Proverbs (14/31)  

1. ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽ፡ ዓሻ ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ።
2. ብቕንዕናኡ ዚመላለስ ንእግዚኣብሄር ይፈርሆ፡ መገዱ ዜጐብጥ ግና ይንዕቆ።
3. ኣብ ኣፍ ዓሻ ሸቦጥ ትዕቢት ኣሎ፡ ንጠቢባን ግና ከናፍሮም ይሕልዎም።
4. ብዕራይ ኣብ ዜብሉ መብልዕ ማል ጥራዩ እዩ፡ ብዙሕ ሲሳይ ግና ብሓይሉ ብዕራይ እዩ።
5. እሙን ምስክር ኣይሕሱን፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሶት የውስእ።
6. መላገጺ ንጥበብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን። ነእምሮኛ ግና ፍልጠት ኣይሽግርን።
7. ካብ ዓሻ ርሐቕ፡ ኣብኡ ኸናፍር ፍልጠት ኣይክትረክብን ኢኻ።
8. ጥበብ እቲ ለባምሲ መገዱ ምፍላጥ እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ጥበራ እዩ።
9. እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩ፡ ኣብ ምእከል እቶም ቅኑዓት ግና ጽቡቕ ፍቓድ ኣሎ።
10. ልቢ ንምረቱ ባዕሉ ይፈልጦ፡ ኣብ ሓጐሱ ኸኣ ጓና ኣይሕወሰን።
11. ቤት ረሲኣን ይዐኑ፡ ድናኳን ቅኑዓት ግና ይዕምብብ።
12. ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ።
13. ልቢ እናሰሐቕካውን ይጒሂ እዩ፡ መወዳእታ ሓጐስ ከኣ ሓዘን እዩ።
14. እቲ ብልቡ ዚዐሉ ብመገዱ ይጸግብ፡ ደጊ ሰብ ድማ ካብ ርእሱ እዩ።
15. ገርሂ ሰብ ንዂሉ ቓል ይኣንም፡ ለባም ግና ንስጒምቲ ይጥንቀቐለን።
16. ጠቢብ ይፈርህ ካብ እከይ ድማ ይርሕቕ፡ ዓሻ ግና ደፋርን ኣማኒ ርእሱን እዩ።
17. ኰራዪ ሰብ ዕሽነት ይገብር፡ ተንኰለኛ ኸኣ ይጽላእ።
18. እቶም ደናቚርቲ ዕሽነት ይርስተዩ፡ ለባማት ግና ፍልጠት ዘውዶም እዩ።
19. እቶም እኩያት ኣብ ቅድሚ ሰናያት፡ ረሲኣን ከኣ ኣብ ደጌታት ጻድቃን ይደኑ።
20. ንድኻ ብጻዩ እኳ ይጸልኦ፡ ፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም።
21. እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ሓጢኣት ይገብር፡ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ግና ብጹእ እዩ።
22. እቶም እከይ ዚሐስቡ ኣይጋገዩንዶ እዮም ምሕረትን ሓቅን ግና ነቶም ሰናይ ዚሐስቡ እዩ።
23. ኣብ ዕዮ ዘበለ ረብሓ ኣሎ፡ ዘረባ ኸናፍር ግና ናብ ስእነት ጥራይ የብጽሕ።
24. ሃብቲ ንጠቢባን ዘውዶም እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ኲሉ ጊዜ ዕሽነት እዩ።
25. ሓቀኛ ምስክር ነፍሳት የድሕን፡ ሓሶት ዚዛረብ ግና ምጥባር ጥራይ እዩ።
26. ጽኑዕ እሙንቶ ኣብ ምፍራህ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንደቁ ኸኣ ጸግዒ ይዀኖም።
27. ካብ ወጽመድ ሞት ከተምልጥሲ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ።
28. ምብዛሕ ህዝቢ ኽብሪ ንጉስ እዩ፡ ምውሓድ ህዝቢ ግና ጥፍኣት መስፍን እዩ።
29. እቲ ንዂራ ደንጓዪ ብዙሕ ኣእምሮ ኣለዎ፡ ኰራዪ ግና ዕሽነት ይገልጽ።
30. ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ፡ ቅንኢ ግና ነዕጽምቲ ቚንቊኔኡ እዩ።
31. እቲ ንድኻ ዚጭቊን ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ንስኡን ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮ።
32. ረሲእ ብእከዩ ይግምጠል፡ ጻድቕ ግና ኣብ ሞት እኳ ጸግዒ ኣለዎ።
33. ጥበብ ኣብ ልቢ ኣእምሮኛ ትሐድር፡ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ ዘሎ ግና ይግለጽ።
34. ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል ይብሎ፡ ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝብታት እዩ።
35. ሞገስ ንጉስ ንለባም ጊልያ እዩ፡ ቊጥዓኡ ግና ነቲ ዜነውር እዩ።

  Proverbs (14/31)