Numbers (31/36)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንደቂ እስራኤል ንሚድያናውያንን ሕጊ ፍደየሎም፡ ድሕሪኡ ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ፡ ኢሉ ተዛረቦ።
2. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንደቂ እስራኤል ንሚድያናውያንን ሕጊ ፍደየሎም፡ ድሕሪኡ ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ፡ ኢሉ ተዛረቦ።
3. ሙሴ ኸአ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ካባኻትኩም ሰባት ንውግእ ይዳለው፡ ኣብ ሚድያን ሕጊ እግዚኣብሄር ዝፈድዩ ኸአ ንሚድያን ይኺዱ።
4. ካብ ኩሎም ነገዳት እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሽሕ ሰብ ንውግእ ሰደዱ።
5. ካብ ኣሽሓት እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሽሕ ዝወጹ፡ ንኣታቶምን ነቲ ምስ ኣቕሑ መቕደስን መለኸት መመልከትን ኣብ ኢዱ ዝነበሮ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን ናብ ውግእ ሰደዶም።
6. ካብ ኣሽሓት እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሽሕ ዝወጹ፡ ንኣታቶምን ነቲ ምስ ኣቕሑ መቕደስን መለኸት መመልከትን ኣብ ኢዱ ዝነበሮ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን ናብ ውግእ ሰደዶም።
7. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ኸአ፡ ምስ ሚድያን ተዋግኡ፡ ንኹሉ ተባዕታይ ድማ ቐለሉ።
8. ንነገስታት ሚድያን ድማ፡ ንኤዊን ሬቀምን ጹርን ሑርን ሬባዕን፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ሚድያን ምስቶም ቅቱላቶም ቀተልዎም። ንበላዓም ወዲ ቤዖር ድማ ብሴፍ ቀተልዎ።
9. ደቂ እስራኤል ከአ ነንስቲ ሚድያንን ንቖልዑኤንን ማረኹ። ኩሉ ማሎምን ኩሉ ጥሪቶምን ኩሉ ገንዘቦምን ዘመቱ።
10. ንኹለን ዚነብሩለን ከተማታቶምን ኩሉ ሰፈሮምን ከአ ብሓዊ ኣነደዱ።
11. ኩሉ ሰለባን ኩሉ ምርኮን፡ ሰብ ኮነ ማል ኮነ ወሰዱ።
12. ነቶም ምሩኻትን ነቲ እተዘምተን ነቲ ሰለባን ድማ ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ፎላፉል ሞኣብ ናይ ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጽር ያሪኮ ኣምጽእዎ።
13. ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኩሎም ሹማምቲ እቲ ኣኼባን ድማ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኪቕበልዎም ወጹ።
14. ሙሴ ኸአ በቶም ካብ ውግእ እተመልሱ ሓላቑ ሰራዊት፡ በቶም ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን፡ ተናደደ።
15. ሙሴ ድማ በሎም፡ ንኹለን ኣንስቲዶ ብህይወት ሓዲግኩምወን፡
16. እንሆ በቲ ናይ ጴዖር ነገር፡ ብምኽሪ በላዓም፡ ንደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዘጥለማኦም ንሳተን እየን፡ ስለዚ ኸአ ኣብቲ ኣኼባ እግዚኣብሄር መዓት ኮነ።
17. ሕጂ ድማ ካብ ቆልዑ ተባዕታይ ዘበለ ቕተሉ፡ ምስ ተባዕታይ ብምድቃስ ሰብኣይ ዝፈለጣ ኹለን ኣንስቲ ኸአ ቅተልወን።
18. ንስኻትኩም ከአ ክሳዕ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ስፈሩ፡ ሰብ ዝቐተለ ዘበለን እተቐትለ ዝተንከየ ዘበለን ከአ፡ ንስኻትኩምን ምሩኻትኩምን፡ ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሳብዐይቲ መዓልትን ርእስኹም ኣንጽሁ።
19. ንስኻትኩም ከአ ክሳዕ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ስፈሩ፡ ሰብ ዝቐተለ ዘበለን እተቐትለ ዝተንከየ ዘበለን ከአ፡ ንስኻትኩምን ምሩኻትኩምን፡ ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሳብዐይቲ መዓልትን ርእስኹም ኣንጽሁ።
20. ኩሉ ኽዳውንትን ኩሉ ኣቕሓ ቖርበትን ካብ ጸጉሪ ጤል እተገብረ ኹሉን ኩሉ ኣቕሓ ዕጨይትን ኣንጽህዎ።
21. ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቶም ኣብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ሰባት በሎም፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡
22. ወርቅን ብሩርን፡ ኣስራዚ፡ ሓጺን ቁርቁሮን ዓረርን፡
23. ሓዊ ዚኽእል ኩሉ ነገር ብሓዊ ኣሕልፍዎ፡ ይነጽህ ድማ፡ በቲ ዜንጽህ ማይ ከአ ይንጻህ። ሓዊ ንዘይኽእል ኩሉ ድማ ብማይ ኣሕልፍዎ።
24. ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸአ ክዳውንትኹም ሕጸቡ፡ ትነጽሁ ኸአ። ድሕርቲ ናብ ሰፈር ትአትው።
25. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
