| ← Numbers (28/36) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። |
| 2. | ንደቂ እስራኣኤል፡ መስዋእተይ እቲ ብልዔይ፡ ነቲ ጥዑም ጨና ዚኾነኒ ናይ ሓዊ መስዋእተይ፡ በቲ ምዱብ ጊዚኡ ከተቕርቡለይ ሓልው ኢልካ ኣዝዞም፡ |
| 3. | በሎም ድማ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ሓዊ እዚ እዩ፡ ነቲ ናይ ወርትግ ዚሓርር መስዋእቲ ነንመዓልቲ ጎደሎ ዜብሎም ክልተ ገንሸል ዓመት ንሓደ ገንሸል ብጊሓት ሰውኣዮ። |
| 4. | ንመስዋእቲ ብልዒ ኸአ ብርብዒ ሂን ጉዱእ ዘይቲ እተቖምጥዔ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ። |
| 5. | ንመስዋእቲ ብልዒ ኸአ ብርብዒ ሂን ጉዱእ ዘይቲ እተቖምጥዔ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ። |
| 6. | እዚ እቲ ኣብ ከረን ሲና እተቐረበ ናይ ወርትግ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ንእግዚኣብሄር ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ። |
| 7. | ንመስዋኣቲ መስተ ኸአ ምስቲ ሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ይኹን። ኣቲ መስዋእቲ መስተ ኻብ ብርቱዕ መስተ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ ቦታ ይኹዖ። |
| 8. | ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ምሸት ሰውኣዮ። ከምቲ ናይ ብጊሓት ምስ መስዋኣቲ ብልዕን ምስ መስዋእቲ መስተን ጊርካ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ንመስዋእቲ ሓዊ ሰውኣዮ። |
| 9. | ብመዓልቲ ሰነብት ድማ ክልተ ገንሸል ዓመት ጎደሎ ዜብሎም፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸአ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ምስኡ ኸአ ናይ መስተ መስዋእቱ። |
| 10. | እዚ በጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ናይ ሰንበት ሰንበት ዚሓርር መስዋእቲ እዩ። |
| 11. | ኣብ መጀምርታ ኣዋርሕኩም ድማ ክልተ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ጎደሎ ዜብሎም፡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ከተቕርቡ ኢኹም። |
| 12. | መስዋእቲ ብልዒ ድማ ነንሓደ ዝራብዕ ስለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ ነቲ ድዑል መስዋእቲ ብልዒ ኸአ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ። |
| 13. | ነንሓደ ገንሸል መስዋእቲ ብልዒ ድማ ሓደ ዓስራይ ኣፍ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ንጥዑም ጨና ዚሓርር መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር። |
| 14. | ናይ መስተ መስዋእቶም ድማ ንዝራብዕ ፈረቓ ሂን ወይኒ፡ ንድዑል ከአ ሳልሳይ ኣፍ ሂን፡ ንገንሸል ከአ ርብዒ ሂን። እዚ ኣብ ናይ ዓመት ኣዋርሕ። በብወርሒ ዚሓርር መሰዋእቲ እዩ። |
| 15. | ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ይሰዋእ። |
| 16. | በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸአ ፋሲጋ እግዚኣብሄር እዩ። |
| 17. | ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ድማ በዓል እዩ። ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ይበላዕ። |
| 18. | በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። |
| 19. | ግናኸ መስዋእቲ ሓዊ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ክልተ ዝራዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጎደሎ ዜብሎም ይኹነልኩም። |
| 20. | ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከአ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ሰውኡ፡ |
| 21. | ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ሰውእ። |
| 22. | ንምዕራቕኩም ድማ ሓደ ድቤላ ንመስዋእቲ ሓጢኣት። |
| 23. | ብጀካ እቲ ናይ ብጊሓት ዚሐርር መስዋእቲ፡ ኣቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ እዚ ሰውኡ። |
| 24. | ኣብ ጸጽባሕ ሾብዓተ መዓልቲ ኸምኡ ግበሩ፡ ብልዒ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና እዩ። እዚ ምስቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ይሰዋእ። |
| 25. | በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸአ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። |
| 26. | በታ ቐዳመይቲ ፍሬኹም ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ ብልዒ እተቕርቡላ መዓልቲ፡ በቲ ናይ ሰሙን በዓላትኩም፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። |
| 27. | ግናኸ ዚሐርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኽልተ ዝራብዕ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ። |
| 28. | ናይ ብልዒ መስዋእቶም ድማ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ከአ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ |
| 29. | ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ከአ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ፡ |
| 30. | ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ሰውኡ። ጎደሎ ዜብሎም ከአ ይኹነልኩም። |
| 31. | ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ሰውኡ። ጎደሎ ዜብሎም ከአ ይኹነልኩም። |
| ← Numbers (28/36) → |