Proverbs (15/31)  

1. ልኡም ምላሽ ንቑጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኲራ የልዕል።
2. ልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይፍልፍል።
3. ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኲሉ ስፍራ እየን፡ ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም።
4. ልዝብቲ ልሳን ኦም ህይወት እያ፡ ቄናን ልሳን ግና ንመንፈስ ትሰብሮ።
5. ዓሻ ንተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቆ፡ ዘለፋ ዚቕበል ግና ኣእምሮኛ ይኸውን።
6. ኣብ ቤት ጻድቕ ብዙሕ መዝገብ ኣሎ፡ ኣብ እቶም ረሲኣን ግና ህውከት ኣሎ።
7. ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዝርግሓ፡ ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ኣይከምኡን እዩ።
8. መስዋእቲ ረሲኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ፡ ጸሎት ቅኑዓት ግና ባህ የብሎ።
9. እግዚኣብሄር ንመገዲ ረሲኣን ይፍንፍኖ፡ ጽድቂ ንዚስዕቡ ግና የፍቅሮ።
10. መገዲ ንዚሐድግ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ይወርዶ፡ ተግሳጽ ዚጸልእ ከኣ ይመውት።
11. ሲኦልን መዓሙቚን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እዩ፡ ልቢ ደቂ ሰብ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ።
12. መላገጺ ተግሳጽ ኣይፈቱን፡ ናብ ጠቢባን ኣይከይድን።
13. ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር።
14. ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ።
15. ኲለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፋኣት እየን፡ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኲሉ ግዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ።
16. ካብ ዓብዪ መዝገብ ምስ ህውከትሲ፡ ሒደት ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሐይሽ።
17. ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ፡ ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ።
18. ኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕል፡ ዓቃል ግና ባእሲ የህድእ።
19. ጐደና ሃካይ ከም ሓጹር እሾኲ እዩ፡ መገዲ ቕኑዓት ግና እተደላደለት እያ።
20. ጥበበኛ ውሉድ ነቦኡ የሐጒሶ፡ ዓሻ ሰብ ግና ንወላዲቱ ይንዕቃ።
21. ዕሽነት ነቲ ልቢ ዜብሉ ሰብ ደስታ እዩ፡ ለባም ግና ትኽ ኢሉ ይኸይድ።
22. ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ፡ ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን፡ ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ።
23. ሰብ ብምላሽ ኣፉ ይሕጐስ፡ እወ፡ ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ።
24. ለባም ሰብ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ኪርሕቕሲ፡ መገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ።
25. እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት ይምሕዎ፡ ንዶብ መበለት ግና የቚሞ።
26. እኩይ ሓሳባት ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ፡ ልኡም ቃላት ግና ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ እዩ።
27. እቲ ረብሓ ዚሀርፍ ንቤቱ ይህውኻ፡ መማለጃ ዚጸልእ ግና ብህይወት ይነብር።
28. ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ሕሰም ይፍልፍል።
29. እግዚኣብሄር ነቶም ረሲኣን ርሑቖም እዩ፡ ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ።
30. ብሩህ ቈላሕታ ንልቢ የሐጒሶ፡ ብስራይ ነዕጽምቲ የስብሖ።
31. እታ ናብ ህይወት ዚመርሕ ተግሳጽ እትሰምዕ እዝኒ ኣብ ማእከል ጠቢባን ትነብር።
32. እቲ ተግሳጽ ዚኣቢ ንነፍሱ ይንዕቃ፡ ዘለፋ ዚሰምዕ ግና ይልብም።
33. ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ፡ ንኽብረት ከኣ ትሕትና ትቕድማ።

  Proverbs (15/31)