Numbers (5/36)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሰኢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ንኹሉ ለምጻምን ንኹሉ ጀጋልን ብሬሳ ንዝረኸሰ ኹሉን ካብ ሰፈር ኬውጽኡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም።
3. ተባዕታይ ኮነ ኣንስታይ ኣውጽእዎም፡ ነቲ ኣነ ኣብ ማእከሉ ዝሓድሮ ዘለኹ ሰፈሮም ከየርክሱ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽእዎም።
4. ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽእዎም። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ፡ ንደቂ እስራኤል ከምኡ ገበሩ።
5. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
6. ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፡ ሰብ ካብ ዚገብሮ ሓጢኣት ኩሉ ብምግባሩ ንእግዚኣብሄር ምስ ዚዕግብ እታ ነፍሲ እቲኣ በዳሊት ኮነት፡
7. ሽዑ በቲ ዝገበርዎ ሓጢኣቶም ይናዘዙ፡ እቲ ዝበደሎብመልኡ ይምለሶ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሕምሻኡ ይወስኽ፡ ነቲ ዝበደሎ ኸኣ ይሀቦ።
8. እቲ እተበደለ ነቲ ዝምለሶ ገንዘብ ዚወርሶ ዜብሉ እንተ ኾነ፡ እቲ ዝምለስ ገንዘብ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ብጀካ እቲ ንሱ ዚዕረቐሉ ድዑል መተዓረቒ ንኻህን ይኹን።
9. ኩሉ ዚለዐለ መስዋእቲ ደቂ እስራኤል ካብ ኩሉ ቅዱስ ነገር ናብ ካህን ዜምጽእዎ ንእኡ ይኹን።
10. ዝኾነ ሰብ ዝቐደሶ ነገር ንእኡ ይኹን። ሰብ ንኻህን ዚህቦ ዘበለ ንእኡ ይኹን።
11. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
12. ደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ንሰበኣይ ሰበይቱ እንተ ጠለመቶ፡ ዓገብ ከኣ እንተ ዐገበቶ፡
13. ካልኣ ሰብኣይ ምሳኣ ደቂሱ ድማ ብስጋ እንተ ተራኸባ፡ እዚ ኸኣ ካብ ዓይኒ ሰብኣይ እንተ ተኸወለ፡ ብሕቡእ እንተ ረኸሰት፡ ምስክር ድማ እንተ ዘይተረኸባ፡ ኣብቲ ግብሪውን እንተ ዘይተታሕዘት፡
14. መንፈስ ቅንኣት ድማ እንተ መጾ፡ ንሳ ብምርካሳ ኸኣ ብሰበይቱ እንተ ቐንኤ፡ ወይ ንሳ ኸይረኸሰት ከላ፡ መንፈስ ቅንኣት እንተ መጾ፡ ብሰበይቱ ድማ እንተ ቐንኤ፡
15. ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቱ ናብ ካህን የምጽኣያ፡ ብዛዕባኣ ኸኣ ዓስራይ ኢድ ኤፋ ሓርጭ ስገም ንመስዋእቲ የምጽእ። ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ፡ ክፋኣት ዜዘክር መስዋእቲ ብልዒ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይክዐዎ፡ ዕጣንውን ኣይገበሮ።
16. እቲ ኻህን ድማ ኣቕሪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ።
17. እቲ ኻህን ድማ ብኣቕሓ መሬት ገይሩ ቅዱስ ማይ ይውሰድ፡ ካብቲ ኣብ ምድርቤት ማሐደር ዘሎ ሓመድ ወሲዱ ኸኣ ኣብቲ ማይ ይግበር።
18. እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደቅ ኣቢሉ ድማ ርእሲ እታ ሰበይቲ ይቕላዕ፡ ነቲ መስዋእቲ ብልዒ ምዝካር፡ ንሱ ኸኣ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ፡ ኣብ ኢድ የንብሮ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣብ ኢዱ ይሓዝ።
19. እቲ ኻህን ድማ የምሕላ፡ ነታ ሰበይቲ ኸኣኣ ይበላ፡ ሰብኣይ እንተ ዘይደቀሰኪ፡ ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ዘይረኸስኪ እንተ ኼንኪ፡ እዚ መርገም ዘምጽእ መሪር ማይ ኣይጉዳእኪ።
20. ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ግና፡ ብጀካ ሰብኣይኪ ኻልእ እንተ ደቂሱኪ፡
21. ሽዑ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ብማሕላ መርገም የምሕላ፡ እቲ ኻህን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር ንሰለፍኪ ብምውዳቑ፡ ንኸብድኺ ድማ ንምንፋሑ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ፡
22. ንኸብድኺ ኺነፍሕ ንሰለፍኪ ኸኣ ኬውድቕ፡ እዚ መርገም ዜምጽእ ማይ እዚ ናብ ውሽጥኺ ይእቶ፡ ይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ኣሜን፡ ኣሜን ትበል።
23. ነታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ መርገም እዚ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፎ፡ በቲ መሪር ማይ ከኣ ይደምስሶ።
24. ነታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ መርገም ዘምጽእ ማይ ድማ ይአትዋ እሞ ኪመራ እዩ።
25. እቲ ኻህን ድማ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፡ ነቲ መስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞ፡ ናብ መሰውኤን የቕልቦ።
26. እቲ ኻህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ ብልዒ ንመዘከርታ ምሉእ ኢድ ወሲዱ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ድሕሪ እቲ ነታ ሰበይቲ እቲ ማይ የስትያ።
27. ነቲ ማይ ምስ ኣስትያ ኸኣ፡ ኪኸውን እዩ፡ ንሳ ረኺሳ፡ ንሰብኣያ ድማ ዓገብ ዐጊባቶ እንተ ኾይና፡ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ ኣትዮ ኺመራ እዩ፡ ከብዳ ኸኣ ይንፋሕ፡ ሰለፋውን ይወድቕ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ ማእከል ህዝባ መራገሚ ትኸውን።
28. ኣታ ሰበይቲ ዘይረኸሰት፡ ንሳ ንጽህቲ እተ ኾይና ኸኣ፡ ሓራ ውጽእቲ እያ፡ ዘርኢ ኸኣ ትረክብ።
29. ሕጊ ቕንኣት እዚ እዩ፡ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ሰብኣያ ኸላ ጠሊማቶ ምስ ኣትረክስ፡
30. ወይ ንሰብኣያ መንፈስ ቅንኣት እንተ መጾ፡ ብሰበይቱ ኸኣ እንተ ቐንኤ፡ሽዑ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ፡ እቲ ካህን ድማ እዚ እዚ ሕጊዚ ብዘሎ ይግበረላ።
31. እቲ ሰብኣይ ከኣ ካብ ክፍኣት ንጹህ ይኸውን፡ እታ ሰበይቲ እቲኣ ድማ ክፍኣታ ትጸውር።

  Numbers (5/36)