| ← Numbers (7/36) → |
| 1. | ኮነ ኸኣ፡ ንሙሴ በታ ነቲ ማሕደር ተኺሉ ዝፈጸመሉ መዓልቲ ንእኡን ንኹሉ ኣቓሑኡን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፡ ነቲ መሰውእን ንኹሉ ኣቓሑኡ ድማ ምስ ቅብኦ ምስ ቅደሶን፡ |
| 2. | ሹማምቲ እስራኤል፡ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ንሳቶም ሹማምቲ እቶም ነገዳት፡ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ቁጹራት ዝነበሩ፡ ህያብ ኣቕረቡ፡ |
| 3. | ህያቦም ሹዱሽተ ኽዱናት ሰረገላን ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምጽኡ፡ ንኽልተ ሹም ሓደ ሰረገላ ንነፍስ ወከፍ ሹም ሓደ ብዕራይ፡ ናብ ቅድሚ ማሕደር ኣቕረብዎ፡ |
| 4. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ |
| 5. | ኣብ ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ንመዕየዩ ኪኸውን ካባታቶም ውሰዶ፡ ንሱ ኸኣ ንሌዋውያን ንነፍስ ወከፍ ከከምቲ ኣገልግሎቱ ሀቦም። |
| 6. | ሙሴ ድማ እቲ ሰረገላታትን እቶም ኣብዑርን ወሲዱ ንሌዋውያን ሀቦም። |
| 7. | ንደቂ ጌርሾን ከም መጠን ኣገልግሎቶም ክልተ ሰረገላን ኣርባዕተ ብዕራይን ሀቦም። |
| 8. | ንደቂ መራሪ ኸኣ ከም መጠን ኣገልግሎቶም ብትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣርባዕተ ሰረገላን ሾምንተ ብዕራይን ሀቦም። |
| 9. | ንድቂ ቃሃት ግና፡ እቲ ኣግልግሎቶም ኣብ መቕደስ ኣብ መንኩቦም ብምጽዋር ነበረ እሞ፡ ገለ ኣይሀቦምን። |
| 10. | እቶም ሹማምቲ ኸኣ ንምቕዳስ እቲ መሰውኢ በታ እተቐብኣላ መዓልቲ ህያብ ኣቕረቡ፡ እቶም ሹማምቲ ቖርባኖም ናብ ቅድሚ መሰውኢ ኣቕረቡ። |
| 11. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ናይ ምቕዳስ መሰውኢ ቑርባኖም ሓደ ሹም ንመዓልቲ፡ ሓደ ሹም ንመዓልቲ የቕርቡ፡ በሎ። |
| 12. | እቲ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ቑርባኑ ዘቕረባ፡ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ እዩ። |
| 13. | ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመሰዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጠዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ |
| 14. | ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ |
| 15. | ንዚሓርር መስዋእቲ ኸአ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ገንሸል ዓመትን፡ |
| 16. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡ |
| 17. | ንመስዋእቲ ምስጋናውን ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ነኣሾን ወዲ ኣሚናዳብ እዚ እዩ። |
| 18. | ኣብ ካልኣይቲ መዓልቲ ናትናኤል ወዲ ጹዓር፡ ሹም ይሳኮር፡ ኣቕረበ። |
| 19. | ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝምለኤ፡ |
| 20. | ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ |
| 21. | ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ገንሸል ዓመትን፡ |
| 22. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ |
| 23. | ንመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ናትናኤል ወዲ ጹዓር እዚ እዩ። |
| 24. | ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኤልያብ ወዲ ሔሎን፡ ሹም ደቂ ዛብሎን፡ |
| 25. | ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚኣትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ |
| 26. | ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ |
| 27. | ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ |
| 28. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ |
| 29. | ንመስውእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኤልያብ ወዲ ሔሎን እዚ እዩ። |
| 30. | ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ ኤሊጹር ወዲ ሽደውር፡ ሹም ደቂ ሮቤል፡ |
| 31. | ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዝኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ |
| 32. | ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ |
| 33. | ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ |
| 34. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ |
| 35. | ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት ቁርባን ኣኤሊጹር ወዲ ሽደውር እዚ እዩ። |
| 36. | ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ ሸሉሜኤል ወዲ ጹርሻዳይ፡ ሹም ደቂ ስምኦን፡ |
| 37. | ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ |
| 38. | ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ |
| 39. | ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ገንሸል ዓመት፡ |
| 40. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ |
| 41. | ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ሸሉሚኤል ወዲ ጹርሻዳይ እዚ እዩ። |
| 42. | ኣብ ሳድሰይቲ መዓልቲ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል፡ ሹም ደቂ ጋድ፡ |
| 43. | ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስውእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ |
| 44. | ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ |
