Numbers (4/36)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም።
2. ካብ ማእከል ደቂ ሌዊ ንደቂ ቃሃት በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ናብ ዕዮ ኺኣትው ዚኽእሉ ኹሎም፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ።
3. ካብ ማእከል ደቂ ሌዊ ንደቂ ቃሃት በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ናብ ዕዮ ኺኣትው ዚኽእሉ ኹሎም፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ።
4. ኣገልግሎት ደቂ ቃሃት ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብናይ ቅድስተ ቅዱሳን ነገር እዚ እዩ፡
5. እቲ ሰፈር ምስ ዚነቕል፡ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም፡ ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ የውርድዎ፡
6. ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቁርበት ታሃስ ይግበረሉ፡ ኩሉንትናኡ ሰማያዊ ዝኾነ ዓለባ ኸኣ ይዘርግሑሉ፡ መሰላታቱውን የእትውሉ።
7. ኣብ ልዕሊ ሰደቓ እንጌራ ምርኣይ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑሉ፡ ኣብኡ ኸኣ ሒላባትን ጭሔሎታትን ጽውኣትን እቲ ንመስዋእቲ መስተ ዝኸውን ኩስኩስትታትውን ይሰርዑ፡ እቲ ናይ ወርትግ እንጌራ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን።
8. ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ግምጃ ይዘርግሑሉ፡ ንእኡ ኸአ ብቑበርት ታሃስ እተገብረ መኽደኒ ገይሮም ይኸድንዎ፡ እቲ መሰላታቱውን የእትውሉ።
9. ሰማያዊ ዓለባ ወሲዶም ከኣ፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልን ቅልዒ ቐኒዱሉን መሳቕዩኡን መዋህለል ርስሓቱን እቲ ኹሉ ዜገልግልሉ፡ ናይ ዘይቲ ኣቓሑኡ ኸኣ ይኽደኑ።
10. ምስ ኩሉ ኣቓሑኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ መኽደኒ ናይ ታሃስ ቆርበት የንብርዎ፡ ኣብ መሰላ ኸኣ ይግበርዎ።
11. ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ወርቂውን ሰማያዊ ዓለባ ይዝርግሑ፡ መኽደኒ ድማ ብቖርበት ታሃስ ይኽደንዎ፡ መሰላታቱ ኸኣ የእትውሉ።
12. ኣብ ቤተ መቕደስ ዜገልግሉሉ ኹሉ ኣቓሑ ኣገልግሎት ወሲዶም ድማ ኣብ ሰማያዊ ዓለባ ይግበርዎ። መኽደኒ ኸኣ ብቖርበት ታሃስ ይኽደንዎ፡ ኣብ መሰላውን ይጉሓፍዎ፡ ቀይሕ ዓለባ ኸአ ይዘርግሑሉ።
13. እቲ ዜገልግሉሉ ኹሉ እቓሑኡ ኸኣ፡ ጽንሃታት ሸዃታትን መጽሓርያታትን ጭሔሎታትን፡ ኩሉ ኣቓሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መኽደኒ ቖርበት ታሃስ ይዘርግሑሉ፡ መሰላታቱ ኸኣ ይእትውሉ።
14. እቲ ዜገልግሉሉ ኹሉ እቓሑኡ ኸኣ፡ ጽንሃታት ሸዃታትን መጽሓርያታትን ጭሔሎታትን፡ ኩሉ ኣቓሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መኽደኒ ቖርበት ታሃስ ይዘርግሑሉ፡ መሰላታቱ ኸኣ ይእትውሉ።
15. ኣሮንን ደቁን ምኽዳን መቕደስን ኩሉ ኣቓሑ መቕደስን ምስ ፈጸሙ፡ እቲ ሰፈር ድማ ምስ ዚነቅል፡ ድሕርዚ ደቂ ቃሃት ኪጾሩ ይምጽኡ። ከይሞቱ ግና፡ ነቲ ቅዱስ ነገር ኣይተንክይዎ። ናይ ድንኳን ምርኻብ ጾር ደቂ ቃሃት እዚ እዩ።
16. መዚ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብቲ ንቐዋሚ ቐንዴል ዚኸውን ዘይትን ኣብቲ ምኡዝ ዕጣንን ኣብቲ ናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዕን ዘይቲ እባኣትን፡ ኣብ ብዘሎ ማሕደርን ኣብኡ ዘሎ ኹሉን፡ ኣብ መቕደስን ኣብ ኣቓሑኡን ይኹን።
17. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
18. ነገድ ዓሌታት ቃሃታውያን ካብ መንጎ ሌዋውያን ኣይተጥፍእዎም።
19. ናብ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ነገር ምስ ዚቐርቡ ከይሞቱ፡ ብህይወት ደኣ ኺነብሩ፡ እዚ ግበሩሎም፡ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ንነፍሲ ወከፎም ኣገልግሎቱን ጸጸሩን የመልክትዎም።
20. ግናኸ ከይሞቱ፡ ነቲ ቅዱስ ነገር፡ ቅጽበት ዓይኒ እኳ እንተ ኾነ፡ ንምርኣዩ ኣይእተው።
21. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
22. ደቂ ጌርሾን ከኣ በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብዓሌቶምን ቁጽሮም ውሰድ።
23. ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት፡ ንዕዮ ዚበዑ፡ ኣብ ዕዩ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ዝኽእሉ ኹሎም ቁጸሮም።
24. እቲ ኣገልግሎት ዓሌታት ጌርሶናውያን ንምግልጋልን ንምጽዋርን እዚ እዩ፡
25. እቲ ዓለባታት ማሕደርን ድንኳን ምርኻብን መኽደኒኡን ኣቲ ኣብ ልዕሊኡ ዚድረብ ቆርበት ታሃስን፡ እቲ መጋረጃ ኣፍ ድንኳን ምርኻብን፡
26. እቲ መጋረጃታት ኣጸድን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን ኣግማዱን ኩሉ ኣቓሑ ኣገልግሎቶምን ይጹሩ፡ ናይቲ ብኣታቶም ዚግበር ኩሉ ብእኡ የገልግሉ።
