Proverbs (18/31)  

1. እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ፡ ንዂሉ ጥበብውን ይቃወሞ።
2. ዓሻ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ኺገልጾ እምበር፡ ምስትውዓል ኣይፈቱን እዩ።
3. ረሲእ እንተ መጸ፡ ንዕቀት ድማ ይመጽእ፡ ምስ ነውሪውን ጸርፊ ይመጽእ።
4. ቃላት ኣፍ ሰብ ጥልቂ ማያት እዩ፡ ናይ ጥበብ ዓይኒ ማይ ከኣ ወሓዚ ርባ እዩ።
5. ጻድቕ ምእንቲ ኺግፋዕ ኢልካ፡ ምስ ረሲእ ምሽራውሲ ሰናይ ኣይኰነን።
6. ከናፍር ዓሻ ናብ ባእሲ ይኣትዋ፡ ኣፉ ኸኣ መውቃዕቲ ይጽውዕ።
7. ኣፍ ዓሻ ንእኡ ጥፍኣቱ እዩ፡ ከናፍሩ ኸኣ ወጽመድ ነፍሱ እየን።
8. ቃላት ጠባው እዝኒ ኸም ጥዑም ኲላሶ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ።
9. እቲ ንዕዮ ሸለል ዚብሎ ሰብሲ ሓው በታን ገንዘብ እዩ።
10. ስም እግዚኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ እዩ፡ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቊብ።
11. ንሃብታም እቲ ጥሪቱ ጽኑዕ ከተማኡ እዩ፡ ብሓሳቡ ኸኣ ከም ዝበለጸ ቀጽሪ እዩ።
12. ልቢ ሰብ ቅድሚ ውድቀት ልዕል ይብል፡ ትሕትና ኸኣ ንኽብረት ትቕድማ።
13. ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቚጸሮ።
14. ሰብ እንተ ሐመመስ፡ መንፈሱ ይድግፎ። ንተሰብረ መንፈስ ግና መን ከበርትዖ ይኽእል
15. ልቢ ለባም ሰብ ፍልጠት የጥሪ፡ እዝኒ ጠቢባን ከኣ ፍልጠት ትደሊ።
16. ንሰብ ውህበቱ መገዲ የርሕበሉ፡ ናብ ዓበይቲ ኸኣ የእትዎ።
17. እቲ ቕድም ነገሩ ዜፍስስ ቅኑዕ ይመስል፡ እቲ በዓል ጋራ ግና መጺኡ ኣጸቢቑ ይምርምሮ።
18. ዕጭ ውድቕ ንባእሲ ይውድኦ፡ ንብርቱዓት ይፈላልዮም።
19. ካብ ጽንዕቲ ኸተማስ እተበደለ ሓው ይቃወም፡ ባእሶም ከኣ ከም መሃርሃር ዕርዲ እዩ፡
20. ከብዲ ሰብ ካብ ፍረ ኣፉ ይጸግብ፡ ካብ እቶት ከናፍሩ ኸኣ ይጸግብ።
21. ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ፡ እቲ ዜፍቅራ ኸኣ ፍሬኣ ኺበልዕ እዩ።
22. እቲ ሰበይቲ ዚረክብ ሰናይ ይረክብ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሞገስ ይቕበል።
23. ድኻ እናለመነ ይዛረብ፡ ሃብታም ግና ብትሪ ይመልስ።
24. ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይተፍእ፡ ግናኸ ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ ኣሎ።

  Proverbs (18/31)