Numbers (3/36)  

1. በታ እግዚኣብሄር ኣብ ከረን ሲና እተዛረበላ መዓልቲ፡ ወለዶ ኣሮንን ሙሴን እዚ እዩ።
2. ስም ደቂ ኣሮን እዚ እዩ፡ ነዳብ እቲ በኹርን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን።
3. ስም እቶም እተቐብኡ ኻህናት፡ ንኽህነት ዝቐደሶም ደቂ ኣሮን እዚ እዩ።
4. ናድብ ኣቢሁን ከኣ ኣብ በረኻ ሲና ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጋሻ ሓዊ ምስ ኣቕረቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ፡ ውሉድ ከኣ ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛር ኢታማርን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦኦም ኣሮን ብኽህነት የገልግሉ ነበሩ።
5. እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
6. ንነገድ ሌዊ ናብዚ እቕርቦ፡ ምእንቲ ኼገልግልዎ ባ ቅድሚ ኣሮን ካህን፡ ደው ኣብሎም።
7. በቲ ዕዮ ኣገልግሎት ማሕደር ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ መዙን መዚ ኹሉ እቲ ኣኼባን ይሐልው።
8. ኩሉ እቕሓ ድንኳን ምርኻብን መዚ ደቂ እስራኤልን ኣብ ዕዮ ኣገልግሎት ማሕደር።
9. ሌዋውያን ንኣሮንን ንደቁን ሀቦም፡ ንሳቶም ካብ ደቂ እስራኤል ብመልኦም ንእኡ ተወፍዮም እዮም።
10. ንኣሮንን ንደቁን ድማ እቲ ናይ ክህነቶም ኪሕልው ኣመዝዞም። ጓና እንተ ቐረባ ኸአ ይሙት።
11. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
12. እንሆ፡ ኣነ ኣብ ክንዲ እቶም ኣብ ደቂ እስራኤል ማሕጸን ዝኸፈተ ኹሉ በኩሪ ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኣኤል ወሲዶም እየ እሞ፡ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ።
13. በኹሪ ዝኾነ ኹሉ ንኣይ እዩ እሞ፡ በታ ንኹሉ በኹሪ ሃገር ግብጺ ዝወቓዕኩላ መዓልቲ፡ ሰብ ኮነ፡ እንስሳ ኾነ፡ ኩሉ በኹሪ ኣብ እስራኤል፡ ንኣይ ቀዲሰዮ እየ፡ ንኣይ ይኹን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
14. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
15. ንደቂ ሌዊ በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብዓሌቶምን ቁጽሮምን፡ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ኹሉ ተባዕታይ ቁጽሮም።
16. ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዞ ገይሩ ቖጸሮም።
17. ደቂ ሌዊ በብስሞም እዚኣቶም እዮም፡ ጌርሾንን ቃሃትን መራሪን።
18. ስም ደቂ ጌርሾን ድማ በብዓሌቶም እዚ እዩ፡ ሊብኒን ሺምዒን።
19. ደቂ ቃሃት ድማ በብዓሌቶም፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን እዮም።
20. ደቂ መራሪ ድማ በብዓሌቶም፡ ማሕሊን ሙሺን እዮም። ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም።
21. ካብ ጌርሾን ዓሌት ሊብናውያንን ዓሌታት ሺምዓውያንን እዮም፡ እዚኣቶም ዓሌታት ጌርሾናውያን እዮም።
22. ቁጽሪ እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለው ኹሎም ቑጹራት ተባዕትዮ፡ እቶም ቁጽራቶም ሾብዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዮም።
23. ዓሌታት ጌርሾናውያን ብድሕሪ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራብ ይስፈሩ።
24. ሹም ማይ ቤት ኣቦ ጌርሾናውያን ኤልያሳፍ ወዲ ላኤል እዩ።
25. ሓለዋ ደቂ ጌርሾን ኣብ ድንኳ ምርኻብ ድማ ነቲ ማሕደርን መኽደኒኡን መደረብራኣኡን መጋረጃ ኣፍ ድንኳን ምርኻብን፡
26. መጋረጃታት ኣጸድን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ዙትያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን ኣግማድን ናይ ኩሉ ኣገልግሎቱ እዩ።
27. ካብ ቃሃት ድማ ዓሌት ኣምራማውያንን ዓሌት ይጽሃራውያንን ዓሌት ሔብሮናውያንን ዓሌት ዑዙኤላውያንን እዮም፡ እዚኣቶም ዓሌታት ቃሃታውያን እዮም።