26. ንስኻን ካህን ኣልኣዛርን ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ኣኼባን ዃንኩም ነቲ ምርኮ ሰቡን ማሉን፡ ቁጽርዎ።
27. እቲ ምርኮ ነቶም ኣብ ውግእ ዝኸዱ ተዋጋእትን ንብዘሎ እቲ ኣኼባን ፍርቂ ፍርቂ ጌርኩም ምቐልዎም።
28. ካብቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ሰብ ውግእ፡ ካብ ሰብን ካብ ኣሓን ካብ ኣእዱግን ካብ ኣባጊዕን ከካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ሓንቲ ነፍሲ እግዚኣብሄር ግብሪ ኣልዕል።
29. ካብቲ ፍሮምን ውሰዱ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዚውዝውዝ መስዋእቲ ኪኸውን፡ ንኻህን ኣልኣዛር ሀቦ።
30. ካብ ፍርቂ ናይ ደቂ እስራኤል ከአ፡ ካብ ሰብ፡ ካብ ኣሓ፡ ካብ ኣእጉድን ካብ ኣባጊዕን፡ ካብ ኩለን ከብቲ ከካብ ሓምሳ ሓደ ውሰድ፡ ነቶም ሓለዋ ማሕደር እግዚኣብሄር ዚሕልው ሌዋውያን ሀቦም።
31. ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገበሩ።
32. እቲ እተዘምተ፡ ካብቲ እቶም ሰብ ውግእ ዝዘመትዎ ዝተረፈ ዝማት ሹዱሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ በጊዕ፡
33. ሰብዓን ክልተን ሽሕ ላም፡
34. ስሳን ሓደን ሽሕ ኣድጊ፡
35. ኩልኹለን ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰብ ከአ ምስ ተባዕታይ ምድቃስ ዘይፈለጣ ነፍሳት ኣዋልድ።
36. እቲ ፍርቂ፡ ግደ እቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ፡ ቁጽሪ እተን ኣባጊዕ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ሽሕ ሓሙሽተ ሚእትን ኮነ።
37. ካብ ኣባጊዕ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ሹዱሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ኮነ።
38. ኣሓ ድማ ሰላሳን ሹዱሽተን ሽሕ፡ ካብኡ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ሰብዓን ክልተን፡
39. ኣእዱግ ከአ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ካብኡ ግብሪ እግዚኣብሄር ሰላሳን ክልተን ነፍሲ።
40. ኣእዱግ ከአ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ካብኡ ግብሪ እግዚኣብሄር ሰላሳን ክልተን ነፍሲ።
41. ሙሴ ድማ እቲ ግብሪ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዓል መስዋእቲ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ንኻህን ኣልኣዛር በሆ።
42. እቲ ኻብቶም ኣብ ውግእ ዝነበሩ ሙሴ ዝመቐሎ፡ ፈረቓ እቲ ግደ ደቂ እስራኤል ከአ፡
43. እቲ ናይቲ ኣኼባ ፍርቂ፡ ካብ ኣባጊዕ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡
44. ኣሓ ሰላሳን ሹዱሽተን ሽሕ፡
45. ኣእዱግ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡
46. ነፍሲ ሰብ ድማ ዓሰርተው ሹዱሽተ ሽሕ ኮነ።
47. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ድማ፡ ሙሴ ኻብዚ ናይ ደቂ እስራኤል ፍርቂ፡ ካብ ሰብን ካብ እንስሳን ከካብ ሓምሳ ሓደ ወሲዱ፡ ነቶም ሓለዋ ማሕደር እግዚኣብሄር ዚሕልው ዝነበሩ ሌዋውያን ሀቦም።
48. እቶም ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ሰራዊት እተሾሙ ሓላቑ ኣሽሓትን ሓላቑ ሚእትታትን ድማ ናብ ሙሴ ቐረቡ፡
49. ንሙሴ ኸአ፡ ገላውኻ ቁጽሪ እቶም ኣብ ትሕቴና ዘለው ዓቀይቲ ቖጽርና፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጎደለን።
50. ነፍሲ ወከፍ ካባና ድማ ኣቕሓ ወርቂ ዝረኸበ፡ ኣልቦ፡ ኣምባር፡ ቀለቤት፡ ኩትሻ፡ ድሪ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኼተዐርቐና፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረብና፡ በልዎ።
51. ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከኣ ነቲ በብዓይነቱ እተሰርሔ ኣቓሑ ወርቂ ኻባታቶም ወሰድዎ።
52. እቲ ኻብ ሓላቑ ኣሽሓትን ካብ ሓላቑ ሚእትትታን ንእግዚኣብሄር ዚልዓል መስዋእቲ ዘቕረብዎ ኹሉ ወርቂ ዓሰርተው ሹዱሽተ ሽሕን ሚእትን ሓምሳን ሲቃል ኮነ።
53. እቶም ሰብ ውግእ፡ ነፍሲ ወከፍ ነንርእሱ፡ ዚኾኖ ማሪኹ ነበረ።
54. ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ነቲ ወርቂ ኻብ ሓላቑ ኣሽሓትን ሚእትታትን ወሲዶም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ደቂ እስራኣኤል ኪኸውን፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣእተውዎ።

  Numbers (31/36)