Numbers (28/36)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ።
2. ንደቂ እስራኣኤል፡ መስዋእተይ እቲ ብልዔይ፡ ነቲ ጥዑም ጨና ዚኾነኒ ናይ ሓዊ መስዋእተይ፡ በቲ ምዱብ ጊዚኡ ከተቕርቡለይ ሓልው ኢልካ ኣዝዞም፡
3. በሎም ድማ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ሓዊ እዚ እዩ፡ ነቲ ናይ ወርትግ ዚሓርር መስዋእቲ ነንመዓልቲ ጎደሎ ዜብሎም ክልተ ገንሸል ዓመት ንሓደ ገንሸል ብጊሓት ሰውኣዮ።
4. ንመስዋእቲ ብልዒ ኸአ ብርብዒ ሂን ጉዱእ ዘይቲ እተቖምጥዔ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ።
5. ንመስዋእቲ ብልዒ ኸአ ብርብዒ ሂን ጉዱእ ዘይቲ እተቖምጥዔ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ።
6. እዚ እቲ ኣብ ከረን ሲና እተቐረበ ናይ ወርትግ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ንእግዚኣብሄር ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ።
7. ንመስዋኣቲ መስተ ኸአ ምስቲ ሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ይኹን። ኣቲ መስዋእቲ መስተ ኻብ ብርቱዕ መስተ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ ቦታ ይኹዖ።
8. ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ምሸት ሰውኣዮ። ከምቲ ናይ ብጊሓት ምስ መስዋኣቲ ብልዕን ምስ መስዋእቲ መስተን ጊርካ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ንመስዋእቲ ሓዊ ሰውኣዮ።
9. ብመዓልቲ ሰነብት ድማ ክልተ ገንሸል ዓመት ጎደሎ ዜብሎም፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸአ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ምስኡ ኸአ ናይ መስተ መስዋእቱ።
10. እዚ በጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ናይ ሰንበት ሰንበት ዚሓርር መስዋእቲ እዩ።
11. ኣብ መጀምርታ ኣዋርሕኩም ድማ ክልተ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ጎደሎ ዜብሎም፡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ከተቕርቡ ኢኹም።
12. መስዋእቲ ብልዒ ድማ ነንሓደ ዝራብዕ ስለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ነቲ ድዑል መስዋእቲ ብልዒ ኸአ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ።
13. ነንሓደ ገንሸል መስዋእቲ ብልዒ ድማ ሓደ ዓስራይ ኣፍ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ንጥዑም ጨና ዚሓርር መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር።
14. ናይ መስተ መስዋእቶም ድማ ንዝራብዕ ፈረቓ ሂን ወይኒ፡ ንድዑል ከአ ሳልሳይ ኣፍ ሂን፡ ንገንሸል ከአ ርብዒ ሂን። እዚ ኣብ ናይ ዓመት ኣዋርሕ። በብወርሒ ዚሓርር መሰዋእቲ እዩ።
15. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ይሰዋእ።
16. በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸአ ፋሲጋ እግዚኣብሄር እዩ።
17. ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ድማ በዓል እዩ። ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ይበላዕ።
18. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ።
19. ግናኸ መስዋእቲ ሓዊ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ክልተ ዝራዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጎደሎ ዜብሎም ይኹነልኩም።
20. ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከአ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ሰውኡ፡
21. ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ሰውእ።
22. ንምዕራቕኩም ድማ ሓደ ድቤላ ንመስዋእቲ ሓጢኣት።
23. ብጀካ እቲ ናይ ብጊሓት ዚሐርር መስዋእቲ፡ ኣቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ እዚ ሰውኡ።
24. ኣብ ጸጽባሕ ሾብዓተ መዓልቲ ኸምኡ ግበሩ፡ ብልዒ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና እዩ። እዚ ምስቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ይሰዋእ።
25. በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸአ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ።
26. በታ ቐዳመይቲ ፍሬኹም ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ ብልዒ እተቕርቡላ መዓልቲ፡ በቲ ናይ ሰሙን በዓላትኩም፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ።
27. ግናኸ ዚሐርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኽልተ ዝራብዕ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ።
28. ናይ ብልዒ መስዋእቶም ድማ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ከአ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡
29. ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ከአ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ፡
30. ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ሰውኡ። ጎደሎ ዜብሎም ከአ ይኹነልኩም።
31. ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ሰውኡ። ጎደሎ ዜብሎም ከአ ይኹነልኩም።

  Numbers (28/36)