Proverbs (2/31)  

1. ወደየ፡ እዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ፡ ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ፡ ንትእዛዛተይ ከአ ምሳኻ እንተ ኣንበርካዮ፡
2. ወደየ፡ እዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ፡ ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ፡ ንትእዛዛተይ ከአ ምሳኻ እንተ ኣንበርካዮ፡
3. እወ፡ ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ፡ ንምስትውዓል ከአ እንተ ኣድሄኻያ፡
4. ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ፡ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸአ ሃለው እንተ በልካያ፡
5. ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ፡ ንምፍላጥ ኣምላኽ ከአ ክትረኽቦ ኢኻ።
6. እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ ክትረኽቦ ኢኻ።
7. ንመገዲ ቕንዕና ኼዕቁባ፡ ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ኸአ ኪሕልዋስ፡ ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም፡ ብዘይ ጽያፍ ንዚመላለሱ ኸአ ዋልታኦም እዩ።
8. ንመገዲ ቕንዕና ኼዕቁባ፡ ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ኸአ ኪሕልዋስ፡ ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም፡ ብዘይ ጽያፍ ንዚመላለሱ ኸአ ዋልታኦም እዩ።
9. ሽዑ ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ ኤረ ኹሉ ሰናይ መገዲ ኸተስተውዕል ኢኻ።
10. ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትአቱ እያ፡ ፍልጠት ከአ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ፡
11. ካብ ክፉእ መገዲ፡ ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ፡ ምኽሪ ኽትሕልወካ፡ ምስትውዓል ከአ ከተዕቁበካ እያ።
12. ካብ ክፉእ መገዲ፡ ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ፡ ምኽሪ ኽትሕልወካ፡ ምስትውዓል ከአ ከተዕቁበካ እያ።
13. ንሳቶም ብመገዲ ጸልማት ምእንቲ ኺመላለሱስ፡ ንመገዲ ቕንዕና ይሐድግዋ፡
14. ንሳቶም ክፉእ ብምግባር ይሕጎሱ፡ ብቔናን ነገርውን ባህ ይብሎም።
15. ንሳቶም ኣብ መገድታቶም ይጠዋወዩ፡ ቄናን መገድታት ከአ ይኽተሉ።
16. ካብታ ብፈታዊ ንእስነታ ዝሕደገቶ። ንኺዳን ኣምላኽውን ዝረስዓቶ ዘማዊት ሰበይቲ ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራ ኸተናግፈካ እያ።
17. ካብታ ብፈታዊ ንእስነታ ዝሕደገቶ። ንኺዳን ኣምላኽውን ዝረስዓቶ ዘማዊት ሰበይቲ ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራ ኸተናግፈካ እያ።
18. ቤታ ናብ ሞት፡ መገዳ ናብ ምውታት ዜንቁልቁል እዩ እሞ፡
19. ካብቶም ናብኣ ዚአትው ሓደ እኳ ዚምለስ የልቦን፡ ንመገዲ ህይወትውን ኣይረኸብዋን እዮም።
20. እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዝነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከአ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ እምበኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰንያት ተመላለስ፡ ነምገዲ ጻድቃንውን ሓልዋ።
21. እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዝነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከአ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ እምበኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰንያት ተመላለስ፡ ነምገዲ ጻድቃንውን ሓልዋ።
22. ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ እዮም ጠለምቲ ኸአ ኣብኣ ኺምንቆሱ እዮም።

  Proverbs (2/31)