Numbers (30/36)  

1. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኹሉ ድማ፡ ንሙሴ ንደቂ እስራኤል ነገሮም።
2. ሙሴ ኸአ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡
3. ሰብ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔ፡ ወይ ምሒሉ፡ ገለ ነገር ይትረፈኒ ብምባል፡ ነፍሱ ብማሕላ እንተ ኣሰረ፡ ቃሉ ኣየፍርስ፡ ከምቲ ኻብ ኣፉ ዝወጸ ኩሉ ይግበር።
4. ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተመባጽዔት፡ ብገለ ማእሰር ከአ እንተ ተአስረት፡
5. ኣቦኣ ድማ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ መእሰርን እንተ ሰምዔ፡ እሞ ኣቦኣ ብዛዕባ እዚ ስቕ እንተ በለ፡ ኩሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ኹሉ መእሰሪ ኸአ ይቑም።
6. ኣቦኣ ቦታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ኩሉ መብጽዓአን እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ መእሰርን ኣይቑም። ኣቦኣ እዩ ዝኸልኣ እሞ፡ እግዚኣብሄር ከአ ይቕረ ኺብለላ እዩ።
7. ተማባጺዓ፡ ኸላ ወይ ብተሀዋኽ ካብ ኣፉ ቓል እንተ መለቛ እሞ፡ ብእኡ ነፍሳ ኣሲራ ኸላ ኣብ ሰብኣይ እንተ ተአትወት፡
8. እቲ ሰብኣያ ኸአ ሰሚዑ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ እንተ በለ፡ እቲ መብጽዓአ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ መእሰሪአ ድማ ይቑም።
9. እቲ ሰብኣያ በቲ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልአ ግና፡ ንሱ ነቲ መብጽዓአን ነቲ ብእኡ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ብታህዋኽ ካብ ኣፉ ዝመለቖ ቓልን ከንቱ ይገብሮ፡ እግዚኣብሄር ከአ ኪሓድገላ እዩ።
10. ናይ መበለት ወይ ናይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብጽዓ ግና ነፍሳ ዝአሰረትሉ ኹሉ ይቑመላ።
11. ኣብ ቤት ሰብኣያ ኸላ ድማ፡ እንተ ተማባጽዔት ወይ ብናይ ማሕላ መእሰሪ ነፍሳ እንተ ኣሰረት፡
12. ሰብኣያ ኸአ ሰሚዑ ስቕ እንተ በለ እሞ እንተ ዘይከልአ፡ ኩሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ኹሉ መእሰሪ ድማ ይቑም።
13. ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ብዛዕባ መብጽዓኣ ወይ ብዛዕባ እቲ እተአስረትሉ፡ ካብ ኣፉ ዝወጸ ኹሉ ኣይቐውምን። ሰብኣያ እዩ ኸንቱ ዝገበሮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ይቕረ ኺብለላ እዩ።
14. ነፍሳ ኽተትሕት ኢላ እተማባጽዓቶ ኹሉ ወይ ናይ ማሕላ መእሰሪ ዘበለ ሰብኣይ የቑሞ፡ ሰብኣይ ኸአ ከንቱ የገብሮ።
15. ሰብኣይ ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ ስቕ እንተ በለ ግና፡ ንኹሉ መብጽዓኣን ንኹሉ ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ መእሰሪኣን እቆሞ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣቖሞ።
16. ምስ ሰምዔ፡ ጸኒሑ ፈጺሙ ኸንቱ ኣንተ ገበሮ ግና፡ ንሱ በደላ ይጸውር።

  Numbers (30/36)