| ← Proverbs (18/31) → |
| 1. | እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ፡ ንዂሉ ጥበብውን ይቃወሞ። |
| 2. | ዓሻ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ኺገልጾ እምበር፡ ምስትውዓል ኣይፈቱን እዩ። |
| 3. | ረሲእ እንተ መጸ፡ ንዕቀት ድማ ይመጽእ፡ ምስ ነውሪውን ጸርፊ ይመጽእ። |
| 4. | ቃላት ኣፍ ሰብ ጥልቂ ማያት እዩ፡ ናይ ጥበብ ዓይኒ ማይ ከኣ ወሓዚ ርባ እዩ። |
| 5. | ጻድቕ ምእንቲ ኺግፋዕ ኢልካ፡ ምስ ረሲእ ምሽራውሲ ሰናይ ኣይኰነን። |
| 6. | ከናፍር ዓሻ ናብ ባእሲ ይኣትዋ፡ ኣፉ ኸኣ መውቃዕቲ ይጽውዕ። |
| 7. | ኣፍ ዓሻ ንእኡ ጥፍኣቱ እዩ፡ ከናፍሩ ኸኣ ወጽመድ ነፍሱ እየን። |
| 8. | ቃላት ጠባው እዝኒ ኸም ጥዑም ኲላሶ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ። |
| 9. | እቲ ንዕዮ ሸለል ዚብሎ ሰብሲ ሓው በታን ገንዘብ እዩ። |
| 10. | ስም እግዚኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ እዩ፡ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቊብ። |
| 11. | ንሃብታም እቲ ጥሪቱ ጽኑዕ ከተማኡ እዩ፡ ብሓሳቡ ኸኣ ከም ዝበለጸ ቀጽሪ እዩ። |
| 12. | ልቢ ሰብ ቅድሚ ውድቀት ልዕል ይብል፡ ትሕትና ኸኣ ንኽብረት ትቕድማ። |
| 13. | ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቚጸሮ። |
| 14. | ሰብ እንተ ሐመመስ፡ መንፈሱ ይድግፎ። ንተሰብረ መንፈስ ግና መን ከበርትዖ ይኽእል |
| 15. | ልቢ ለባም ሰብ ፍልጠት የጥሪ፡ እዝኒ ጠቢባን ከኣ ፍልጠት ትደሊ። |
| 16. | ንሰብ ውህበቱ መገዲ የርሕበሉ፡ ናብ ዓበይቲ ኸኣ የእትዎ። |
| 17. | እቲ ቕድም ነገሩ ዜፍስስ ቅኑዕ ይመስል፡ እቲ በዓል ጋራ ግና መጺኡ ኣጸቢቑ ይምርምሮ። |
| 18. | ዕጭ ውድቕ ንባእሲ ይውድኦ፡ ንብርቱዓት ይፈላልዮም። |
| 19. | ካብ ጽንዕቲ ኸተማስ እተበደለ ሓው ይቃወም፡ ባእሶም ከኣ ከም መሃርሃር ዕርዲ እዩ፡ |
| 20. | ከብዲ ሰብ ካብ ፍረ ኣፉ ይጸግብ፡ ካብ እቶት ከናፍሩ ኸኣ ይጸግብ። |
| 21. | ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ፡ እቲ ዜፍቅራ ኸኣ ፍሬኣ ኺበልዕ እዩ። |
| 22. | እቲ ሰበይቲ ዚረክብ ሰናይ ይረክብ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሞገስ ይቕበል። |
| 23. | ድኻ እናለመነ ይዛረብ፡ ሃብታም ግና ብትሪ ይመልስ። |
| 24. | ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይተፍእ፡ ግናኸ ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ ኣሎ። |
| ← Proverbs (18/31) → |