27. ናይ ደቂ ጌርሶውያን ኩሉ ጾርን ኩሉ ዕዮኦምን ንኹሉ ኣገልግሎቶም ከምቲ ትእዛዝ ኣሮንን ደቁን ይኹን። ብጸሮም ዘበለ ኹሉ ኺሓልዩ ኣመዝዝዎም።
28. ኣገልግሎት ዓሌታት ደቂ ጌርሾናውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ እዚ እዩ፡ እቲ ሓለዋኦም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን።
29. ንደቂ መራሪ ኸኣ በብዓሌቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቁጽሮም።
30. ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለው ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ንዚኣትው ኹሎም ቁጽሮም።
31. ሓለዋ ጾሮም ብኹሉ ኣገልግሎቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ እዚ እዩ፡ ኣልዋሕ ማሕደርን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን፡
32. ኣዕኑድ እቲ ብዙርያ ዘሎ ኣጸድን ኣእጋሩን ሸኻውልቱን ኣግማዱን ምስ ኩሉ ኣቓሑኡን ምስቲ ዘዐየሉ ዘበለ ኹሉን፡ እቲ ዚሕልውዎን ዚጾርዎን ኣቓሑ በብስሙ ቖጸርዎ።
33. እቲ ኣገልግሎት ዓሌታት ደቂ መራሪ እዚ እዩ። ኩሉ ኣገልግሎቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን።
34. ሙሴን ኣሮንንን እቶም ሹማምቲ እቲ ኣኼባን ድማ ንደቂ ቃሃታውያን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን፡ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ንዘለው፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ንዚኣትው ኹሎም ቆጸርዎም።
35. ሙሴን ኣሮንንን እቶም ሹማምቲ እቲ ኣኼባን ድማ ንደቂ ቃሃታውያን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን፡ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ንዘለው፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ንዚኣትው ኹሎም ቆጸርዎም።
36. እቶም ካባታቶም በብዓሌቶም እተቖጽሩ ኽልተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሓምሳን ኮኑ።
37. እቶም ካብ ዓሌታት ቃሃታውያን እተቖጽሩ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልገሉ ኹሎም፡ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝቖጸርዎም እዚኣቶም እዮም።
38. እቶም ካብ ደቂ ጌርሾን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን እተቖጽሩ ድማ፡
39. ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለው፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ዚኣትው ኹሎም፡
40. እቶም በብዒሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ካባታቶም እተቖጽሩ፡ ክልተ ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ።
41. እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ጌርሶን እተቖጽሩ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉሽ ኹሎም ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቆጸርዎ እዚኣቶም እዮም።
42. እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ብመራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን እተቖጽሩ ድማ፡
43. ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለው፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ዚኣትው ኹሎም፡
44. እቶም በብዓሌቶም ካባታቶም እተቖጽሩ ሰለስተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።
45. እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ መራሪ እተቖጽሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ ሙሴን ኣሮንን ዝቖጸርዎም፡ እዚኣቶም እዮም።
46. እቶም እተቖጽሩ ኹሎም ሌዋውያን፡ ሙሴን ኣሮንን እቶም ሹማምቲ እስራኤልን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ዝቖጸርዎም፡
47. ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለው፡ ኣብቲ ዚዕየ ዕዮ ኼገልግሉ ድማ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብምጽዋር ኬገልግሉ፡ ድማ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብምጽዋር ኬገልግሉ ዚኣትው ኹሎም፡
48. እቶም ካባታቶም እተቖጸሩ ሾሞንተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሰማንያን ኮኑ።
49. ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ነፍስ ወከፍ ነናኣገልግሎቱን ነንጾሩን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ተቖጸሩ።

  Numbers (4/36)