← Numbers (29/36) → |
1. | ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸአ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። ንሳ መዓልቲ ቓና መለኸት ትኹነልኩም። |
2. | ሽዑ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል ፡ ጎድለኦ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡ |
3. | ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከአ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ |
4. | ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ከአ ነንገንሸል ሓደ ዓስራይ ኣፍ፡ |
5. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ንምትዕራቕኩም ሓድ ድቤላ፡ |
6. | እዚ ብጀካ ኣቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዚሐርር መስዋእትን ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋኣትን ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ። |
7. | ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ እዚኣ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኸአ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ነፍስኹም ከአ ኣዋርዱ። ገለ ዕዮ ኣይትዕየዩ። |
8. | ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጎደሎ ዜብሎም ከኣ ይኹነልኩም። |
9. | ናይ ብልዒ መስዋእቶም ድማ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ከአ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ |
10. | ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ነንገሽል ዓስራይ ኣፍ፡ |
11. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ንመተዓረቒ ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣቕርቡ። |
12. | ኣብታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ኣብዕሉ። |
13. | ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሓርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ፡ ኣቕርቡ፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጎደሎ ዜብሎም ከአ ይኹኑ። |
14. | ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከአ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቶም ክልተ ድዑል ድማ ነንሓደ ድዑል ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ |
15. | ነቶም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ከአ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ፡ |
16. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርርትግ ዚሐርር መስዋእቱ፡ ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን ጌርኩም ኣቕርቡ። |
17. | ኣብቲ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ፡ ዓስርተው ክልተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ |
18. | ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝርብዓትን ደዓውልን ገንሸልን ከምቲ ቖጸሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ |
19. | ንመስዋእቲ ሓጢአት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣቕርቡ። |
20. | በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተው ሓደ ዝራብዕ።ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ |
21. | ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቖጸሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ |
22. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን። |
23. | በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓስርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ |
24. | ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቖጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ |
25. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሓርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን። |
26. | በታ ሓምሰይቲ መዓልቲ ድማ ትሽዓተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት። |
27. | ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቖጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ |
28. | ንመስዋእቲ ሓጢአት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን። |
29. | በቲ ሳድሰይቲ መዓልቲ ድማ ሾሞንተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ |
30. | ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቒጸሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ |
31. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን። |
32. | በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ሾብዓተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ |
33. | ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቑጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ |
34. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን። |
35. | በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ክቡር ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ኩሉ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። |
36. | ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ዚሓርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡ |
37. | እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቲ ዝራብዕን ነቲ ድዑልን ንገሸልን፡ ከምቲ ቑጽሮም፡ ከምቲ ኣተሰርዔ፡ |
38. | ንመስዋእቲ ሓጢአት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን። |
39. | እዚ ብጀካ እቲ መብጽዓኹምን ናይ ፍቓድ መስዋእትኹምን ንዚሐርር መስዋእትኹም ኮነ ወይ ናይ ብልዒ መስዋእትኹም ወይ ናይ መስተ መስዋእትኹም ወይ ናይ ምስጋና መስዋእትኹም በቶም ዓበይቲ በዓልት ንእግዚኣብሄር ከተቕርቡ ኢኹም። |
← Numbers (29/36) → |