| ← Proverbs (11/31) → |
| 1. | ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፋን እዩ፡ ቅኑዕ ሚዛን ግና ባህ የብሎ። |
| 2. | ትዕቢት እንተ መጸ፡ ውርደት ከኣ ይመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ። |
| 3. | ነቶም ቅኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም፡ ነቶም ጠለምቲ ግና ልግሞም የጥፍኦም። |
| 4. | ብመዓልቲ ቚጥዓ ሃብቲ ኣይጠቅምን፡ ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ። |
| 5. | ንፍጹም ሰብ እቲ ጽድቁ መገዱ የቕንዓሉ፡ ንረሲእ ግና ረሲእነቱ የውድቖ። |
| 6. | ነቶም ቅኑዓት ጽድቆም የናግፎም፡ ነቶም ጠለምቲ ግና ክፍኣቶም ይሕዞም። |
| 7. | ረሲእ እንተ ሞተ፡ ተስፋኡ ይጠፍእ፡ ትጽቢት ክፋኣትውን ይጠፍእ። |
| 8. | ጻድቕ ካብ ጸበባ ይድሕን፡ ረሲእ ድማ ኣብ ክንዳኡ ይኸውን። |
| 9. | እቲ ግቡዝ ንብጻዩ ብኣፉ የጥፍኦ፡ ጻድቃን ግና ሳላ ፍልጠት ይናገፉ። |
| 10. | ጻድቃን ጽቡቕ እንተ ረኸቡ፡ ከተማ ትሕጐስ፡ ረሲኣን እንተ ጠፍኡ ኸኣ እልልታ ይኸውን። |
| 11. | ከተማ ሳላ በረኸት ቅኑዓት ልዕል ትብል፡ ብኣፍ ረሲኣን ግና ትግልበጥ። |
| 12. | እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ኣእምሮ የብሉን፡ ለባም ግና ስቕ ይብል። |
| 13. | እናመሐየ ዚዘውርሲ ምስጢር ይቐልዕ፡ እቲ እሙን ልቢ ዘለዎ ግና ንነገር ይስውሮ። |
| 14. | ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕ፡ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ። |
| 15. | ንጓና ዚወሐስ መከራ ይመጾ። ውሕስነት ዚጸልእ ግና ህዱእ እዩ። |
| 16. | ውቅብቲ ሰበይቲ ኽብረት ትረክብ፡ ሓያላት ከኣ ሃብቲ ይረኽቡ። |
| 17. | ርሕሩሕ ሰብ ንነፍሱ ጽቡቕ ይገብረላ፡ ጨካን ግና ንብገዛእ ስጋኡ ይጐድኦ። |
| 18. | ረሲእ ዜታልሎ እቶት የእቱ፡ ጽድቂ ዚዘርእ ግና ኡነተኛ ውሬታ ኣለዎ። |
| 19. | ጽድቂ ናብ ህይወት ይመርሕ፡ ንኽፋእ ዚስዕብ ግና ሞት የዳሉ። |
| 20. | እቶም ጠዋይ ዝልቦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፋናት እዮም፡ እቶም ብመገዶም ፍጹማት ግና የሐጒስዎ። |
| 21. | ኢድ ንኢድ፡ እቲ ሕሱም ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ ዘርኢ ጻድቃን ግና ኬምልጡ እዮም። |
| 22. | መልክዔኛ ሰበይቲ ብዘይ ኣእምሮስ፡ ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ እተሰቚረ ቐለቤት ወርቂ እያ። |
| 23. | ድልየት ጻድቃን ሰናይ ጥራይ እዩ፡ ትጽቢት ረሲኣን ግና መዓት እዩ። |
| 24. | ገለ ይብትን እሞ ይውስኸሉ። ገለ ኸኣ ብዘይግባእ ይቚጥብ፡ ኣዝዩ ኸኣ ይነዲ። |
| 25. | ለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ፡ እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ። |
| 26. | ነቲ እኽሊ ዚዐቊር ሰብ ህዝቢ ይረግሞ፡ በረኸት ግና ኣብ ርእሲ እቲ እኽሉ ዚሸይጥ ይዐስል። |
| 27. | ሰናይ ዚደሊ ሞገስ ይደሊ፡ እከይ ዚደሊ ግና ኪመጾ እዩ። |
| 28. | ብሃብቱ ዚእመን ይወድቕ፡ ጻድቃን ግና ከም ቈጽሊ ይልምልሙ። |
| 29. | እቲ ንቤቱ ዚገላብጥሲ ንፋስ ይወርስ፡ ዓሻ ኸኣ ነቲ ጥበበኛ ዝልቡ ባርያኡ ይኸውን። |
| 30. | ፍረ ጻድቕ ኦም ህይወት እዩ። ጥበበኛ ኸኣ ነፍሳት ይረብሕ። |
| 31. | እንሆ፡ እቲ ጻድቕሲ ኢዱ ኣብ ምድሪ ይፍደ፡ እቲ ረሲእን ሓጥእን ደኣ ኽንደይ ዝገደደ። |
| ← Proverbs (11/31) → |