Numbers (33/36)  

1. ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ብኢድ ሙሴን ኣሮንን ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣጓዕዞኦም እዚ እዩ፡
2. ሙሴ ድማ ነቲ ምውጻኦም ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ምጉዓዞም ብትእዛዝ እግዚኣሄር ጸሐፎ። እቲ ኣጓዕዞኦም ከምቲ ምንቃሎም እዚ እዩ።
3. በያ ቕርዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸአ ንመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኻብ ራዕምሴስ ነቐሉ። ግብጻውያን ነቶም እግዚኣብሄር ኣብ ማእከሎም ዝቐተሎም ኹላቶም በኹርታት ኪቐብሩ ኸለው፡ ንኣማልኽቶም ድማ እግዚኣብሄር ምስ ፈረደሎም፡ ሽዑ ደቂ እስራኤል፡ ኩሎም ግብጻውያን እናረአይዎም ብልዕልቲ ኢድ ጽባሕ ፋስጋ ወጹ።
4. በያ ቕርዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸአ ንመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኻብ ራዕምሴስ ነቐሉ። ግብጻውያን ነቶም እግዚኣብሄር ኣብ ማእከሎም ዝቐተሎም ኹላቶም በኹርታት ኪቐብሩ ኸለው፡ ንኣማልኽቶም ድማ እግዚኣብሄር ምስ ፈረደሎም፡ ሽዑ ደቂ እስራኤል፡ ኩሎም ግብጻውያን እናረአይዎም ብልዕልቲ ኢድ ጽባሕ ፋስጋ ወጹ።
5. ደቂ እስራኤል ከአ ካብ ራዕምሴስ ነቐሉ፡ ኣብ ሱኮት ከአ ሰፈሩ።
6. ካብ ሱኮት ነቒሎም ድማ፡ ኣብታ ኣብ ወሰን ብበረኻ ዘላ ኤታም ሰፈሩ።
7. ካብ ኤታም ነቒሎም ከአ፡ ኣብ መንጽር በዓልጼፎን ናብ ዘላ ጲሃሒሮት ተመሊሶም፡ ኣብ መጣምቲ ሚግዶል ሰፈሩ።
8. ካብ መንጽር ሃሒሮት ነቂሎም ድማ፡ ብማእከል ባሕሪ ገይሮም ናብ በረኻ ተሳገሩ። ኣብ በረኻ ኤታም መጹ። ኣብ ኤሊም ከአ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ፡ ኣብኣ ድማ ሰፈሩ።
9. ካብ መንጽር ሃሒሮት ነቂሎም ድማ፡ ብማእከል ባሕሪ ገይሮም ናብ በረኻ ተሳገሩ። ኣብ በረኻ ኤታም መጹ። ኣብ ኤሊም ከአ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ፡ ኣብኣ ድማ ሰፈሩ።
10. ካብ ኤሊም ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኤርትራ ሰፈሩ።
11. ካብ ባሕሪ ኤርትራ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረኻ ሲን ሰፈሩ።
12. ኣብ በረኻ ሲን ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ረፈዲም ሰፈሩ፡
13. ካብ ዶፍቃ ነቒሎም ድማ ኣብ ኣሉሽ ሰፈሩ።
14. ካብ ኣሉሽ ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ረፈዲም ሰፈሩ፡ ኣብኣ ድማ እቶም ህዝቢ ዚሰትይዎ ማይ ኣይነበረን።
15. ካብ ረፈዲም ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረኻ ሲና ሰፈሩ።
16. ካብ በረኻ ሲና ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ቂብሮትሃታኣባ ሰፈሩ።
17. ካብ ቂብሮትሃታኣባ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓጼሮት ሰፈሩ።
18. ካብ ሓጼሮት ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ሪትማ ሰፈሩ።
19. ካብ ሪትማ ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ሪሞንጵርሬጽ ሰፈሩ።
20. ካብ ሪሞንጰሬጽ ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ቄሄላታ ሰፈአአሩ።
21. ካብ ቄሃላታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ከረም ሸፈር ሰፈሩ።
22. ካብ ቄሃላታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ከረም ሸፈር ሰፈሩ።
23. ካብ ቄሃላታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ከረም ሸፈር ሰፈሩ።
24. ካብ ከረን ሽፈር ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ሓራዳ ሰፈሩ።
25. ካብ ሓራዳ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ማቅሄሎት ሰፈሩ።
26. ካብ ማቅሄሎት ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ታሓት ሰፈሩ።
27. ካብ ታሓተ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ታራ ሰፈሩ።
