Numbers (8/36)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ንኣሮን ተዛረቦ በሎ ኸአ፡ ቀንዴል ምስ እተሰቅል፡ እቲ ሾብዓተ ቐንዴል ናብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከም ዘበርህ ግበሮ።
3. ኣሮን ከኣ ከምኡ ገበረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ቐንዴል ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከም ዚበርህ ገበሮ።
4. ኣሰራርሓ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምዚ እዩ፡ ካብ ወርቂ ብምቕጥቃጥ እተሰርሔ ነበረ፡ ንሱ ኣእጋሩ ኮነ ዕምበባኡ ኾነ ብምቕጥቃጥ እተሰርሔ ነበረ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዘርአዮ ምስሊ ገበሮ።
5. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
6. ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወሰዶም፡ ኣንጽሃዮም ከአ።
7. ከምዚ ጌርካ ኣንጽሃዮም፡ ማይ ንጽህና ንጸገሎም፡ ኣብ ብዘሎ ስጋኦም ድማ መላጸ የሕልፉ፡ ክዳውንቶም ይሕጸቡ ይንጽሁ ኸኣ።
8. ድሕርዚ ሓደ ዝራብዕን ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሕርጭ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ውሰድ።
9. ንሌዋውያን ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦም፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልውን ኣክቦ።
10. ንሌዋውያን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም፡ ደቂ እስራኤል ከአ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሌዋውያን የንብሩ።
11. ኣሮን ድማ ንሌዋውያን፡ ነገልግሎት ዕዮ እግዚኣብሄር ኪኾኑ፡ ዚውዝውዝ መስዋእቲ ደቂ እስራኤል ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞም።
12. ሌዋውያን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቶም ዝራብዐት የንብሩ፡ ንሌዋውያን ምእንቲ ኸተተዐርቖም ከአ፡ እቲ ሓደ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እቲ ኻልኣይ ከአ ንዚሐርር መስዋእቲ ጌርካ፡ ንእግዚኣብሄር ሰውኣዮም።
13. ንሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ኣቑሞም እሞ ንእግዚኣብሄር ዚውዝውዝ መስዋእቲ ጌርካ ወዝውዞም።
14. ሌዋውያን ንኣይ ምእንቲ ኪኾኑስ፡ ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ፍለዮም።
15. ድሕርቲ ሌዋውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ይእተው እሞ ኣንጽሃዮም፡ ንዚውዝውዝ መስዋእቲ ኸኣ ወዝውዞም።
16. ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ብመላኦም ንኣይ ተውሂቦም እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ማሕጸን ዚኸፍት ኩሉ፡ በኹሪ ኹሎም ደቂ እስራኤል፡ ንኣይ ወሲደዮም እየ።
17. ሰብ ኮነ እንስሳ ኾነ ኩሉ በኹሪ ኣብ ደቂ እስራኤል ናተይ እዩ እሞ፡ በታ ኣብ ምድሪ ግብጺ ንኹሉ በኹሪ ዝወቓዕኩላ መዓልቲ ንኣይ ቀደስክዎም።
18. ኣብ ክንዲ ኹሉ በኹሪ ኣብ ደቂ እስራኤል መዓት ምእንቲ ኸይወርድ፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣገልግሎት ደቂ እስራኤል ኬገልግሉ እሞ ንደቂ እስራኤል ኬተዐርቕዎም፡ ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከአ ሌዋውያን ንኣሮንን ንደቁን ህያብ ሂበዮም ኣለኹ።
19. ሙሴን ኣሮንን ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን ድማ ንሌዋውያን እዚ ገበሩሎም፡ ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝአዘዞ ኹሉ ኸምኡ ገበረሎም።
20. ሙሴን ኣሮንን ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን ድማ ንሌዋውያን እዚ ገበሩሎም፡ ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝአዘዞ ኹሉ ኸምኡ ገበረሎም።
21. ሌዋውያን ከአ ነጽሁ፡ ክዳንውቶምውን ሓጸቡ፡ ኣሮን ከአ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዚውዝውዝ መስዋእቲ ወዝወዞም፡ ኣሮን ድማ ንምንጻሆም ኣተዐረቖም።
22. ድሕርቲ ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣገልግሎቶም ኪገብሩ ኣተው። ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ከምኡ ገበረሎም።
23. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
24. ንሌዋውያን ዚግባእ እዚ እዩ፡ ካብ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ንላዕሊ ናብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ይእተው።
25. ካብ ወዲ ሓምሳ ዓመት ከአ ካብ ዕዮ ኣገልግሎት ይመለስ፡ ድሕሪ ደጊም ኣየገልግል።
26. ኣብቲ ሓለዋ ኣሕዋቱ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ይሐግዝ፡ ኣብ ኣገልግሎት ግና ኣይዕየ፡ ንሌዋውያን በቲ ሓለዋኦም ከምኡ ግበረሎም።

  Numbers (8/36)