| ← Proverbs (12/31) → |
| 1. | ተግሳጽ ዚፈቱ ፍልጠት ይፈቱ፡ መቕጻዕቲ ዚጸልእ ግና ዓሻ እዩ። |
| 2. | ደጊ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ሞገስ ይቕበል፡ ንተንኰለኛ ግና ይዂንኖ። |
| 3. | ሳላ ረሲእነት ዚቐውም ሰብ የልቦን፡ ሱር እቶም ጻድቃን ግና ምንቕ ኣይብልን። |
| 4. | ደጊ ሰበይቲ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፡ እታ እተነውር ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቊንቊነ እያ። |
| 5. | ሓሳብ ጻድቃን ቅኑዕ እዩ፡ ምኽሪ ረሲኣን ግና ጥበራ እዩ። |
| 6. | ዘረባ ረሲኣን ንምፍሳስ ደም የድቢ፡ ኣፍ እቶም ቅኑዓት ግና የድሕኖም። |
| 7. | እቶም ረሲኣን ይግልበጡ እሞ ኣይርከቡን፡ ቤት ጻድቃን ግና ይቐውም። |
| 8. | ሰብኣይ ብመጠን ፍልጠቱ እዩ ዚነኣድ፡ ቄናን ዝልቡ ግና ይንዐቕ። |
| 9. | ካብቲ እንጌራ ዜብሉ ኽብረት ዚደልስ፡ እቲ ዘይምርኡይን ሓደ ግዙእ ዘለዎን ይሐይሽ። |
| 10. | ጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ጨካን እዩ። |
| 11. | ምድሪ ዚወላውል ሰብ እንጌራ ይጸግብ፡ ንኸንቱነት ዚኽተል ግና ኣእምሮ የብሉን። |
| 12. | ረሲእ ነቲ ወጽመድ እኩያት ሃረር ይብሎ፡ ሱር ጻድቃን ግና ፍረ ይህብ። |
| 13. | እኩይ ሰብ ብሓጢኣት ከናፍሩ ይጥለፍ፡ ጻድቕ ግና ካብ መከራ ይመሉቕ። |
| 14. | ሰብ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ይጸግብ፡ ከም ተግባር ኣእዳው ኸኣ ኪፍደ እዩ። |
| 15. | እቲ ዓሻ፡ መገዱ ኣብ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ፡ ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ። |
| 16. | ኲራ ዓሻ ብኡብኡ ይፍለጥ፡ ለባም ሰብ ግና ጸርፊ ይሐብእ። |
| 17. | ሓቂ ዚዛረብ ቅንዕና የውሪ፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ጥበራ። |
| 18. | ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ ኣሎ፡ መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ። |
| 19. | ሓቀኛ ኸንፈር ንሓዋሩ ትነብር፡ ሓሳዊት መልሓስ ግና ንቕጽበት ዓይኒ ጥራይ እያ። |
| 20. | እቶም እከይ ዚሐስቡ ኣብ ልቦም ጥልመት ኣሎ፡ እቶም ሰላም ዚመኽሩ ግና ደስታ ኣለዎም። |
| 21. | ንጻድቕ ገለ ኽፋእ ኣይረኽቦን፡ ረሲኣን ግና ሕሰም መሊእዎም እዩ። |
| 22. | ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋናት እየን፡ እቶም ሓቂ ዚገብሩ ግና የሐጒስዎ። |
| 23. | ለባም ሰብ ፍልጠቱ ይሐብእ፡ ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ዕሽነት የውሪ። |
| 24. | ኢድ ትጉሃት ክትገዝእ እያ፡ እታ ሃካይ ግና ክትግብር እያ። |
| 25. | እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ፡ ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ። |
| 26. | ጻድቕ ንብጻዩ መገዲ ይሕብሮ፡ ንረሲኣን ግና መገዶም ተጋግዮም። |
| 27. | ሃካይ ነቲ ዝሀደኖ ኣይጠብሶን፡ ትግሃት ግና ንሰብ ክቡር ገንዘብ እያ። |
| 28. | ኣብ መገዲ ጽድቂ ህይወት ኣላ፡ ኣብ መተሓላለፊኣ ኸኣ ሞት የልቦን። |
| ← Proverbs (12/31) → |