| 45. | ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ |
| 46. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ |
| 47. | ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሃሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል እዚ እዩ። |
| 48. | ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ፡ ሹም ደቂ ኤፍሬም፡ |
| 49. | ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ |
| 50. | ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ |
| 51. | ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ |
| 52. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ |
| 53. | ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ እዚ እዩ። |
| 54. | ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹር፡ ሹም ደቂ ምናሴ፡ |
| 55. | ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ። |
| 56. | ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ |
| 57. | ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ |
| 58. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ |
| 59. | ንመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹር እዚ እዩ። |
| 60. | ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ፡ ሹም ደቂ ብንያም፡ |
| 61. | ቁርባኑ ብዚቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ |
| 62. | ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ |
| 63. | ንዚሓርር መስዋእቲ ሃደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት። |
| 64. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ። |
| 65. | ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ኦኣመት፡ ቁርባን ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ እዚ እዩ። |
| 66. | ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኣሔዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ፡ ሹም ደቂ ዳን፡ |
| 67. | ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛን ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ። |
| 68. | ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ |
| 69. | ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ |
| 70. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ |
| 71. | ንመስዋእቲ ምስጋና ኸአ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኣሔዔዘር ወዲ ዓሚሻዳን እዚ እዩ። |
| 72. | ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ መዓልቲ ጳግዔል ወዲ ዖክራን፡ ሹም ደቂ ኣሴር፡ |
| 73. | ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ |
| 74. | ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ |
| 75. | ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ |
| 76. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ |
| 77. | ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን እዚ እዩ። |
| 78. | ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን፡ ሹም ደቂ ንፍታሌም፡ |
| 79. | ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡ |
| 80. | ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡ |
| 81. | ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ |
| 82. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ |
| 83. | ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኣሒኣዕ ወዲ ዔናን እዚ እዩ። |
| 84. | በታ መሰውኢ እተቐብኣላ መዓልቲ፡ ህያብ ሹማምቲ እስራኤል ንምቕዳሱ እዚ እዩ፡ ዓሰርተው ክልተ ጻሕሊ ብሩር፡ ዓሰርተው ክልተ ጭሔሎ ብሩር፡ ዓሰርተው ክልተ ጽዋእ ወርቂ። |
| 85. | ነንሓደ ጻሕሊ ብሩር ሚዛኑ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል፡ ነንሓደ ጭሔሎ ድማ ሰብዓ፡ ናይቲ ኹሉ ኣቓሑ ብሩር ብሲቃል መቕደስ ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሲቃል ኮነ። |
| 86. | እተን ዓሰርተው ክልተ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ ነንጽዋእ ብሲቃል መቕደስ ዓሰርተ ሲቃል፡ ናይቲ ጽዋኣት ወርቂ ኹሉ ሚእትን ዕስራን ሲቃል ኮነ። |
| 87. | ኩሎም ኣብዑር ንዚሓርር መስዋእቲ ዓሰርተው ክልተ ዝራብዕ፡ ዓሰርተው ክልተ ድዑል፡ ዓሰርተው ክልተ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቶም ዓሰርተው ክልተ ድቤላ፡ |
| 88. | ኩሎም ኣብዑር መስዋእቲ ምስጋና ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ዝራብዕ፡ ስሳ ድዑል ስሳ ድቤላ፡ ስሳ ገንሸል ዓመት ኮነ። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብኤ፡ ንምቕዳሱ እተዋህበ እዚ እዩ። |
| 89. | ሙሴ ምስኡ ንምዝራብ ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ኣተወ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኩሩቤል እቲ ድምጺ ኺዛረቦ ይሰምዕ ነበረ፡ ይዛረቦ ድማ ነበረ። |
| ← Numbers (7/36) → |