| ← Proverbs (13/31) → |
| 1. | ለባም ውሉድ ተግሳጽ ኣቦኡ ይሰምዕ፡ መላገጺ ግና መግናሕቲ ኣይሰምዕን። |
| 2. | ሰብ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ይስሰ፡ ነፍሲ እቶም ጠለምቲ ግና ግፍዒ ትምገብ። |
| 3. | ኣፉ ዚሕሉ ህይወቱ ይባልህ፡ ከናፍሩ ጋህ ዜብል ግና ጥፍኣት ይረኽቦ። |
| 4. | ነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል እሞ ገለ ኣይትረድብን፡ ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ። |
| 5. | ጻድቕ ንዘረባ ሓሶት ይጸልኦ፡ ረሲእ ግና ይንውርን የነውርን። |
| 6. | ጽድቂ ነቲ ብመገዱ ቕኑዕ ዝዀነ ትሕልዎ፡ ረሲእነት ግና ንሓጥእ የውድቖ። |
| 7. | ገለ ዜብሉስ ንርእሱ ሃብታም ዜምስል ኣሎ፡ ብዙሕ ገንዘብ ከለዎስ፡ ንርእሱ ድኻ ዜምስል ኣሎ። |
| 8. | ሃብታም ብገንዘቡ ንህትይወቱ ይብጀዋ፡ ድኻ ግና ዜፈራርሆ የብሉን። |
| 9. | ብርሃን ጻድቃን ሕጉስ እዩ፡ መብራህቲ ረሲኣን ግና ኪጠፍእ እዩ። |
| 10. | ካብ ትዕቢት ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ እያ። |
| 11. | ብኸምኡ እተረኽበ ገንዘብ እንጐደለ ይኸይድ፡ ብኢድ ዚእከብ ግና እናበዝሔ ይኸይድ። |
| 12. | ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ፡ እተፈጸመ ድሌት ግና ኦም ህይወት እዩ። |
| 13. | ነቲ ቓል ዚንዕቆ ንነፍሱ የጥፍኣ፡ ነቲ ትእዛዝ ዚፈርሆ ግና ኪከሐስ እዩ። |
| 14. | ካብ ወጽመድ ሞት ምእንቲ ኸተምልጥሲ፡ ሕጊ ጠቢብ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ። |
| 15. | ጽቡቕ ምስትውዓል ሞገስ ይህብ፡ መገዲ ጠለምቲ ግና ተራፍ እያ። |
| 16. | ኣእምሮኛ ሰብ ብምስትውዓል ይዐዪ፡ ዓሻ ግና ዕሽነት ይዝርግሕ። |
| 17. | ረሲእ ልእኽ ኣብ እከይ ይወድቕ፡ እሙን መልእኽተኛ ግና ጥዕና እዩ። |
| 18. | ነቲ ተግሳጽ ዘይቕበል ሰብ ድኽነት ነውርን ይጸንሖ፡ መግናሕቲ ዚቕበል ግና ይኸብር። |
| 19. | እተፈጸመ ድሌት ንነፍሲ ጥዑም እዩ፡ ዓያሱ ግና ካብ እከይ ምርሓቕ ጽያፎም እዩ። |
| 20. | ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን። |
| 21. | ንሓጥኣን ሕሰም የባርሮም፡ ጻድቃን ግና ብሰናይ ይፍደዩ። |
| 22. | ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ። |
| 23. | ድኻታት ዝሐረስዎ በዱ ብዙሕ ሲሳይ ይርከቦ፡ ሰኣን ቅንዕና ዚጠፍኡ ግና ኣለው። |
| 24. | ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ። |
| 25. | ጻድቕ ክሳዕ ዚጸግብ ይበልዕ፡ ከብዲ ሓጥኣን ግና ይጠሚ። |
| ← Proverbs (13/31) → |