Numbers (26/36)  

1. ኮነ ድማ፡ ድሕሪ እዛ መዓት እዚኣ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮንን፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ኣብ እስራኤል ናብ ውግእ ኪወጽእ ዚኽእል ዘበለ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቁጹሩ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
2. ኮነ ድማ፡ ድሕሪ እዛ መዓት እዚኣ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮንን፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ኣብ እስራኤል ናብ ውግእ ኪወጽእ ዚኽእል ዘበለ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቁጹሩ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
3. ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከኣ ኣብ ጎልጉል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኸምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፡
4. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ነቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ወጹ ደቂ እስራኤልን ዝአዘዞም፡ ነቶም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ቖጽሮም።
5. ሮቤል በኹሪ እስራኤል እዩ። ደቂ ሮቤል፡ ካብ ሓኖክ ዓሌት ሓኖካውያን፡ ካብ ፋሉ ዓሌት ፋላውያን።
6. ካብ ሔስሮን ዓሌት ሒስሮናውያን፡ ካብ ካርሚ ዓሌት ካርማውያን።
7. ዓሌታት ሮቤላውያን እዚኣቶም እዮም፡ ቁጹራቶም ድማ ርብዓን ስለስተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰለሳን ኮኑ።
8. ደቂ ፋሉ ኸአ፡ ኤልያብ።
9. ደቂ ኤልያብ ድማ፡ ነሙኤልን ዳታንን ኣቢራምን። እቲ ምስ ኣኼባ ቆራሕኮይኖም ንእግዚኣብሄር ኪትንስእዎ ኸለው፡ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ዝተንስኡ፡ ኣብቲ ኣኼባ ስሙያት ዝነብሩ ዳታንን ኣቢራምን እዚኣኣቶምን እዮም።
10. ነዚኣቶም በት ነቶም ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ ሓዊ ዝበልዓላ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ዝሞተላ፡ ንሳቶም ከአ ንምልክት ዝኾኑላ ጊዜ፡ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ምስ ቆራሕ ወሐጠቶም።
11. ደቂ ቆራሕ ግና ኣይሞቱን።
12. ደቂ ስምኦን በብዓሌቶም፡ ካብ ነሙኤል ዓሌት ነሙኤላውያን፡ ካብ ያሚን ዓሌት ያሚናውያን፡ ካብ ያኪን ዓሌት ያኪናውያን፡
13. ካብ ዜራሕ ዓሌት ዜራሕውያን፡ ካብ ሳውል ዓሌት ሳውላውያን።
14. ዓሌታት ስምኦናውያን እዚኣቶም እዮም፡ ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን።
15. ደቂ ጋድ በብዓሌቶም፡ ካብ ጸፎን ዓሌት ጸፎናውያን፡ ካብ ሕጊ ዓሌት ሓጋውያን፡ ካብ ሹኒ ዓሌት ሹናውያን፡
16. ካብ ኦዝኒ ዓሌት ኦዝናውያን፡ ካብ ኤሪ ዓሌት ኤራውያን፡
17. ካብ ኣፎድ ዓሌት ኣሮዳውያን፡ ካብ ኣርኤሊ ዓሌት ኣርኤላውያን፡
18. ዓሌታት ደቂ ጋድ ከምቲ እተቖጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን።
19. ደቂ ይሁዳ፡ ኤርን ኦናንን፡ ኤርን ኦናንን ድማ ኣብ ምድሪ ከነኣን ሞቱ።
20. ደቂ ይሁዳ ኸአ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሸላ ዓሌት ሸላውያን፡ ካብ ፋሬስ ዓሌት ፋሬሳውያን፡ ካብ ዜራሕ ዓሌት ዜራሓውያን።
21. ደቂ ፋሬስ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሔጽሮን ዓሌት ሔጽሮናውያን፡ ካብ ሑመል ዓሌት ሑሙላውያን።
22. ዓሌታት ይሁዳ ኸምቲ እተቖጽሮም እዚኣቶም እዮም፡ ሰብዓን ሹዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን።
23. ደቂ ይሳኮር በብዓሌቶም፡ ካብ ቶላ ዓሌት ቶላውያን፡ ካብ ፋጥ ዓሌት ፋዋውያን፡
24. ካብ ያሹብ ዓሌት ያሹባውያን፡ ካብ ሺምሮን ዓሌት ሺምሮናውያን።
25. ዓሌት ይሳኮር ከምቲ እተቖጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ስለስተ ሚእትን።
26. ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም ካብ ሰረድ ዓሌት ሰራዳውያን፡ ካብ ኤሎን ዓሌት ኤሎናውያን፡ ካብ ያሕልኤል ዓሌት ያሕልኤላውያን።
27. ዓሌታት ዛብሎናውያን ከምቲ እተቖጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ስሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን።
28. ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም፡ ምናሴን ኤፍሬምን።
29. ደቂ ምናሴ፡ ካብ ማኪር ዓሌት ማክራውያን። ማኪር ድማ ንጊልኣድ ወለደ፡ ካብ ጊልኣድ ዓሌት ጊልኣዳውያን።
30. ደቂ ጊልኣድ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ኢዔዘር ዓሌት ኢዔዘራውያን፡ ካብ ሔለቅ ዓሌት ሔለቃውያን፡
31. ካብ ኣስሪኤል ከአ ዓሌት ኣስሪኤላውያን ካብ ሴኬም ድማ ዓሌት ሽሚዳውያን ካብ ሔፈር ድማ ዓሌት ሓፈራውያን።
