Proverbs (11/31)  

1. ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ፡ ቅኑዕ ሚዛን ግና ባህ የብሎ።
2. ትዕቢት እንተ መጸ፡ ውርደት ከኣ ይመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ።
3. ነቶም ቅኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም፡ ነቶም ጠለምቲ ግና ልግሞም የጥፍኦም።
4. ብመዓልቲ ቚጥዓ ሃብቲ ኣይጠቅምን፡ ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ።
5. ንፍጹም ሰብ እቲ ጽድቁ መገዱ የቕንዓሉ፡ ንረሲእ ግና ረሲእነቱ የውድቖ።
6. ነቶም ቅኑዓት ጽድቆም የናግፎም፡ ነቶም ጠለምቲ ግና ክፍኣቶም ይሕዞም።
7. ረሲእ እንተ ሞተ፡ ተስፋኡ ይጠፍእ፡ ትጽቢት ክፋኣትውን ይጠፍእ።
8. ጻድቕ ካብ ጸበባ ይድሕን፡ ረሲእ ድማ ኣብ ክንዳኡ ይኸውን።
9. እቲ ግቡዝ ንብጻዩ ብኣፉ የጥፍኦ፡ ጻድቃን ግና ሳላ ፍልጠት ይናገፉ።
10. ጻድቃን ጽቡቕ እንተ ረኸቡ፡ ከተማ ትሕጐስ፡ ረሲኣን እንተ ጠፍኡ ኸኣ እልልታ ይኸውን።
11. ከተማ ሳላ በረኸት ቅኑዓት ልዕል ትብል፡ ብኣፍ ረሲኣን ግና ትግልበጥ።
12. እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ኣእምሮ የብሉን፡ ለባም ግና ስቕ ይብል።
13. እናመሐየ ዚዘውርሲ ምስጢር ይቐልዕ፡ እቲ እሙን ልቢ ዘለዎ ግና ንነገር ይስውሮ።
14. ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕ፡ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ።
15. ንጓና ዚወሐስ መከራ ይመጾ። ውሕስነት ዚጸልእ ግና ህዱእ እዩ።
16. ውቅብቲ ሰበይቲ ኽብረት ትረክብ፡ ሓያላት ከኣ ሃብቲ ይረኽቡ።
17. ርሕሩሕ ሰብ ንነፍሱ ጽቡቕ ይገብረላ፡ ጨካን ግና ንብገዛእ ስጋኡ ይጐድኦ።
18. ረሲእ ዜታልሎ እቶት የእቱ፡ ጽድቂ ዚዘርእ ግና ኡነተኛ ውሬታ ኣለዎ።
19. ጽድቂ ናብ ህይወት ይመርሕ፡ ንኽፋእ ዚስዕብ ግና ሞት የዳሉ።
20. እቶም ጠዋይ ዝልቦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋናት እዮም፡ እቶም ብመገዶም ፍጹማት ግና የሐጒስዎ።
21. ኢድ ንኢድ፡ እቲ ሕሱም ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ ዘርኢ ጻድቃን ግና ኬምልጡ እዮም።
22. መልክዔኛ ሰበይቲ ብዘይ ኣእምሮስ፡ ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ እተሰቚረ ቐለቤት ወርቂ እያ።
23. ድልየት ጻድቃን ሰናይ ጥራይ እዩ፡ ትጽቢት ረሲኣን ግና መዓት እዩ።
24. ገለ ይብትን እሞ ይውስኸሉ። ገለ ኸኣ ብዘይግባእ ይቚጥብ፡ ኣዝዩ ኸኣ ይነዲ።
25. ለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ፡ እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ።
26. ነቲ እኽሊ ዚዐቊር ሰብ ህዝቢ ይረግሞ፡ በረኸት ግና ኣብ ርእሲ እቲ እኽሉ ዚሸይጥ ይዐስል።
27. ሰናይ ዚደሊ ሞገስ ይደሊ፡ እከይ ዚደሊ ግና ኪመጾ እዩ።
28. ብሃብቱ ዚእመን ይወድቕ፡ ጻድቃን ግና ከም ቈጽሊ ይልምልሙ።
29. እቲ ንቤቱ ዚገላብጥሲ ንፋስ ይወርስ፡ ዓሻ ኸኣ ነቲ ጥበበኛ ዝልቡ ባርያኡ ይኸውን።
30. ፍረ ጻድቕ ኦም ህይወት እዩ። ጥበበኛ ኸኣ ነፍሳት ይረብሕ።
31. እንሆ፡ እቲ ጻድቕሲ ኢዱ ኣብ ምድሪ ይፍደ፡ እቲ ረሲእን ሓጥእን ደኣ ኽንደይ ዝገደደ።

  Proverbs (11/31)