Obadiah (1/1)    

1. ራእይ ኦብድያ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ኤዶም ከምዚ ይብል አሎ፡ ተንስኡ፡ ምስኣ ኽንውጋእስ ንለዐል፡ ዚብል መልእኽቲ ኻብ እግዚኣብሄር ሰማዕና፡ ልኡኽ ድማ ኣብ ህዝባታት ኣንኣስኩኻ፡ ንስኻ ኣዚኻ እተነዐቕካ ኢኻ።
2. ኣታ ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕ እትነብር፡ መቐመጢኻ ልዕል ዝበለ፡ ብልብኻ ድማ፡ መን እዩ ናብ ምድሪ ዝወርደኒ፡ እትብል፡ ትዕቢት ልብኻ ኣስሐተካ።
3. ኣታ ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕ እትነብር፡ መቐመጢኻ ልዕል ዝበለ፡ ብልብኻ ድማ፡ መን እዩ ናብ ምድሪ ዝወርደኒ፡ እትብል፡ ትዕቢት ልብኻ ኣስሐተካ።
4. ከም ንስሪ እኳ ልዕል እንተ በልካ፡ ቤትካውን ኣብ ማእከል ከዋኽብቲ እንተ ገበርካ፡ ካብኡ ኽውርደካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
5. ሰረቕቲ ወይስ ከተርቲ ብለይቲ እንተ ዚመጹኻ፡ ክንደይ ኮን በረስካ፡ ክሳዕ ዚእኽሎምዶ ኣይምሰረቐን፡ ብተኽቲ ወይኒ እንተ ዚመጹኻስ፡ ገለ ዘለላዶ ኣይምሐደጉልካን፡
6. ኣየ፡ ኤሳው ክንደይ ተጎርጎረ፡ እቲ ሕቡእ መዝገብስ ክንደይ ተደልየ።
7. እቶም ቃል ኪዳን ዝአተውልካ ሰባት ኩሎም ክሳዕ ዶብ ሰደዱኻ፡ እቶም እትኣምኖም ሰባት ከአ ጠበሩኻ፡ ዐብለሉኻ ድማ፡ እቶም እንጌራኻ ዝበልዑውን፡ ኣእምሮ የብሉን፡ ኢሎም ኣብ ትሕቴኻ መፈንጠራ ዘርግሑልካ።
8. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኻብ ኤዶም ጠቢባን፡ ካብ ከረን ኤሳው ከአ ምስትውዓልዶ ኣይክጥፍእን እየ፡
9. ኣታ ቴማን፡ ሰብ ዘበለ ኻብ ከረን ኤሳው ብምቕታል ኪጥረስሲ፡ ጀጋኑኻ ተስፋ ኪቖርጹ እዮም።
10. ብምኽንያት እቲ ንሓውካ ያእቆብ ዝገበረካዮ ዓመጽ፡ ሕፍረት ክኽድነካ እዩ፡ ንዘለአለም ከአ ክትጸንት ኢኻ።
11. በታ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢልካ ዝነበርካላ መዓልቲ፡ በታ ጓኖት ንገንዘቡ ዝማረኹላ፡ መጻእተኛታት ድማ ብደጌታቱ ዝአተውላ፡ ንዮርሳሌም ከአ ዕጭ ዘውደቑላ መዓልቲ ንስኻውን ከም ሓደ ኻባታቶም ነበርካ።
12. እምበኣርሲ በታ መዓልቲ መከራኡ ንመዓልቲ ሓውካ ኣይትጠምት፡ በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም ብደቂ ይሁዳ ኣይትተሐጎስ፡ በታ መዓልቲ ጸባባ ትዕቢት ኣይትዛረብ።
13. በታ መዓልቲ መዓቱ ብደገ ህዝበይ ኣይትእቶ፡ በታ መዓልቲ መዓቱ ንስኻውን መከራኡ ኣይትርኤ፡ በታ መዓልቲ መዓቱ ድማ ኢድካ ናብ ገንዘቡ ኣይትዘርግሕ።
14. ነቶም ዘምለጡ ኸተጥፍእ ኢልካ ኣብ ቃራና መገዲ ደው ኣይትበል፡ በታ መዓልቲ ጸበባ ኸአ ነቶም ዝተረፉ ናቱ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦም።
15. መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኹላቶም ህዝብታት ቀሪባ እያ እሞ፡ ከምቲ ዝገበርካዮ ኺገብሩኻ እዮም፡ ግብርኻ ኣብ ርእስኻ ኺምለሰካ እዩ።
16. ከምቲ ንስኻትኩም ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ ዝሰቴኹምዎ፡ ከምኡ ኹሎም ህዝብታት ከየባተኹ ኺሰትዩ፡ እወ ኪሰትዩ ኺጭልጡውን እዮም ከም ዝየነበሩ ኸአ ክኾኑ እዮም።
17. ኣብ ከረን ጽዮን ግና ዘምለጡ ኪሕልው እዮም፡ ንሰውን ቅዱስ ኪኸውን እዩ፡ ቤት ያእቆብ ከአ ርስቶም ኪርስትዩ እዮም።
18. ቤት ያእቆብ ሓዊ፡ ቤት ዮሴፍ ከአ ሃልሃልታ፡ ቤት ኤሳው ድማ ከም ሐሰር ኪኾኑ እዮም። ኣብኦም ኬንድዱን ኪውሕጥዎምን እዮም። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ንቤት ኤሳው ሓደ እኳ ኣይኪተርፉን ኣዩ።
19. እቶም ኣብ ደቡብ ዘለው ንኸረን ኤሳው፡ እቶም ኣብ ጎልጎል ዘለው ኸአ ንፍልስጥኤማውያን ኪርስትዩ እዮም። ንሳቶም ንምድሪ ኤፍሬምን ንምድሪ ሰማርያን ኪርስትይወን እዮም፡ ብንያም ድማ ንጊልዓድ ኪርስተያ እዩ።
20. እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ ሰራዊት ደቂ እስራኣኤል ነቲ ናይ ከነኣናዊያን ዝነበረ ኽሳዕ ሰራጳታ ኺርስትዩ፡ እቶም ካብ ዮርሳሌም ተማሪኾም ዝነበሩ ኣብ ሰፋራድ ዘለው ድማ ንኸተማታት ደቡብ ኪወርስወን እዮም።
21. መናገፍቲ ኸአ፡ ንኸረን ኤሳው ኪፈርዱስ፡ ናብ ከረን ጽዮን ኪድይቡ እዮም፡ መንግስቲውን ናይ እግዚኣብሄር ኪኸውን እዩ።

      Obadiah (1/1)