28. ካብ ታራ ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ሚትቃ ሰፈሩ።
29. ካብ ሚትቃ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓሽሞና ሰፈሩ።
30. ካብ ሓሽሞና ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ሞሴሮት ሰፈሩ።
31. ካብ ሓሽሞና ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ሞሴሮት ሰፈሩ።
32. ካብ ብነያዓቃን ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሖርሃጊድጋድ ሰፈሩ።
33. ካብ ሖርሃጊድጋድ ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ዮጥባታ ሰፈሩ።
34. ካብ ዮጥባታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዓብሮና ሰፈሩ።
35. ካብ ዓብሮና ነቒሎምውን፡ ኣብ ኤጽዮንጋበር ሰፈሩ።
36. ካብ ኤጽዮንጋበር ነቒሎም ከአ፡ ኣብ በረኻ ጺን ሰፈሩ፡ ንሱ ቃዴስ እዩ።
37. ካብ ቃዴስ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶም ካብ ዘሎ ኸረን ሆር ሰፈሩ።
38. ካህን ኣሮን ከአ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ናብ ከረን ሆር ደየበ፡ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት ኣብ ሓምሰይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸአ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣብኡ ሞተ።
39. ኣሮን ኣብ ከረን ሆር ኪመውት ከሎ፡ ወዲ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ።
40. እቲ ከነኣናዊ ንጉስ ኣራድ፡ ኣብ ደቡብ ሃገር ከነኣን ዚነብር ከአ፡ ደቂ እስራኤል ከም ዝመጹ ሰምዔ።
41. ካብ ከረን ሆር ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ጻልሞና ሰፈሩ።
42. ካብ ጻልሞና ነቒሎም ከአ ኣብ ጱኖን ሰፈሩ።
43. ካብ ጱኖን ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኣቦት ሰፈሩ።
44. ካብ ኣቦት ነቒሎም ከአ ኣብ ዒየዓባሪም ዶም ሞኣብ ሰፈሩ።
45. ካብ ዒዮም ነቒሎም ከአ፡ ኣብ ዲቦንጋድ ሰፈሩ።
46. ካብ ዲቦንጋድ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዓልሞንዲብላታዩም ሰፈሩ።
47. ካብ ዓልሞንዲብላተዮም ነቒሎም ኣብ ኣኽራን ዓባሪም ኣብ መንጽር ኔቦ ሰፈሩ።
48. ካብ ኣኽራን ዓባሪም ነቂሎም ድማ፡ ኣብ ጎላጉል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮ፡ ሰፈሩ።
49. ኣብ ዮርዳኖስ፡ ካብ ቤትየሺሞት ክሳዕ ኣቤልሸጢም ኣብ ጎላጉል ሞኣብ ሰፈሩ።
50. እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ጎላጎል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ መንጽር ያሪኮ፡ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
51. ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ በሎም ከኣ፡ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም።
52. ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኹሎም ካብ ቅድሜኹም ስጎጉዎም፡ ኩሉ ምስልታቶም ሰባብሩ፡ ኩሉ ዝፈስስ ምስልታቶም ድማ ሰባብሩ፡ ኩሉ በረኸት ቦትኦም ኣፍርሱ።
53. እታ ሃገር ክትርስተይዋ ሂበኩም እየ እሞ፡ ነታ ሀገር ተረስተይዋ፡ ኣብኣውን ንበሩ።
54. ነታ ምድሪ ኸከም ዓሌትኩም ብዕጭ ተማቐልዋ። ነቶም ብዙሓት ገፊሕ ርስቲ ሀብዎም። ነቶም ሒደት ድማ ጸቢብ ርስቲ ሀብዎም። ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ዕጩ ዝበጽሓቶ ኣብኣ ይረስተ፡ ከከም ነገድ ኣቦታትኩም ተረስትዩ።
55. ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነሩ ኻብ ቅድሜኹም እንተ ዘይሰጎግኩምዎም ግና፡ እቶም ካባታቶም ዘትረፍክምዎም ኣብ ኣዒንትኹ እሾኹ፡ ኣብ መሰንገሌኽም ከአ ዳንዴር ኪኹኑኹም እዮም፡ ብታ እትነብርዋ ሃገር ኬጨንቑኹም እዮምል
56. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ ንኣታቶም ክገብሮም ዝሐሰብኩ፡ ንኣኻትኩም ከምኡ ኽገብረኩም እየ።

  Numbers (33/36)