Numbers (24/36)  

1. በላዓም ድማ ንእስራኤል ኪምርቖ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ከም ዝኾነ ምስ ረአየ፡ ገጹ ንበረኻ ኣቢሉ መለሰ እምበር፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ብኣስማት ኪቃበበል ኣይከደን።
2. በላዓም ከአ ዓይኑ ኣልዐለ ንእስራኤል ድማ በብነገዶም ሰፊሮም ረአዮም፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ናብ ልዕሊኡ መጸ።
3. ምስላኡ ኣልዒሉ ኸአ በለ፡ በላዓም ወዲ ቤዖር፡ ከምዚ ይብል፡ እቲ ኽፉት ኣዒንቲ ዘለዎ ሰብኣይ ድማ ከምዚ ይብል፡
4. እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡ ናይቲ ኹሉ ዝኽእል ራእይ ዚርኢ፡ እቲ ዚወድቕ፡ ኣዒንቱ ኸአ ዚኸፈተሉ፡ ከምዚ ይብል፡
5. ኣታ ያእቆብ፡ ድንኳናትካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ ማሕደርካ ኽንደይ ይጽብቕ።
6. ከም ለሴታት፡ ኣብ ገምገም ርባ ኸም ዘሎ ኣታኽልቲ፡ እግዚኣብሄር ከም ዝተኸሎ ዕሬታት፡ ኣብ ወሰን ማይ ከም ዝለኦ ጽሕድታት ይዝርግሑ።
7. ካብ ዕትሮኡ ማይ ይጅርበብ፡ ዘርኡ ድማ ኣብ ብዙሕ ማያት ይኸውን፡፡ ንጉሱ ኻብ ኣጋግ ክብ ይብል፡ መንግስቱ ኸአ ክትልዐል እያ።
8. ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦ፡ ሓይሊ ኸም ናይ ርኤም ዝበለ ኣለዎ፡ ነቶም ዝጻረርዎ ህዝብታት ኪበልዖም እዩ፡ ኣዕጽምቶም ከአ ኪሰባብር እዩ፡ ብመንትጉውን ኪውግኦም እዩ።
9. ንሱ ኸም ኣንበሳ በጥ ኢሉ፡ ከም ዋዕሮ ድማ ደቂሱ ኣሎ፡ መን የተንስኦ፡ ዚምርቐካ ምሩቕ ዚረግመካ ኸአ ርጉም ይኹን።
10. ሽዑ ኹራ ባላቅ ኣብ በዓላም ነደደ፡ ኣእዳው ድማ ኣጣቕዔ፡ ባላቅ ከአ ንበላዓም፡ ኣነ ንጸላእተይ ክትረግሞም ጸዋዕኩኻ፡ እንሆ ኸአ፡ ሕጂ ስለስተ ሳዕ ኣጸቢቕካ መረቕካዮም።
11. ሕጂ ድማ ናብ ቦታኻ ህደም። ኣነ ኣዝየ ከኽብረካ ኢለ ነይረ፡ እግዚኣብሄር ግና እንሆ፡ ከይትኸብር ከልኣካ በሎ።
12. በላዓም ከአ ንባላቅ በሎ፡ ነቶም ናባይ ዝሰደድካዮም ልኡኻትካ፡ ባላቅ ቤቱ ብሩርን ወርቅን መሊኡ እንተ ዚህበኒ እኳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣፍሪሰ፡ ጽቡቕ ኮነ ወይስ ክፉእ፡ ከም ልበይ ክገብር ኣይክእልን፡ እግዚኣብሄር ዚብለኒ ንሱ እየ ዝዛረብ፡ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን፡
13. በላዓም ከአ ንባላቅ በሎ፡ ነቶም ናባይ ዝሰደድካዮም ልኡኻትካ፡ ባላቅ ቤቱ ብሩርን ወርቅን መሊኡ እንተ ዚህበኒ እኳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣፍሪሰ፡ ጽቡቕ ኮነ ወይስ ክፉእ፡ ከም ልበይ ክገብር ኣይክእልን፡ እግዚኣብሄር ዚብለኒ ንሱ እየ ዝዛረብ፡ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን፡
14. ሕጂ ኸአ እንሆ፡ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣሎኹ። ንዓ እዚ ህዝቢ እዚ ዳሕሮት መዓልታት ንህዝብኻ ዚገብሮ ኺነግረካ።
15. ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ በላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡ እቲ ኽፉት ኣዒንት ዘለዎ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡
16. እቲ ቓል ኣምላኽ ዚስምዕ፡ ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዚፈልጥ፡ ናይቲ ኹሉ ዚኽእል ራእይ ዚርኢ፡ እቲ ዝወድቕ ኣዒንቱ ኸአ ዚኸፈታሉ፡ ከምዚ ይብል፡
17. እርእዮ ኣሎኹ ሕጂ ደአ ኣይኮነን፡ እጥምቶ ኣለኹ፡ ግናኸ ቀረባ ኣይኮነን፡ ካብ ያእቆብ ኮኾብ ይወጽእ፡ ካብ እስራኤል ከአ በትሪ መንግስቲ ትትንስእ፡ ንሳ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ትወቕዖም፡ ንኹሎም ደቂ መዕገርገርቲ ትጭፍልቖም።
18. ኣኤዶም ርስቲ ኪኸውን እዩ፡ ስዒር ናይ ጸላእቱ ድማ ርስቲ ኪኸውን እያ፡ እስራኤል ከአ ሓይሊ ኺገብር እየ።
19. ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኺወጽእ እዩ፡ ነቲ ትርፊ ኸአ ኻብታ ኸተማ ኺውድኦ ኢዩ።
20. ንኣማሊቕ ርእዩ ድማ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ ኣማሊቕ ካብ ህዝብታት ቀዳማይ ኢዩ፡ ቤትካ ኸአ ኣብ ከውሒ ተነቢሩ ኣሎ።
21. እዚ ኽነሱ፡ ኣሶር ክሳዕ ዚማርኸካ፡ ቃይን ኪዖኑ እዩ።
22. እዚ ኽነሱ፡ ኣሶር ክሳዕ ዚማርኸካ፡ ቃይን ኪዖኑ እዩ።
23. ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ ወይለይ፡ እግዚኣብሄር ነዚ ምስ ዚገብርሲ፡ መን ኮን ብህይወት ይንበር፡
24. ካብ ወሰን ኪቲም መራኽብ ኪመጻ እየን፡ ንሳተን ንኣሶር ኬጨንቓ፡ ንዔብርውን ኪጨንቓ እየን። ንሱ ኸአ ኪጠፍእ እዩ።
25. በላዓም ድማ ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ቦትኡ ኸአ ተመልሰ። ባላቅውን መገዱ ኸደ።

  Numbers (24/36)