Philemon (1/1)    

1. ጳውሎስ እሱር ክርስቶስ የሱስ፡ ጢሞቴዎስውን ሓውና፡ ናብቲ ፍቁርን መዓይይትናን ፊልሞን፡
2. ናብ ኣጵያ ሓብትናውን ናብቲ ምሳና ዀይኑ ዚዋጋእ ኣርኪጶስ ከኣ፡ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ማሕበርውን።
3. ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
4. ኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳን ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስን ንዂሎም ቅዱሳንን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዂሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኲሉ ሳዕ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ።
5. ኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳን ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስን ንዂሎም ቅዱሳንን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዂሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኲሉ ሳዕ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ።
6. ኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳን ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስን ንዂሎም ቅዱሳንን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዂሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኲሉ ሳዕ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ።
7. ኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳን ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስን ንዂሎም ቅዱሳንን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዂሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኲሉ ሳዕ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ።
8. ስለዚ እቲ ግቡእ ክእዝዘካ ብክርስቶስ የሱስ ብዙሕ ትብዓት ዘሎኒ ኽነሰይሲ፡
9. ከምዛ ዘሎኽዋ ኣነ ጳውሎስ፡ ኣረጊት፡ ሕጂውን ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ እልምነካ ኣሎኹ።
10. ብዛዕባ እቲ ኣብ መቐውሔይ ኰይኑ ዝወለድክዎ ወደይ ኦኔሲሞስ እልምነካ ኣሎኹ።
11. ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካን፡ ሕጂ ግና ንኣኻን ንኣይን ይጠቕመና እዩ እሞ፡ ናባኻ መሊሰዮ ኣሎኹ።
12. ከም ልበይ ጌርካ ተቐበሎ።
13. ኣነስ እኳ፡ ኣብዚ መቐውሔይ ስለ ወንጌል ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግለኒ፡ ንርእሰይ ከትርፎ ምደሌኹ ነይረ።
14. ግናኸ እቲ ሰናይ ግብርኻ ብፍታው እምበር፡ ከም ብግዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይፈቶኹን።
15. እቲ ንሱ ንሽዑ እተፈልየካ ምናልባሽ ንሓዋሩ ምእንቲ ኽትረኽቦ እዩ ዚኸውን።
16. ደጊምሲ ኻብ ባርያ ዝበለጸ፡ ምናዳ ንኣይ፡ ክንደይ ግዳ ኣብዚሑ ንኣኻ፡ ብስጋን ብጐይታን ከም ፍቁር ሓው ክትረኽቦ እምበር፡ ከም ባርያ ኣይኰነን።
17. እምብኣርሲ ኸም ሓው እትርእየኒ እንተ ዄንካስ፡ ከም ነፍሰይ ጌርካ ተቐበሎ።
18. ግናኸ ገለ በዲሉካ ወይስ ተዐድዩካ እንተ ዀይኑ፡ ኣባይ ቊጸሮ።
19. ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ ጸሐፍክዎ፡ ርእስኻ እኳ ብዓል ዕዳይ ኢኻ ኸይብለካ፡ ኣነ እፈድዮ።
20. እወ፡ ኣታ ሓወየ፡ ኣነ ኻባኻ ብጐይታ እጠቐም፡ ብክርስቶስ ንልበይ ኣቕስነለይ።
21. ሓለፋ እዚ ዝብለካ ዘሎኹ ኸም እትገብር ፈሊጠ፡ ከም እትሰምዓኒውን ኣሚነ እየ እዚ ዝጸሐፍኩልካ።
22. ምስናይ እዚውን ብጸሎትኩም ኣነ ኽውሀበኩም ተስፋ እገብር ኣሎኹ እሞ፡ ስፍራ ሐዘለይ።
23. ኤጳፍራስ፡ ብክርስቶስ የሱስ መተኣስርተይ፡
24. ከምኡውን እቶም መዓይይተይ፡ ማርቆስ፡ ኣርስጢርኮስ፡ ዴማስ፡ ሉቃስ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ።
25. ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።

      Philemon (1/1)