Numbers (27/36)  

1. ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልኣድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ከአ ቀረባ። ስም እተን ኣዋልዱ ድማ እዚ ነበረ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ።
2. ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ኹሉ ኣኼባን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢለን፡
3. ኣቦና ኣብ በረኻ ሞተ፡ ንሱ ኸአ ብሓጢኣቱ ሞተ እምበር፡ ኣብ ማእከል እቶም በቲ ኣኼባ ቆራሕ ናብ ልዕሊ እግዚኣብሄር እተአከቡ ኣይነበረን፡ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን።
4. ወዲ ስለ ዝየነብሮስ፡ ስለምንታይ ስም ኣቦና ኻብ ማእከል ዓሌቱ ዚጠፍእ፡ ኣብ ማእከል ሓወቦታትና ርስቲ ሀበና በላ።
5. ሙሴ ድማ እቲ ነገረን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበ።
6. እግዚኣብሄር ከአ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
7. ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተዛረቦኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ማእከል ሓወባታተን ርስቲ ሀበን፡ እቲ ርስቲ ኣቦኤን ናባታተን ኣሕልፎ።
8. ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰብ ወዲ ኸይሐደገ እንተ ሞተ፡ እቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ።
9. ጓል እንተ ዜብሉ ኸአ፡ እቲ ርስቱ ነሕዋቱ ሀብዎም።
10. ኣሕዋቱ እንተ ዜብሉ ኸአ፡ እቲ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሀብዎም።
11. ኣቡኡ ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ድማ፡ እቲ ርስቱ ኻብ ዓሌቱ ንዚቐርቦ ዘመዱ ሀብዎ፡ ንሱ ይውረሶ። እዚ ኸአ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ንደቂ እስራኤል ሕጊ ፍርዲ ይኹን።
12. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብዚ ኸረን ኦኣባሪም ደይብ፡ እታ ንደቂ እስራኤል ዝሀብክዎም ምድሪ ኸአ ርአያ።
13. ምስ ርኤኻያ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ በረኻ ጺን ኪቛይቅቑኒ ከሎ፡ ኣብቲ ማይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከይትቕደሱኒ፡ ንቓለይ ስለ ዝዐሎኹም፡ ከምቲ ኣሮን ሓውካ እተአከበ፡ ንስካውን ምስኡን ከምኡ ኣብ ቃዴስ ኣብ በረኻ ጺን ዝነበረ ማይ መሪባ እዩ።
14. ምስ ርኤኻያ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ በረኻ ጺን ኪቛይቅቑኒ ከሎ፡ ኣብቲ ማይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከይትቕደሱኒ፡ ንቓለይ ስለ ዝዐሎኹም፡ ከምቲ ኣሮን ሓውካ እተአከበ፡ ንስካውን ምስኡን ከምኡ ኣብ ቃዴስ ኣብ በረኻ ጺን ዝነበረ ማይ መሪባ እዩ።
15. ሙሴ ኸአ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
16. እቲ ኣኼባ እግዚኣብሄር ጓሳ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ከይኸውንሲ፡ ኣብ ቅድሚኣኦም ዚውጽእን ኣብ ቅድሚኦም ዚአቱን፡ ዚወጽኦምን ዜእትዎምን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ መናፍስቲ ኹሉ ስጋ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ኣኼባ እዚ ዚኸውን ሰብኣይ ይመድቡ።
17. እቲ ኣኼባ እግዚኣብሄር ጓሳ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ከይኸውንሲ፡ ኣብ ቅድሚኣኦም ዚውጽእን ኣብ ቅድሚኦም ዚአቱን፡ ዚወጽኦምን ዜእትዎምን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ መናፍስቲ ኹሉ ስጋ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ኣኼባ እዚ ዚኸውን ሰብኣይ ይመድቡ።
18. እግዚኣብሄር ከአ ንሙሴ በሎ፡ እያሱ ወድ ኔዌ፡ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ፡ ናባኻ ውሰድ፡ ኢድካ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር።
19. ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ኹሉ ኣኼባን ከአ ደው ኣብሎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ኣዝዞ።
20. ኩሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ኺእዝዞ ኸአ፡ ካብ ግርማኻ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር።
21. ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ደው ይብል፡ ንሱ ኸአ ብፍርዲ ኡሪም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕተተሉ። ንሱን ኩሎም ደቂ እስራኤልን ኩሉ እቲ ኣኼባን ከአ ምስኡ ብቓሉ ይውጽኡ፡ ብቓሉ ይእተው።
22. ሙሴን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንእያሱ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ኹሉ ኣኼባን ደው ኣበሎ።
23. ንሱ ኸአ ኣእዳው ኣብ ልዕሊኣኡ ኣንበረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ እተዛረቦ ድማ ኣዘዞ።

  Numbers (27/36)