| ← Proverbs (14/31) → |
| 1. | ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽ፡ ዓሻ ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ። |
| 2. | ብቕንዕናኡ ዚመላለስ ንእግዚኣብሄር ይፈርሆ፡ መገዱ ዜጐብጥ ግና ይንዕቆ። |
| 3. | ኣብ ኣፍ ዓሻ ሸቦጥ ትዕቢት ኣሎ፡ ንጠቢባን ግና ከናፍሮም ይሕልዎም። |
| 4. | ብዕራይ ኣብ ዜብሉ መብልዕ ማል ጥራዩ እዩ፡ ብዙሕ ሲሳይ ግና ብሓይሉ ብዕራይ እዩ። |
| 5. | እሙን ምስክር ኣይሕሱን፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሶት የውስእ። |
| 6. | መላገጺ ንጥበብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን። ነእምሮኛ ግና ፍልጠት ኣይሽግርን። |
| 7. | ካብ ዓሻ ርሐቕ፡ ኣብኡ ኸናፍር ፍልጠት ኣይክትረክብን ኢኻ። |
| 8. | ጥበብ እቲ ለባምሲ መገዱ ምፍላጥ እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ጥበራ እዩ። |
| 9. | እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩ፡ ኣብ ምእከል እቶም ቅኑዓት ግና ጽቡቕ ፍቓድ ኣሎ። |
| 10. | ልቢ ንምረቱ ባዕሉ ይፈልጦ፡ ኣብ ሓጐሱ ኸኣ ጓና ኣይሕወሰን። |
| 11. | ቤት ረሲኣን ይዐኑ፡ ድናኳን ቅኑዓት ግና ይዕምብብ። |
| 12. | ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ። |
| 13. | ልቢ እናሰሐቕካውን ይጒሂ እዩ፡ መወዳእታ ሓጐስ ከኣ ሓዘን እዩ። |
| 14. | እቲ ብልቡ ዚዐሉ ብመገዱ ይጸግብ፡ ደጊ ሰብ ድማ ካብ ርእሱ እዩ። |
| 15. | ገርሂ ሰብ ንዂሉ ቓል ይኣንም፡ ለባም ግና ንስጒምቲ ይጥንቀቐለን። |
| 16. | ጠቢብ ይፈርህ ካብ እከይ ድማ ይርሕቕ፡ ዓሻ ግና ደፋርን ኣማኒ ርእሱን እዩ። |
| 17. | ኰራዪ ሰብ ዕሽነት ይገብር፡ ተንኰለኛ ኸኣ ይጽላእ። |
| 18. | እቶም ደናቚርቲ ዕሽነት ይርስተዩ፡ ለባማት ግና ፍልጠት ዘውዶም እዩ። |
| 19. | እቶም እኩያት ኣብ ቅድሚ ሰናያት፡ ረሲኣን ከኣ ኣብ ደጌታት ጻድቃን ይደኑ። |
| 20. | ንድኻ ብጻዩ እኳ ይጸልኦ፡ ፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም። |
| 21. | እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ሓጢኣት ይገብር፡ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ግና ብጹእ እዩ። |
| 22. | እቶም እከይ ዚሐስቡ ኣይጋገዩንዶ እዮም ምሕረትን ሓቅን ግና ነቶም ሰናይ ዚሐስቡ እዩ። |
| 23. | ኣብ ዕዮ ዘበለ ረብሓ ኣሎ፡ ዘረባ ኸናፍር ግና ናብ ስእነት ጥራይ የብጽሕ። |
| 24. | ሃብቲ ንጠቢባን ዘውዶም እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ኲሉ ጊዜ ዕሽነት እዩ። |
| 25. | ሓቀኛ ምስክር ነፍሳት የድሕን፡ ሓሶት ዚዛረብ ግና ምጥባር ጥራይ እዩ። |
| 26. | ጽኑዕ እሙንቶ ኣብ ምፍራህ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንደቁ ኸኣ ጸግዒ ይዀኖም። |
| 27. | ካብ ወጽመድ ሞት ከተምልጥሲ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ። |
| 28. | ምብዛሕ ህዝቢ ኽብሪ ንጉስ እዩ፡ ምውሓድ ህዝቢ ግና ጥፍኣት መስፍን እዩ። |
| 29. | እቲ ንዂራ ደንጓዪ ብዙሕ ኣእምሮ ኣለዎ፡ ኰራዪ ግና ዕሽነት ይገልጽ። |
| 30. | ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ፡ ቅንኢ ግና ነዕጽምቲ ቚንቊኔኡ እዩ። |
| 31. | እቲ ንድኻ ዚጭቊን ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ንስኡን ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮ። |
| 32. | ረሲእ ብእከዩ ይግምጠል፡ ጻድቕ ግና ኣብ ሞት እኳ ጸግዒ ኣለዎ። |
| 33. | ጥበብ ኣብ ልቢ ኣእምሮኛ ትሐድር፡ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ ዘሎ ግና ይግለጽ። |
| 34. | ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል ይብሎ፡ ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝብታት እዩ። |
| 35. | ሞገስ ንጉስ ንለባም ጊልያ እዩ፡ ቊጥዓኡ ግና ነቲ ዜነውር እዩ። |
| ← Proverbs (14/31) → |