Numbers (32/36)  

1. ደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ድማ ኣዝዩን ብዙሓት ማል ነበርኦም። እንሆ ኸአ፡ ምድሪ ያዕዜርን ምድሪ ጊልኣድን ቦታ ማል ከም ዝኾነ ምስ ረአዩ፡
2. ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን መጺኦም፡ ንሙሴን ንኻህን ኣልኣዛርን ንሱማምቲ ኣኼባን፡
3. ዓጣሮትን ዲቦንን ያዕዜርን ኒምራህን ሔስቦንን ኤልዓለን ሴባምን ኔቦን ቤዖንን፡
4. እዛ ኣቭ ቅድሚ ኣኼባ እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ዝወቕዓ ምድሪ፡ ምድሪ ማል እያ፡ ገላውኻ ድማ ማል ኣለዋና፡ ኢሎም ተዛረብዎም።
5. ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ሞጎስ እንተ ደአ ረኺብናስ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንገላውኻ ርስቲ ትወሀብ፡ ንዮርዳኖስ ኣይተሳግረና፡ ከአ በሉ።
6. ሙሴ ግና ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን በሎም፡ ኣሕዋትኩም ናብ ውግእ ኪኸዱ ኸለውዶ፡ ኣብዚ ኽትተርፉ ኢኹም።
7. ስለምንታይ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ምድሪ ኸይአትው፡ ልቢ ደቂ እስራኤል እተድክሙ፡
8. ኣቦታትኩም ድማምድሪ ኺርእዩ ኢለ ኻብ ቃዴስ ባርኔዓ ምስ ሰደድክዎም፡ ከምኡ ገበሩ።
9. ክሳዕ ለሰ ኤሽኮል ደይቦም ነታ ምድሪ ምስ ረአይዋ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ምድሪ ኻብ ምእንታው ንልቢ ደቂ እስራኤል ኣሸበርዎ።
10. በታ መዓልቲ እቲአ ኸአ ኩራ እግዚኣብሄር ነደደ እሞ ኸምዚ ኢሉ መሓለ፡
11. ብጀካ ካሌብን ወዲ የፋኔ ቀኒዛውን እያሱ ወዲ ኔዌን፡ ንእግዚኣብሄር ፈጺሞም ስለ ዝሰዐብዎ፡ እዞም ካብ ግብጺ ዝደየቡ ሰባት ፈጺሞም ስለ ዘይሰዐቡኒ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ነታ ንኣብርሃም፡ ንይስሃቅ፡ ንያእቆብ ከአ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣይርእይዋን እዮም።
12. ብጀካ ካሌብን ወዲ የፋኔ ቀኒዛውን እያሱ ወዲ ኔዌን፡ ንእግዚኣብሄር ፈጺሞም ስለ ዝሰዐብዎ፡ እዞም ካብ ግብጺ ዝደየቡ ሰባት ፈጺሞም ስለ ዘይሰዐቡኒ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ነታ ንኣብርሃም፡ ንይስሃቅ፡ ንያእቆብ ከአ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣይርእይዋን እዮም።
13. ኩራ እግዚኣብሄር ከአ ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝነበረ ወለዶ ኽሳዕ ዝውዳእ ዝገበረ ወለዶ ኽሳዕ ዚውዳእ፡ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ኾለል ኣበሎም።
14. ኣቱም ትውልዲ ሓጥኣን ሰባት፡ ነቲ ነዳዲ ኹራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከተበርትዑ፡ እንሆ ክንዲ ኣቦታትኩም ተንሳእኩም።
15. ካብ ምስዓቡ እንተ ተመለስኩም፡ ንሱ ኸአ መሊሱ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ይሓድጎም እሞ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኹሉ ተጥፍእዎ ኣሎኹም።
16. ንሳቶም ከአ ናብኡ ቐሪቦም በሉ፡ ኣብዚ ንማልና ደቤታት፡ ንቖልዑና ድማ ከተማታት ክንሰርሕ፡
17. ንሕና ግና፡ ናብታ ቦታኦም ክሳዕ እንእትዎም፡ ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ክንከይድ ተዳሊና ኣጽዋር ሒዝና ኣሎና። ደቅና ኸአ ብዛዕባ እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ፡ ኣብ ጽንዓት ከተማታት ይቀመጡ።
18. ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ረርስቱ ኽሳዕ ዚረክብ፡ ናብ ኣባይትና ኣይንምለስን።
19. ርስትናስ ኣብ ክነጀው ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ በጺሑና እዩ እሞ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ንየው ምሳታትቶም ርስቲ ኣይንወርስን።
20. ሙሴ ድማ በሎም፡ እዚ ነገርዚ እንተጌርኩም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከአ ንውግእ ኣጽዋር እንተ ሒዝኩም፡
