Numbers (7/36)  

1. ኮነ ኸኣ፡ ንሙሴ በታ ነቲ ማሕደር ተኺሉ ዝፈጸመሉ መዓልቲ ንእኡን ንኹሉ ኣቓሑኡን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፡ ነቲ መሰውእን ንኹሉ ኣቓሑኡ ድማ ምስ ቅብኦ ምስ ቅደሶን፡
2. ሹማምቲ እስራኤል፡ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ንሳቶም ሹማምቲ እቶም ነገዳት፡ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ቁጹራት ዝነበሩ፡ ህያብ ኣቕረቡ፡
3. ህያቦም ሹዱሽተ ኽዱናት ሰረገላን ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምጽኡ፡ ንኽልተ ሹም ሓደ ሰረገላ ንነፍስ ወከፍ ሹም ሓደ ብዕራይ፡ ናብ ቅድሚ ማሕደር ኣቕረብዎ፡
4. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
5. ኣብ ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ንመዕየዩ ኪኸውን ካባታቶም ውሰዶ፡ ንሱ ኸኣ ንሌዋውያን ንነፍስ ወከፍ ከከምቲ ኣገልግሎቱ ሀቦም።
6. ሙሴ ድማ እቲ ሰረገላታትን እቶም ኣብዑርን ወሲዱ ንሌዋውያን ሀቦም።
7. ንደቂ ጌርሾን ከም መጠን ኣገልግሎቶም ክልተ ሰረገላን ኣርባዕተ ብዕራይን ሀቦም።
8. ንደቂ መራሪ ኸኣ ከም መጠን ኣገልግሎቶም ብትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣርባዕተ ሰረገላን ሾምንተ ብዕራይን ሀቦም።
9. ንድቂ ቃሃት ግና፡ እቲ ኣግልግሎቶም ኣብ መቕደስ ኣብ መንኩቦም ብምጽዋር ነበረ እሞ፡ ገለ ኣይሀቦምን።
10. እቶም ሹማምቲ ኸኣ ንምቕዳስ እቲ መሰውኢ በታ እተቐብኣላ መዓልቲ ህያብ ኣቕረቡ፡ እቶም ሹማምቲ ቖርባኖም ናብ ቅድሚ መሰውኢ ኣቕረቡ።
11. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ናይ ምቕዳስ መሰውኢ ቑርባኖም ሓደ ሹም ንመዓልቲ፡ ሓደ ሹም ንመዓልቲ የቕርቡ፡ በሎ።
12. እቲ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ቑርባኑ ዘቕረባ፡ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ እዩ።
13. ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመሰዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጠዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
14. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
15. ንዚሓርር መስዋእቲ ኸአ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ገንሸል ዓመትን፡
16. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡
17. ንመስዋእቲ ምስጋናውን ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ነኣሾን ወዲ ኣሚናዳብ እዚ እዩ።
18. ኣብ ካልኣይቲ መዓልቲ ናትናኤል ወዲ ጹዓር፡ ሹም ይሳኮር፡ ኣቕረበ።
19. ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝምለኤ፡
20. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
21. ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ገንሸል ዓመትን፡
22. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡
23. ንመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ናትናኤል ወዲ ጹዓር እዚ እዩ።
24. ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኤልያብ ወዲ ሔሎን፡ ሹም ደቂ ዛብሎን፡
25. ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚኣትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
26. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
27. ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
28. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
29. ንመስውእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኤልያብ ወዲ ሔሎን እዚ እዩ።
30. ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ ኤሊጹር ወዲ ሽደውር፡ ሹም ደቂ ሮቤል፡
31. ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዝኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
32. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
33. ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
34. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
35. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት ቁርባን ኣኤሊጹር ወዲ ሽደውር እዚ እዩ።
36. ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ ሸሉሜኤል ወዲ ጹርሻዳይ፡ ሹም ደቂ ስምኦን፡
37. ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
38. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
39. ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ገንሸል ዓመት፡
40. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
41. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ሸሉሚኤል ወዲ ጹርሻዳይ እዚ እዩ።
42. ኣብ ሳድሰይቲ መዓልቲ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል፡ ሹም ደቂ ጋድ፡
43. ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስውእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
44. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
45. ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
46. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
47. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሃሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል እዚ እዩ።
48. ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ፡ ሹም ደቂ ኤፍሬም፡
49. ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
50. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
51. ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
52. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
53. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ እዚ እዩ።
54. ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹር፡ ሹም ደቂ ምናሴ፡
55. ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ።
56. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
57. ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
58. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
59. ንመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹር እዚ እዩ።
60. ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ፡ ሹም ደቂ ብንያም፡
61. ቁርባኑ ብዚቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
62. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
63. ንዚሓርር መስዋእቲ ሃደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት።
64. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ።
65. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ኦኣመት፡ ቁርባን ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ እዚ እዩ።
66. ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኣሔዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ፡ ሹም ደቂ ዳን፡
67. ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛን ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ።
68. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
69. ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
70. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
71. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸአ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኣሔዔዘር ወዲ ዓሚሻዳን እዚ እዩ።
72. ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ መዓልቲ ጳግዔል ወዲ ዖክራን፡ ሹም ደቂ ኣሴር፡
73. ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
74. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
75. ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
76. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
77. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን እዚ እዩ።
78. ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን፡ ሹም ደቂ ንፍታሌም፡
79. ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ፡
80. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡
81. ንዚሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡
82. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡
83. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኣሒኣዕ ወዲ ዔናን እዚ እዩ።
84. በታ መሰውኢ እተቐብኣላ መዓልቲ፡ ህያብ ሹማምቲ እስራኤል ንምቕዳሱ እዚ እዩ፡ ዓሰርተው ክልተ ጻሕሊ ብሩር፡ ዓሰርተው ክልተ ጭሔሎ ብሩር፡ ዓሰርተው ክልተ ጽዋእ ወርቂ።
85. ነንሓደ ጻሕሊ ብሩር ሚዛኑ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል፡ ነንሓደ ጭሔሎ ድማ ሰብዓ፡ ናይቲ ኹሉ ኣቓሑ ብሩር ብሲቃል መቕደስ ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሲቃል ኮነ።
86. እተን ዓሰርተው ክልተ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ ነንጽዋእ ብሲቃል መቕደስ ዓሰርተ ሲቃል፡ ናይቲ ጽዋኣት ወርቂ ኹሉ ሚእትን ዕስራን ሲቃል ኮነ።
87. ኩሎም ኣብዑር ንዚሓርር መስዋእቲ ዓሰርተው ክልተ ዝራብዕ፡ ዓሰርተው ክልተ ድዑል፡ ዓሰርተው ክልተ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቶም ዓሰርተው ክልተ ድቤላ፡
88. ኩሎም ኣብዑር መስዋእቲ ምስጋና ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ዝራብዕ፡ ስሳ ድዑል ስሳ ድቤላ፡ ስሳ ገንሸል ዓመት ኮነ። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብኤ፡ ንምቕዳሱ እተዋህበ እዚ እዩ።
89. ሙሴ ምስኡ ንምዝራብ ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ኣተወ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኩሩቤል እቲ ድምጺ ኺዛረቦ ይሰምዕ ነበረ፡ ይዛረቦ ድማ ነበረ።

  Numbers (7/36)