| ← Proverbs (19/31) → |
| 1. | ካብቲ ቔናን ከናፍር ዘለዎ ዓሻስ፡ ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሐይሽ። |
| 2. | ነፍሲ ብዘይ ፍልጠት ምዃና ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ቅልጡፍ እግሪ ኸኣ ይስሕት። |
| 3. | ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ ይገላብጥ፡ ልቡ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እዩ ዜንጸርጽር። |
| 4. | ሃብትስ ብዙሓት ፈተውቲ ይውስኽ፡ ንድኻ ግና ፈታዊኡ እካ ይሐድጎ። |
| 5. | ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ እቲ ሓሶት ዜውስእ ከኣ ኣየምልጥን። |
| 6. | ንኸበርቴ ብዙሓት የቀባጥሩሉ፡ ነቲ ዓዳል ውህበታት ድማ ኲሎም ፈተውቱ እዮም። |
| 7. | ንድኻ ዂሎም ኣሕዋቱ ይጸልእዎ፡ ምናዳ እኳ ፈተውቱ ኻብኡ ይርሕቁ፡ ብቓላት ይስዕቦም፡ ግናኸ የለውን። |
| 8. | ልቦና ዜጥሪ ንነፍሱ የፍቅራ፡ ንምስትውዓል ዜድህበሉ ሰናይ ይረክብ። |
| 9. | ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ ሓሶት ዜውስእ ከኣ ይጠፍእ። |
| 10. | ንዓሻ ጣዕሚ ንብረት ኣይግብኣን፡ ምናዳ እኳ ንባርያ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ምስልጣን ኣይግብኦን። |
| 11. | ምስትውዓል ንሰብ ንዂራ ደንጓዪ ይገብሮ፡ ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ። |
| 12. | ኲራ ንጉስ ከም ምጒዛም ኣንበሳ እዩ፡ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዚወርድ ኣውሊ እዩ። |
| 13. | ዓሻ ውሉድ ነቦኡ መከራ እዩ፡ ቈየቛ ሰበይቲ ኸኣ ከምቲ ኸየቛረጸ ዚነጥብ ናሕሲ እዩ። |
| 14. | ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረሱ፡ ለባም ሰበይቲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እያ። |
| 15. | ትህኪት ናብ ዓሚቚ ድቃስ የውድቕ፡ ሸለልተኛ ነፍሲ ኸኣ ትጠሚ። |
| 16. | ትእዛዝ ዚሕሉ ነፍሱ ይሕሉ፡ መገዱ ሸለል ዚብል ግና ይመውት። |
| 17. | እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። |
| 18. | ገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ቕጽዓዮ፡ ክሳዕ ንምቕታሉ ግና ኣይትናደድ። |
| 19. | እንተ ኣናገፍካዮስ ከተንድዶ ኢኻ እሞ፡ ኰራዪ ሰብ ይዕደ። |
| 20. | ኣብ መወዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽውን ተቐበል። |
| 21. | ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሃቐና ኣሎ፡ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና እዩ ጸኒዑ ዚነብር። |
| 22. | ንሰብ ርሕራሔ እዩ ጌጹ፡ ካብ ሓሳውስ ድኻ ይሐይሽ። |
| 23. | ፍርሃት እግዚኣብሄር ናብ ህይወት የብጽሕ፡ ሳላኡ ሰብ ጸጊቡ ይሐድር፡ ክፋእ ከኣ ኣይረኽቦን። |
| 24. | ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፡ ግናኸ ናብ ኣፉ እኳ ኣይመልሳን። |
| 25. | ንመላገጺ እንተ ገረፍካዮ፡ ገርሂ ይጥንቀቕ፡ ንብዓል ኣእምሮ እንተ ገሰጽካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት የስተውዕል። |
| 26. | እቲ ነቦኡ ዜጥፍእ ነዲኡውን ዚሰጒጒ መሕፈርን ነውራምን ውሉድ እዩ። |
| 27. | ወደየ፡ ነቲ ኻብ ቃል ፍልጠት ዜርሕቐካ ተግሳጽ ምስማዕ ሕደጎ። |
| 28. | ሕሱም ምስክር ንፍርዲ የባጭወሉ፡ ኣፍ ረሲእ ከኣ ኣበሳ ይውሕጥ። |
| 29. | ፍርዲ ንመላገጽቲ፡ መውቃዕቲ ኸኣ ንዝባን ዓያሱ ተዳልዩሎም ኣሎ። |
| ← Proverbs (19/31) → |