዚ ምስቲ ኸናፍሩ ዜግፍሕ ሰብ ኣይትተሐወስ።
20. እቲ ነቦኡን ነዲኡን ዚረግም መብራህቱ ኣብ ማእከል ድቕድቕ ጸልማት ኪጠፍእ እዩ።
21. እቲ ብመጀመርያ ቐልጢፉ እተኣከበ ርስቲ መወዳእታኡ ኣይኪባረኽን እዩ።
22. እከይ ክፈዲ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ እሞ፡ ንሱ ኼድሕነካ እዩ።
23. ክልተ ዓይነት ሚዛን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ፡ ጠባሪ ሚዛን ከኣ ሰናይ ኣይኰነን።
24. ስጒምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር እዩ ዚምራሕ፡ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ንመገዱ ዜስተውዕላ
25. ብሃንደበት እተቐደሰ እዩ ምባልን ድሕሪ መብጽዓ ምምርማርንሲ፡ ንሰብ መፈንጠራ እዩ።
26. ጥበበኛ ንጉስ ነቶም ረሲኣን የዝርዎም፡ ብመንኰራዂ ር ድማ ይደርጾም።
27. መብራህቲ እግዚኣብሄርሲ መንፈስ ሰብ እዩ፡ ንሱ ንብዘሎ ውሻጠ ልቢ ይምርምሮ።
28. ምሕረትን ሓቅን ንንጉስ ይሕልዋኦ፡ ንሱ ብምሕረት ንዝፋኑ የጽንዖ።
29. ሓይሊ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ፡ ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ስልማቶም እዩ።
30. ሰመርመር ዜብል ስምብራት ካብ ክፍኣት የጽሪ፡ ከምኡውን መውቃዕቲ ንውሻጠ ልቢ የጽርዮ።

  Proverbs (20/31)