| ← Proverbs (15/31) → |
| 1. | ልኡም ምላሽ ንቑጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኲራ የልዕል። |
| 2. | ልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይፍልፍል። |
| 3. | ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኲሉ ስፍራ እየን፡ ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም። |
| 4. | ልዝብቲ ልሳን ኦም ህይወት እያ፡ ቄናን ልሳን ግና ንመንፈስ ትሰብሮ። |
| 5. | ዓሻ ንተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቆ፡ ዘለፋ ዚቕበል ግና ኣእምሮኛ ይኸውን። |
| 6. | ኣብ ቤት ጻድቕ ብዙሕ መዝገብ ኣሎ፡ ኣብ እቶም ረሲኣን ግና ህውከት ኣሎ። |
| 7. | ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዝርግሓ፡ ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ኣይከምኡን እዩ። |
| 8. | መስዋእቲ ረሲኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ፡ ጸሎት ቅኑዓት ግና ባህ የብሎ። |
| 9. | እግዚኣብሄር ንመገዲ ረሲኣን ይፍንፍኖ፡ ጽድቂ ንዚስዕቡ ግና የፍቅሮ። |
| 10. | መገዲ ንዚሐድግ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ይወርዶ፡ ተግሳጽ ዚጸልእ ከኣ ይመውት። |
| 11. | ሲኦልን መዓሙቚን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እዩ፡ ልቢ ደቂ ሰብ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ። |
| 12. | መላገጺ ተግሳጽ ኣይፈቱን፡ ናብ ጠቢባን ኣይከይድን። |
| 13. | ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር። |
| 14. | ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ። |
| 15. | ኲለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፋኣት እየን፡ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኲሉ ግዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ። |
| 16. | ካብ ዓብዪ መዝገብ ምስ ህውከትሲ፡ ሒደት ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሐይሽ። |
| 17. | ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ፡ ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ። |
| 18. | ኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕል፡ ዓቃል ግና ባእሲ የህድእ። |
| 19. | ጐደና ሃካይ ከም ሓጹር እሾኲ እዩ፡ መገዲ ቕኑዓት ግና እተደላደለት እያ። |
| 20. | ጥበበኛ ውሉድ ነቦኡ የሐጒሶ፡ ዓሻ ሰብ ግና ንወላዲቱ ይንዕቃ። |
| 21. | ዕሽነት ነቲ ልቢ ዜብሉ ሰብ ደስታ እዩ፡ ለባም ግና ትኽ ኢሉ ይኸይድ። |
| 22. | ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ፡ ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን፡ ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ። |
| 23. | ሰብ ብምላሽ ኣፉ ይሕጐስ፡ እወ፡ ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ። |
| 24. | ለባም ሰብ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ኪርሕቕሲ፡ መገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ። |
| 25. | እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት ይምሕዎ፡ ንዶብ መበለት ግና የቚሞ። |
| 26. | እኩይ ሓሳባት ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ፡ ልኡም ቃላት ግና ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ እዩ። |
| 27. | እቲ ረብሓ ዚሀርፍ ንቤቱ ይህውኻ፡ መማለጃ ዚጸልእ ግና ብህይወት ይነብር። |
| 28. | ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ሕሰም ይፍልፍል። |
| 29. | እግዚኣብሄር ነቶም ረሲኣን ርሑቖም እዩ፡ ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ። |
| 30. | ብሩህ ቈላሕታ ንልቢ የሐጒሶ፡ ብስራይ ነዕጽምቲ የስብሖ። |
| 31. | እታ ናብ ህይወት ዚመርሕ ተግሳጽ እትሰምዕ እዝኒ ኣብ ማእከል ጠቢባን ትነብር። |
| 32. | እቲ ተግሳጽ ዚኣቢ ንነፍሱ ይንዕቃ፡ ዘለፋ ዚሰምዕ ግና ይልብም። |
| 33. | ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ፡ ንኽብረት ከኣ ትሕትና ትቕድማ። |
| ← Proverbs (15/31) → |