21. ንጸላእቱ ድማ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚሰጎም፡ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትግዛእ፡ ኩሎም ሰልፈኛታትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮምሲ፡ ድሕርቲ ትምለሱ፡ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ እስራኣኤልን ከአ በይ በደል ትኾኑ፡ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርስትኹም ክትከውን እያ።
22. ንጸላእቱ ድማ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚሰጎም፡ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትግዛእ፡ ኩሎም ሰልፈኛታትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮምሲ፡ ድሕርቲ ትምለሱ፡ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ እስራኣኤልን ከአ በይ በደል ትኾኑ፡ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርስትኹም ክትከውን እያ።
23. ከምኡ እንተ ዘይገበርኩም ግና፡ እንሆ ኣብ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ገበርኩም፡ ሓጢኣትኩም ከም ዚረኸብኩም ድማ ፍለጡ።
24. ንደቅኹም ከተማታት፡ ነባጊዕኩም ከአ ደምቤታት ስርሑ፡ እቲ ኻብ ኣፍኩም ዝወጸ ድማ ግበርዎ።
25. ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንሙሴ፡ ገላውኻ ኸምቲ ጐይታይ ዝአዘዞ ኺገብሩ እዮም።
26. ቆልዑናን ኣንስትናን መጓሰ ኣባጊዕናን ኩሉ ማልናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ጊልኣግ ይኹኑ።
27. ገላውኻ ግና ኩላቶም ንውግእ ኣጽዋአ ዝሐዙ፡ ከምቲ ጐይታይ ዝበሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዋግኡ ይሳገሩ፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
28. ሙሴ ድማ ንኻህን ኣልኣዛርን ንእያሱ ወዲ ነዌን፡ ንሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ብዛዕባኦም ኣዘዘ።
29. ሙሴ ኸአ ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንውግእ ኣጽዋር ዝሓዙ ኹሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዋግኡ፡ ምሳኻትኩም ዮርዳኖስ እንተ ተሳገሩ፡ እታ ሃገር ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዝኤት፡ ሽዑ ምድሪ ጊልኣድ ርስቲ ሀብዎም።
30. ኣጽዋር ሒዞም ምሳኻትኩም እንተ ዘይተሳገሩ፡ በሎም።
31. ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንገላውኻ ዝበሎም፡ ከምኡ ንገብር።
32. ንሕና ኣጽዋር ሒዝና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸንኣን ንሳገር፡ እቲ እንርስተዮ ርስቲ ኸአ ኣብዚ ኣብ ክነጀው ዮርዳኖስ ይኹነልና፡ ኢሎም መለሱ።
33. ሙሴ ኸአ ንኣታቶም ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ወዲ ዮሴፍን፡ መንግስቲ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ መንግስቲ ዖግ ንጉስ ባሳን፡ እታ ሃገር፡ ከተማታት ምስ ከባቢኤን፡ ናይታ ኣብ ዙርያ ዘላ ሃገር ከተማታት ድማ ሀቦም።
34. ደቂ ጋድ ድማ፡ ዲቦንን ዓጣሮትን ዓሮዔርን፡
35. ዓጥሮትሾፋንን ያዕዜርን ዮግብሃን፡
36. ቤትኒምራን ቤትሃራንን፡ እተዐርዳ ኸተማታት፡ ደምቤታት ኣባጊዕ ከአ ሰርሑ።
37. ደቂ ሮቤል ድማ ሔስቦንን ኤልዓለን ቂርያታዩምን፡
38. ኔቦን በዓልሜዖንን ሰርሑ፡ ስመን ከአ ተለወጠ፡ ሲብማውን ሰርሑ። ነተን ዝሰርሕወን ከተማታት ከአ ካልእ ስም ኣውጽኡለን።
39. ደቂ ማኪር ወዲ ማናሴ ድማ ናብ ጊልኣድ ከይዶም ሐዝዋ፡ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኣሞራውያን ከአ ሰጎጉዎም።
40. ሙሴ ድማ ንማኪር ወዲ ምናሴ ጊልኣድ ሀቦ፡ ኣብኣ ኸአ ተቐመጠ።
41. ያኢር ወዲ ምናሴ ድማ ከይዱ ዓድታቶም ሐዘ፡ ዓድታት ያኢር ኢሉ ኸአ ሰመየን።
42. ኖባ ድማ ከይዱ ንቔናትን ኣቑሻታን ሓዛ፡ ብስሙ ኸአ ኖባ ኣውጽኣላ።

  Numbers (32/36)