| Proverbs (1/31) → |
| 1. | ምስላታት ሰለሞን፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል። |
| 2. | ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ፡ ቃላት ፍልጠት ንምስትውዓል፡ |
| 3. | ዜለብም ተግሳጽን ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን ንምቕባል፡ |
| 4. | ነቶም ገርህታትሲ ጥበብ፡ ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቓቐን ንምሃብ እዩ። |
| 5. | እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቕ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ምኽሪ የጥሪ። |
| 6. | እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቕ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ምኽሪ የጥሪ። |
| 7. | ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀምርያ እያ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ። |
| 8. | ወደየ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኸሳድካ ኸአ ስልማት ድሪ እዩ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ። |
| 9. | ወደየ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኸሳድካ ኸአ ስልማት ድሪ እዩ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ። |
| 10. | ወደየ፡ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፡ ሕራይ ኣይትበሎም። |
| 11. | ንሳቶም እንተ በሉ፡ ምሳና ንዓ፡ ደም ከነፍስስሲ ነድቢ፡ ነቲ ንጹህ ብዘይ ምኽንያት መጻወድያ ነጻውደሉ፡ |
| 12. | ጠሪሶም ናብ ጉድጓድ ከም ዚወርዱ፡ ብህይወቶም ከለው ኸም ሲኦል ዃንና ንውሐጦም። |
| 13. | ክቡር ገንዘብ ዘበለ ኽንረክብ፡ ነባይትና በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልሶ ኢና። |
| 14. | ዕጫኻ ምሳና ኣውድቕ፡ ናይ ኩልና ማሕፋዳ ብሓደ ይኹን፡ እንተ በሉ። |
| 15. | ወደየ፡ ኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጎያ፡ ንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ እየን እሞ፡ መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደአ ኸልክል። |
| 16. | ወደየ፡ ኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጎያ፡ ንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ እየን እሞ፡ መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደአ ኸልክል። |
| 17. | መፈንጠራ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኹለን እተን ኣኽናፍ ዘለወን ብኸንቱ ይጻወድ። |
| 18. | ንሳቶም ግና ንብገዛእ ደሞም የድብይሉ፡ ንብገዛእ ነፍሶም ከአ ውዲት ይገብሩሉ። |
| 19. | መገዲ ነፍሲ ወከፍ ንህርፋን ረብሓ እተዋህበ ኸምዚ እዩ፡ ንሳ ንነፍሲ ውናኣ ተጥፍኣ። |
| 20. | ጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር፡ ኣብ ኣደባባባያት ድምጻ ተስምዕ። |
| 21. | ኣቱም ዓያሱ ክሳዕ መአዝከ ዕሽነት ክትፈትው ኢኹም፡ መላገጽቲ ኸአ ክሳዕ መኣዝላግዚ ባህ ኪብሎም፡ ደናቑርቲውን ፍልጠት ኪጸልኡ እዮም። |
| 22. | ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰት ከፈልፍለልኩም ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ። |
| 23. | ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰት ከፈልፍለልኩም ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ። |
| 24. | ጸዊዔስ እምቢ ስለ ዝበልኩም፡ ኢደይ ዘርጊሔውን ዘስተብሀለ ስለ ዜልቦ፡ |
| 25. | ኤረ ምኽረይ ዘበለ ደአ ኣቤኹም፡ ተግሳጸይ ከኣአ ኣይተቐበልኩምን፡ |
| 26. | ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእ መክራ ኸም ሸምቦባ ኾይኑ ኺበጽሓኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ። |
| 27. | ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእ መክራ ኸም ሸምቦባ ኾይኑ ኺበጽሓኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ። |
| 28. | ሽዑ ናባይ ኪምህለሉ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክምለሰሎምን እየ፡ ኣንጊሆም ኪደልዩኒ፡ ግናኸ ኣይኪረኽቡንን እዮም። |
| 29. | ፍልጠት ስለ ዝጸልኡ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረጹ፡ |
| 30. | ምኽረይ ስለ ዘይፈተው፡ ንኹሉ ተግሳጸይ ስለ ዝነዐቕዎ፡ |
| 31. | ፍረ መገዶም ኪበልዑ፡ ካብቲ ምኽሮም ከአ ኪጸግቡ እዮም። |
| 32. | እወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ኪቕትሎም፡ ነቶም ደናቑርቲ ኸአ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም እዩ። |
| 33. | እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣአ ኪሀድእ እዩ። |
| Proverbs (1/31) → |