Numbers (25/36)  

1. እስራኤል ድማ ኣብ ሽጢም ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ኸአ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝር ጀመረ።
2. ንሳተን ነቲ ህዝቢ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽተን ጸውዓኦ። እቲ ህዝቢ ኸአ በልዔ፡ ንኣማልኸተን ድማ ሰገደ።
3. እስራኤል ከአ ምስ በዓልጴዖር ሐበረ። ኩራ እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ነዳዲ ኹራ እግዚኣብሄር ካብ እስራኤል ምእንቲ ኺምለስሲ፡ ንኹሎም ሓላቑ ህዝቢ ወሲድካ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸሓይ ሰቐሎም፡ በሎ።
4. ሙሴ ድማ ንፈራዶ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ምስ በዓልጴዖር ዝሓበሩ ሰብ ይቕተል፡ በሎም።
5. ሙሴ ድማ ንፈራዶ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ምስ በዓልጴዖር ዝሓበሩ ሰብ ይቕተል፡ በሎም።
6. እንሆ ኸአ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኹሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን፡ ንሳቶም ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢሎም ኪበኽዩ ኸለው፡ ሓንቲ ሚድያናዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምጽኤ።
7. ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ምስ ረአዩ፡ ካብ ማእከል እቲ ኣኼባ ተንስኤ፡ ኩናትውን ኣብ ኢዱ ወሰደ፡
8. ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን ከአ ረቃቒቶኣ ንኽልቲኦም ወጋኦም። ኣቲ መዓት ድማ ካብ ደቂ እስራኣኤል ዛረየ።
9. እቶም በቲ መዓት ዝሞቱ ኸአ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኮነ።
10. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
11. ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ብምቕናኤይ ስለ ዝቐንኤ፡ ንኹራይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ ኣሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእክዎምን።
12. ስለዚ በል እንሆ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ ኣህቦ ኣለኹ።
13. ንኣምላኹ ቐኒኡ፡ ንደቂ እስራኤል ከአ ኣተዐሪቑ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ ኺዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹን።
14. ስም እቲ እትቐትለ እስራኤላዊ ሰብኣይ፡ ምስታ ሚድያናዊት ሰበይቲ እተቕትለ፡ ዚምሪ ወዲ ሳሉ፡ ንሱ ኻብ ደቂ ስምኦን፡ ሹም ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ነበረ።
15. ስም እታ እተቕትለት ሚድያናዊት ሰበይቲ ኸአ ኩዝቢ ጓል ጹር፡ ንሱ ኣብ ሚድያን ናይ ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ሓለቓ ህዝቢ ነበረ።
16. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
17. በቲ ብናይ ጴዖር ነገር ዝጠበሩኹም ምጥባሮም፡ ድማ ብነገር ኩዝቢ ሓብቶም፡ ጓል ሹም ሚድያን፡ በታ ብዛዕባ ጴዖር መዓት ዝወረደላ መዓልቲ እተቕትለት፡ ኣጨኒቖምኹም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንምድያናውያን ኣጨኒቕዎምን ውቕዕዎምን።
18. በቲ ብናይ ጴዖር ነገር ዝጠበሩኹም ምጥባሮም፡ ድማ ብነገር ኩዝቢ ሓብቶም፡ ጓል ሹም ሚድያን፡ በታ ብዛዕባ ጴዖር መዓት ዝወረደላ መዓልቲ እተቕትለት፡ ኣጨኒቖምኹም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንምድያናውያን ኣጨኒቕዎምን ውቕዕዎምን።

  Numbers (25/36)