| ← Numbers (30/36) → |
| 1. | ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኹሉ ድማ፡ ንሙሴ ንደቂ እስራኤል ነገሮም። |
| 2. | ሙሴ ኸአ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡ |
| 3. | ሰብ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔ፡ ወይ ምሒሉ፡ ገለ ነገር ይትረፈኒ ብምባል፡ ነፍሱ ብማሕላ እንተ ኣሰረ፡ ቃሉ ኣየፍርስ፡ ከምቲ ኻብ ኣፉ ዝወጸ ኩሉ ይግበር። |
| 4. | ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተመባጽዔት፡ ብገለ ማእሰር ከአ እንተ ተአስረት፡ |
| 5. | ኣቦኣ ድማ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ መእሰርን እንተ ሰምዔ፡ እሞ ኣቦኣ ብዛዕባ እዚ ስቕ እንተ በለ፡ ኩሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ኹሉ መእሰሪ ኸአ ይቑም። |
| 6. | ኣቦኣ ቦታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ኩሉ መብጽዓአን እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ መእሰርን ኣይቑም። ኣቦኣ እዩ ዝኸልኣ እሞ፡ እግዚኣብሄር ከአ ይቕረ ኺብለላ እዩ። |
| 7. | ተማባጺዓ፡ ኸላ ወይ ብተሀዋኽ ካብ ኣፉ ቓል እንተ መለቛ እሞ፡ ብእኡ ነፍሳ ኣሲራ ኸላ ኣብ ሰብኣይ እንተ ተአትወት፡ |
| 8. | እቲ ሰብኣያ ኸአ ሰሚዑ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ እንተ በለ፡ እቲ መብጽዓአ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ መእሰሪአ ድማ ይቑም። |
| 9. | እቲ ሰብኣያ በቲ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልአ ግና፡ ንሱ ነቲ መብጽዓአን ነቲ ብእኡ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ብታህዋኽ ካብ ኣፉ ዝመለቖ ቓልን ከንቱ ይገብሮ፡ እግዚኣብሄር ከአ ኪሓድገላ እዩ። |
| 10. | ናይ መበለት ወይ ናይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብጽዓ ግና ነፍሳ ዝአሰረትሉ ኹሉ ይቑመላ። |
| 11. | ኣብ ቤት ሰብኣያ ኸላ ድማ፡ እንተ ተማባጽዔት ወይ ብናይ ማሕላ መእሰሪ ነፍሳ እንተ ኣሰረት፡ |
| 12. | ሰብኣያ ኸአ ሰሚዑ ስቕ እንተ በለ እሞ እንተ ዘይከልአ፡ ኩሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ኹሉ መእሰሪ ድማ ይቑም። |
| 13. | ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ብዛዕባ መብጽዓኣ ወይ ብዛዕባ እቲ እተአስረትሉ፡ ካብ ኣፉ ዝወጸ ኹሉ ኣይቐውምን። ሰብኣያ እዩ ኸንቱ ዝገበሮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ይቕረ ኺብለላ እዩ። |
| 14. | ነፍሳ ኽተትሕት ኢላ እተማባጽዓቶ ኹሉ ወይ ናይ ማሕላ መእሰሪ ዘበለ ሰብኣይ የቑሞ፡ ሰብኣይ ኸአ ከንቱ የገብሮ። |
| 15. | ሰብኣይ ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ ስቕ እንተ በለ ግና፡ ንኹሉ መብጽዓኣን ንኹሉ ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ መእሰሪኣን እቆሞ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣቖሞ። |
| 16. | ምስ ሰምዔ፡ ጸኒሑ ፈጺሙ ኸንቱ ኣንተ ገበሮ ግና፡ ንሱ በደላ ይጸውር። |
| ← Numbers (30/36) → |