Proverbs (16/31)  

1. ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳሉ፡ መልሓስ እትመልሶ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
2. ሰብሲ ዂሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንጹህ እዩ፡ መናፍስቲ ዚመዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ።
3. ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ፡ ሽዑ ሓሳባትካ ኪቐውም እዩ።
4. እግዚኣብሄር ዂሉ ንምዱብ ነገር፡ ከምኡውን ንረሲእ ንመዓልቲ ሕሰም ፈጠሮ።
5. ብልቡ ዚዕበ ዘበለ ዂሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ፡ ኢድ ብኢድ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።
6. ብምሕረትን ብሓቅን ስሬት ኣበሳ ይርከብ፡ ሰብውን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ካብ እከይ ይርሕቕ።
7. እግዚኣብሄር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ፡ ነቶም ጸላእቱ እኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም።
8. ካብ ብዙሕ እቶም ምስ ዓመጻ፡ ሒደት ምስ ጽድቂ ይሐይሽ።
9. ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጒምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ።
10. ኣብ ከናፍር ንጉስሲ ንግራት ኣምላኽ ኣሎ፡ ኣፉ ብፍርዲ ኣይጋገን።
11. ሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣብ ከረጺት ዘሎ ዂሉ መምዘኒ ኸኣ ተግባሩ እዩ።
12. ዝፋን ብጽድቂ እዩ ዚጸንዕ እሞ፡ ነገስታት ንረሲእነት ይፍንፍንዎ።
13. ጻድቃን ከናፍር ንነገስታት የሐጒሳኦም ነቲ ቕንዕና ዚዛረብውን የፍቕርዎ።
14. ቊጥዓ ንጉስሲ ልኡኽ ሞት እዩ፡ ጥበበኛ ሰብ ግና የህድኦ።
15. ገጽ ንጉስ እንተ በርሄ፡ ህይወት እዩ፡ ሞገስ ኸኣ ከም ደበና ጽብሓት እዩ።
16. ካብ ምጥራይ ወርቂ ኽንደይ ኰን ምጥራይ ጥበብ ይበልጽ። ካብ ምጥራይ ብሩርሲ ምጥራይ ምስትውዓል ክንደይ ኰን ይኸብር።
17. ጐደና እቶም ቅኑዓት ካብ እከይ ምርሓቕ እዩ፡ እቲ ንመገዱ ዚጥንቀቐላ ንነፍሱ ይሕልዋ።
18. ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ፡ ንውድቀት ከኣ ኲርዓት።
19. ምስቶም ዕቡያት ዘመተ ኻብ ምክፋልሲ፡ ምስቶም መሳኪን ደኣ ብመንፈስ ትሑት ምዃን ይሐይሽ።
20. ነቲ ቓል ዜቕልበሉ ሰናይ ይረክብ፡ ብእግዚኣብሄር ዚእመን ከኣ ብጹእ እዩ።
21. ጥበበኛ ዝልቡ መስተውዓሊ ይበሀል፡ ጣዕሚ ኸናፍር ከኣ ትምህርቲ ይውስኽ።
22. ምስትውዓል ንዘጥርያ ሰብ ፈልፋሊት ህይወት እያ፡ ዕሽነት ግና ነቶም ዓያሱ ቕጽዓቶም እያ።
23. ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ፡ ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸን።
24. ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ፡ ንነፍሲ ጥዑም፡ ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ።
25. ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ።
26. ኣፉ ይድርኾ እዩ እሞ፡ ጥሜት እቲ ዓያዪ ስሌኡ ኢሉ ይዐዪ።
27. ሕሱም ሰብ እከይ ይዂዕት፡ ኣብ ከናፍሩ ኸኣ ከም ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ።
28. ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕ፡ ሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።
29. ግፍዔኛ ሰብ ንብጻዩ ይሐባብሎ እሞ ሰናይ ናብ ዘይኰነት መገዲ ይመርሖ።
30. በዒንቱ ዚጠቅስ ሓሳባቱ ጠዋይ እዩ፡ ከናፍሩ ዚርምጥጥ ከኣ ነቲ ኽፍኣት ፈጺምዎ እዩ።
31. ሸያብ ጸጒሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ።
32. ንዂራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ፡ ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ከኣ መንፈሱ ዚገዝእ ይብለጽ።
33. ዕጭ ናብ ሕቚፊ እዮም ዜውድቑ፡ ንመንኮን ዚበጽሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዚምድቦ።

  Proverbs (16/31)