| ← Numbers (34/36) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ |
| 2. | ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም፡ በሎም ከአ፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም፡ እታ ንርስቲ እትበጽሓኩም ምድሪ እዚኣ እያ፡ ምድሪ ከነኣን ክሳዕ ወሰናታ። |
| 3. | ሸነኽ ደቡብ ምድርኹም ካብቲ ብወገን ኤዶም ዘሎ በረኻ ጺን ይኹን እሞ፡ ናብ ደቡብ ዶብኩም ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው ንምብራቑ ይኹን። |
| 4. | ዶብኩም ብደቡብ ዓቀበት ዓቅራቢም ዞይሩ ናብ ጺን ይሕለፍ፡ ብደቡብ ቃዴስባርኔዓ ኣቢሉ ድማ ይውጻእ። ብሓጻርኣዳር ወጺኡ ኸአ ናብ ዓጽሞን ይሕለፍ። |
| 5. | ካብ ዓጽሞን ከአ እቲ ዶብ ናብ ርባ ግብጺ ይዙር፡ ናብ ባሕሪ ድማ ይውጻእ። |
| 6. | ዶብ ምዕራብውን እቲ ዓብዩ ባሕርን እቲ ዶብን ይኹነልኩም። ናይ ምዕራብ ዶብኩም እዚ ይኹን። |
| 7. | ናይ ሰሜን ዶብኩም ድማ እዚ ይኹን፡ ካብቲ ዓብዩ ባሕሪ ናብ ከረን ሆር ኣቢልኩም ንኣኻትኩም ምልክት ግበሩሉ። |
| 8. | ካብ ከረን ሆር ክሳዕ እታ ናብ ሃማት እተእቱ ምልክት ግበሩሉ፡ እቲ ዶብ ከአ ናብ ጸዳድ ይውጻእ። |
| 9. | እቲ ዶብ ድማ ናብ ዚፍሮን ይሕለፍ እሞ ናብ ሓጻርዔናን ይውጻእ፡ ናይ ሰሜን ዶብኩም እዚ ይኹን። |
| 10. | ናይ ምብራቕ ዶብኩም ከአ ኣብ ሓጻርዔናን ክሳዕ ሸፋም ኣመልከቱሉ። |
| 11. | እቲ ዳብ ድማ ካብ ሼፋም ናብ ሪብላ፡ ንዓይን ብምብራቕ ይውረድ፡ እቲ ዶብ ከአ ወሪዱ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኪኔሬት ይብጻሕ። |
| 12. | እቲ ዶብ ክሳዕ ዮርዳኖስ ይውረድ፡ ናብ ባሕሪ ጨው ከአ ይውጻእ። እዚኣ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ዶባ ሃገርኩም ትኹን። |
| 13. | ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ እታ ብዕጭ እትርስተይዋ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ንትሽዓተ ነገድን ንፈረቓ ነገድን ክትወሀብ ዝአዘዘ፡ እዚኣ እያ። |
| 14. | ኣሞ ነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነገድ ደቂ ጋድ ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነገድ ደቂ ሮቤል ድማ ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ረርስቶም ሓዙ። ፈረቓ ነገድ ምናሴ ኸአ ርስቶም ሓዙ። |
| 15. | እዞም ክልተ ነገድን እዚ ፈረቓ ነገድን ኣብ ክንየው ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ረርስቶም ሓዙ። |
| 16. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ |
| 17. | ስም እቶም ነታ ምድሪ ንርስቲ ዚመቕሉልኩም ሰባት እዚ እዩ፡ ካህን ኣልኣዛርን እያሲ ወዲ ነዌን። |
| 18. | ንምምቃል እታ ምድሪ ንርስቲ ድማ ከካብ ነገድ ሓደ ሹም ውሰዱ። |
| 19. | ስም እቶም ሰባት ድማ እዚ እዩ፡ ካብ ነገድ ይሁሳ፡ ካሌብ ወዲ የፋኔ። |
| 20. | ካብ ነገድ ደቂ ስምኦን ሽሙኤል ወዲ ዓሚሁድ። |
| 21. | ካብ ነገድ ብንያም፡ ኤሊዳድ ወዲ ኪስሎን። |
| 22. | ካብ ነገድ ደቂ ዳን፡ ሹም ቡቂ ወዲ ዩግሊ። |
| 23. | ካብ ደቂ ዮሴፍ፡ ካብ ነገድ ደቂ ምናሴ፡ ሹም ሓኒኤል ወዲ ኤፎድ። |
| 24. | ካብ ነገድ ደቂ ኤፍሬም፡ ሹም ቄሙኤል ወዲ ሺፍጣን። |
| 25. | ካብ ነገድ ደቂ ዛብሎን፡ ሹም ኤሊጻፋን ወዲ ጳርናክ። |
| 26. | ካብ ነገድ ደቂ ይሳኮር፡ ሹም ጰልጢኤል ወዲ ዓዛን። |
| 27. | ካብ ነገድ ደቂ ኣሴር፡ ሹም ኣሒሁድ ወዲ ሸሎሚ። |
| 28. | ካብ ነገድ ደቂ ንፍታሌም፡ ሹም ጴዳህኤል ወዲ ዓሚሁድ። |
| 29. | እቶም ንደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከንኣን ርስቲ ኺመቕልዎም እግዚኣብሄር ዝአዘዞም እዚኣቶም እዮም። |
| ← Numbers (34/36) → |