Proverbs (1/31)  

1. ምስላታት ሰለሞን፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል።
2. ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ፡ ቃላት ፍልጠት ንምስትውዓል፡
3. ዜለብም ተግሳጽን ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን ንምቕባል፡
4. ነቶም ገርህታትሲ ጥበብ፡ ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቓቐን ንምሃብ እዩ።
5. እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቕ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ምኽሪ የጥሪ።
6. እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቕ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ምኽሪ የጥሪ።
7. ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀምርያ እያ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ።
8. ወደየ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኸሳድካ ኸአ ስልማት ድሪ እዩ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።
9. ወደየ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኸሳድካ ኸአ ስልማት ድሪ እዩ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።
10. ወደየ፡ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፡ ሕራይ ኣይትበሎም።
11. ንሳቶም እንተ በሉ፡ ምሳና ንዓ፡ ደም ከነፍስስሲ ነድቢ፡ ነቲ ንጹህ ብዘይ ምኽንያት መጻወድያ ነጻውደሉ፡
12. ጠሪሶም ናብ ጉድጓድ ከም ዚወርዱ፡ ብህይወቶም ከለው ኸም ሲኦል ዃንና ንውሐጦም።
13. ክቡር ገንዘብ ዘበለ ኽንረክብ፡ ነባይትና በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልሶ ኢና።
14. ዕጫኻ ምሳና ኣውድቕ፡ ናይ ኩልና ማሕፋዳ ብሓደ ይኹን፡ እንተ በሉ።
15. ወደየ፡ ኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጎያ፡ ንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ እየን እሞ፡ መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደአ ኸልክል።
16. ወደየ፡ ኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጎያ፡ ንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ እየን እሞ፡ መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደአ ኸልክል።
17. መፈንጠራ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኹለን እተን ኣኽናፍ ዘለወን ብኸንቱ ይጻወድ።
18. ንሳቶም ግና ንብገዛእ ደሞም የድብይሉ፡ ንብገዛእ ነፍሶም ከአ ውዲት ይገብሩሉ።
19. መገዲ ነፍሲ ወከፍ ንህርፋን ረብሓ እተዋህበ ኸምዚ እዩ፡ ንሳ ንነፍሲ ውናኣ ተጥፍኣ።
20. ጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር፡ ኣብ ኣደባባባያት ድምጻ ተስምዕ።
21. ኣቱም ዓያሱ ክሳዕ መአዝከ ዕሽነት ክትፈትው ኢኹም፡ መላገጽቲ ኸአ ክሳዕ መኣዝላግዚ ባህ ኪብሎም፡ ደናቑርቲውን ፍልጠት ኪጸልኡ እዮም።
22. ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰት ከፈልፍለልኩም ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ።
23. ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰት ከፈልፍለልኩም ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ።
24. ጸዊዔስ እምቢ ስለ ዝበልኩም፡ ኢደይ ዘርጊሔውን ዘስተብሀለ ስለ ዜልቦ፡
25. ኤረ ምኽረይ ዘበለ ደአ ኣቤኹም፡ ተግሳጸይ ከኣአ ኣይተቐበልኩምን፡
26. ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእ መክራ ኸም ሸምቦባ ኾይኑ ኺበጽሓኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ።
27. ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእ መክራ ኸም ሸምቦባ ኾይኑ ኺበጽሓኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ።
28. ሽዑ ናባይ ኪምህለሉ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክምለሰሎምን እየ፡ ኣንጊሆም ኪደልዩኒ፡ ግናኸ ኣይኪረኽቡንን እዮም።
29. ፍልጠት ስለ ዝጸልኡ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረጹ፡
30. ምኽረይ ስለ ዘይፈተው፡ ንኹሉ ተግሳጸይ ስለ ዝነዐቕዎ፡
31. ፍረ መገዶም ኪበልዑ፡ ካብቲ ምኽሮም ከአ ኪጸግቡ እዮም።
32. እወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ኪቕትሎም፡ ነቶም ደናቑርቲ ኸአ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም እዩ።
33. እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣአ ኪሀድእ እዩ።

      Proverbs (1/31)