32. ጸሎፈሓድ ወዲ ሔፈር ከአ ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን። ስም ኣተን ኣዋልድ ጸሎፈሓድ ድማ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ እዩ።
33. ጸሎፈሓድ ወዲ ሔፈር ከአ ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን። ስም ኣተን ኣዋልድ ጸሎፈሓድ ድማ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ እዩ።
34. ዓሌታት ምናሴ እዚኣቶም እዮም፡ ቁጽራቶም ከአ ሓምሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ኮነ።
35. ደቂ ኤፍሬም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሹተላ ዓሌት ሹተላውያን፡ ካብ ቤከር ዓሌት ቤከራውያን፡ ካብ ታሓን ዓሌት ታሓናውያን።
36. ደቂ ሹተላ ኸአ፡ ካብ ዔራን ዓሌት ዔውናውያን።
37. ዓሌታት ደቂ ኤፍሬም ከምቲ እተቖጽርዎ እዚኣቶም እዮም። ሰላሳን ክልተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን። ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።
38. ደቂ ቢንያም በብዓሌቶም ካብ ቤላዕ ዓሌት ቤላዓውያን: ኣሽቤል ዓሌት ኣሽቤላውያን፡ ካብ ኣሒራም ዓሌት ኣሒራማውያን።
39. ካብ ሸፋፋም ዓሌት ሹፋፋማውያን፡ ካብ ሑፋም ዓሌት ሑፋማውያን።
40. ደቂ ቤላዕ፡ ኣርድን ነዓማንን ነበሩ። ካብ ኣርድ ዓሌት ኣርዳውያን፡ ካብ ነዓማን ዓለኢት ነዓማናውያን።
41. ደቂ ብንያም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ቁጽራቶም ከአ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ኮኑ።
42. ደቂ ዳን በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሹሓም ዓሌት ሹሓማውያን። ዓሌታት ዳን በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።
43. ኩሎም ዓሌታት ሽሓማውያን ከምቲ እተቕጽርዎ ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።
44. ደቂ ኣሴር በብዓሌቶም ካብ ዮምና ዓሌት ዮምናውን፡ ካብ ዩሽዊ ዓሌት ዪሽዋውያን፡ ካብ ብሪዓ ዓሌት ብሪዓውያን።
45. ካብ ደቂ ብሪዓ፡ ካብ ሔብር ዓሌት ሔብራውያን፡ ካብ ማልኪኤል ዓለኢት ማልኪኤላውያን።
46. ስም ጓል ኣሴር ሳራ ነበረ።
47. ዓሌታት ደቂ ኣሴር ከምቲ እተቖጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን።
48. ደቂ ንፍታሌም በብዓሌቶም፡ ካብ ያሕጽኤል ዓሌት ያሕጽኤላውያን፡ ካብ ጉኒ ዓሌት ጉናውያን።
49. ካብ የጾር ዓሌት የጸራውያን፡ ካብ ሺሌም ዓሌት ሼሌማውያን።
50. ዓሌታት ንፍታሌም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። ቁጽራቶም ከአ ኣርባዓን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኮኑ።
51. እቶም ካብ ደቂ እስራኤል እተቖጽሩ ሹዱሽተ ሚእትን ሓደን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰላሰን ኮኑ።
52. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ።
53. እታ ምድሪ ነዚኣቶም ብቑጽሪ ስሞም ርስቲ ኾይና ትመቐል።
54. ነቶም ብዙሓት ርስቲ ኣግፍሓሎም፡ ነቶም ሒደት ከአ ርስቲ ኣንኣሰሎም፡ ንነፍሲ ወከፍ ከም ቁጽሩ ርስቱ ይወሀብ።
55. እታ ምድሪ ግና ብዕጭ ውድቕ ትመቐል። ከከም ስም ነገድ ኣቦታቶም ይረስተዩ።
56. እቲ ርስቶም ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓትን እቶም ሒደትን ከምታ ዕጭ ዝሀበቶ ይመቐል።
57. እቶም በብዓሌቶም እተቖጽሩ ሌዋውያን ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ገርሾን ዓሌት ገርሾናውያን፡ ካብ ቃሃት ዓሌት ቃሃታውያን፡ ካብ መሪር ዓሌት መራራውያን።
58. ዓሌታት ሌዊ እዚኣቶም እዮም፡ ዓሌት ሊብናውያን፡ ዓሌት ሔብሮናውያን፡ ዓሌት ማሕላውያን፡ ዓሌት ሙሻውያን፡ ዓሌት ቆራሓውያን። ቃሃት ከአ ንኣምራም ወለደ።
59. ስም ሰበይቲ ኣምራም ድማ ዮካቤድ ነበረ። ንሳ ንሌዊ ኣብ ግብጺ እተወልደትሉ ጓል ሌዊ ኣያ። ንሳ ኸኣ ንኣምራም ኣሮንን ሙሴን ሚርያም ሓብቶምን ወለደትሉ።
60. ንኣሮን ድማ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን ተወልዳሉ።
61. ናዳብን ኣቢሁን ከአ ጋሻ ሓዊ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ኣቕረቡ፡ ሞቱ።
62. እቶም ቁጽራቶም ተባዕትዮ ዘበሉ ኸአ፡ ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኮኑ። ብሳቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይተዋህቦምን እሞ፡ ስለዚ ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቖጽሩን።
63. ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኣብ ጎላጉል ሞኣብ ዝቖጸርዎም ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም።
64. ካብቶም ሙሴን ካህን ኣሮንን ኣብ በረኻ ሲና ዝቖጸርዎም ዙጸራት ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ኣብ ማእከል እዚኣቶም ኣይነበረን።
65. እግዚኣብሄር ብዛዕባኦም ርብጽ በረኻ ኺሞቱ እዮም፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ካባታቶም ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።

  Numbers (26/36)