28. እቶም ሐለዋ መቕደስ ዚሕልው ዝነበሩ ኻብ ወርሒ ንላዕሊ ዘለው ኹሎም ተባዕትዮ ምስ ተቖጽሩ፡ ሾሞንተ ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ኮኑ።
29. ዓሌታት ደቂ ቃሃት ንማሕደር ብሸነኽ ደቡብ ይስፈሩ።
30. ሹም ማይ በኢት ኣቦ ዓሌታት ቃሃታውያን ድማ ኤሊጻፋን ወዲ ዑዙኤል እዩ።
31. ሓለዋኦም ድማ ታቦት ሰደቓን ቀዋሚ ቐንዴልን መሰውኢታትን ንመቕደስ ዜገልግሉሉ ኹሉ እቓሑን እቲ መጋረጃን ናይ ኩሉ ኣገልግሎቱን እዩ።
32. ሹም ሹማምቲ ሌዋውያን ከኣ ኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮን እዩ። ንሱ ነቶም ሓለዋ መቕደስ ዚሕልው፡ ገበዞም ይኹን።
33. ካብ መራሪ፡ ዓሌት ማህላውያንን ዓሌት ሙሻውያንን እዮም፡ እዚኣቶም ዓሌታት መራሪ እዮም።
34. ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለው ኹሎም ተባዕትዮ ምስ ተቖጽሩ፡ እቶም ቑጹራቶም ሹዱሽተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።
35. ሹም ማይ ቤት ኣቦ ዓሌታት መራሪ፡ ጹርኤል ወዲ ኣቢሓይል እዩ። ንሳቶም ንማሕደር ብሸነኽ ሰሜኑ ይስፈሩ።
36. እተመዘዝዎ ሓለዋ ደቂ መራሪ ድማ ንኣልዋሕ ማሕደርን ጋድማቱን ኣኦኑዱን ኣእጋሩን ኩሉ እቓሑኡን ናይ ኩሉ ኣገልግሎቱን፡
37. ኣዕኑድ እቲ ኣጸድ በብዙርያኡን ኣእጋሩን ሸኻውልቱን ኣግማዱን እዩ።
38. እቶም ኣብ መንጽር ማሕደር ብምብራቑ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ፡ ብሸነኽ ምውጻእ ጸሓይ ዚሰፍሩ፡ ሙሴን ኣሮንን ደቁን እዮም። ንሳቶም ነቲ ሓለዋ ደቂ እስራኤል ኣብ መቕደስ ዚሕሎ ይሕልው ነበሩ። ጓና ናብኡ እንተ ቐረበ ኸኣ ይሙት።
39. እቶም እተቖጽሩ ኩሎም ሌዋውያን፡ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር በብዓሌቶም ዝቖጸርዎም፡ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለው ኹሎም ተባዕትዮ ዕስራን ክልተን ሽሕ ኮኑ።
40. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ኩሎም ተባዕትዮ በኹሪ ደቂ እስራኤል ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ንዘለው ቑጸር፡ ቁጽሪ ስሞም ድማ ውሰድ።
41. ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ኹሎም በኹሪ ኣብ ደቂ እስራኤል፡ ማል ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ በኹሪ ማል ደቂ እስራኤል ንኣይ ውሰዶም።
42. ሙሴ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንኹሉ በኹሪ ኣብ ደቂ እስራኤል ቆጸረ።
43. ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ኹሉ በኹሪ ተባዕታይ በብስሞም እተቖጽሩ፡ ቁጹራቶምን ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን ኮኑ።
44. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
45. ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ኹሉ በኹሪ ኣብ ደቂ እስራኤል፡ ማል ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ ማሎም ውሰድ፡ ሌዋውያን ናተይ ይኹኑ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
46. በጃ እቶም ክልተ ሚእትን ሰብዓን ስለስተን በኩር ደቂ እስራኤል፡ ካብ ቁጽሪ ሌዋውያን ዝሐለፉ ኸኣ፡
47. ነንርእሲ ሓሙሽተ ሲቃል ውሰድ፡ ብሲቃል መቕደስ ውሰድ፡ ሲቃል ዕስራ ጌራ እዩ።
48. ናይቶም ሕልፊ ዝኾኑ ኸኣ ገንዘብ በጃ ንኣሮንን ንደቁን ሀቦም።
49. ሙሴ ድማ ካብቶም ብሌዋውያን እተበጀዎም ሕልፊ ዝኾኑ፡ ገንዘብ በጃ ወሰደ።
50. ካብ በኹርታት ደቂ እስራኣኤል ብሲቃል መቕደስ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ሲቃል ገንዘብ ወሰደ።
51. ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ እቲ ገንዘብ በጃ ንኣሮንን ንደቁን ሀቦም።

  Numbers (3/36)